Breaking

ኣብ ሓደ ቤተ ክርስትያን ናይ ሲድኒ ዝተገብረ መጥቃዕቲ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምዃኑ ፖሊስ ኒው ሳውዝ ወልስ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ NSW ነቲ ንጳጳስ ቤተ ክርስትያን ሲድኒ ዝወግአ ፍጻመ 'ግብረ ሽበራዊ" መጥቃዕቲ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

A policeman at the scene of a deadly stabbing

ንጳጳስ ናይቲ ቤተ ክርስትያን ብኻራ ምስተወግኡ ፖሊስ ነቶም ብሕራነ ዝተኣከቡ ህዝቢ እናርሓቖም። Source: AAP / Paul Braven

እቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያ ንክርስቶስ እቲ ሕያዋይ ጓሳ (the Christ The Good Shepherd Church) ንሓደ ጳጳስ ዝተወግእሉ ፍጻመ ፡ግብረ ሽበራዊ ምዃኑ ኮሚሽነር ፖሊስ ኔሽንስ ዋይትስ ካረን ዌብ ገሊጻ ።
ኮሚሽነር ዌብ ብሰሉስ ንግሆ ንመራኸቢ ብዙሃን ከምዝገለጸቶ ፡ ሰበ ስልጣን "ንዅሉ እቲ ሓበሬታ ምስ ኣከብዎ" ነቲ ፍጻመ ከም "ግብረ-ሽበራዊ ፍጻመ" ገይሮም ክሕዝዎ ከም ዝወሰኑ ገሊጻ ።
ፕሪመር ግዝኣት ኒው ሳውዝ ወልስ (NSW ) ክሪስ ሚንንስ "እዚ ዓቢን ከቢድን ገበናዊ መርመራ እዩ" ኢሉ ።

" ፖሊስ NSW ኩሉ መሳለጥያን ክትትልን ንኣባላት ምርመራ ነዚ ገበን ክምርምሩ ምግባር ወሳኒ እዩ" ኢላ ።
ሓደ ወዲ 15 ዓመት መንእሰይ ፡ ኣብ ምዕራባዊ ሲድኒ ኣብ እትርከብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኣሶራውያን ኣትዩ ነቶም ጳጳስ ብምውጋእ ድሕሪ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ፡ ናዕቢ ዘለዓዓሉ ጭፍራ ኣንጻር ፖሊስ ዕግርግር ፈጢሮም ፡ ብዙሓት ካብኦም ድማ ብሰኑይ ምሸት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ይርከቡ።
እቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዋክሊ ንኣቡነ ማር ማሪ ኣማኑኤል ብኻራ ኣብዝውግ እሉ ዝነበሩ እቲ ፍጻመ ብቐጥታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ካብ ዉሽጢ እታ ቤተ-ክርስትያን ይምሓላለፍ ነይሩ።

"እቲ ነቲ ህዝቢ ከባቢ ብሓርቖት ክለዓዓል ዝገበሮ እዚ ክከውን ይኽእል እዩ ፡" ናይ NSW ተሓጋጋዚ ኮሚሽነር ኣንድሪው ሆላንድ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ።
A bishop holding a sermon in a church
The suspect is "known to police" and not a regular attendee at the church. Source: Supplied / YouTube
ሓደ ጸሊም እተኸድነ ሰብ ነብቲ እቶም ኣቡን ዝነበርዎ ቀሪቡ ብተደጋጋሚ ኣብ ርእሶምን ላዕለዋይ ክፍሊ ኣካሎምን ብኻራ እናወግኦም ይረአ ነበረ ፣ እቶም ምእመናን ከኣ እናኣእወዩ ናብቲ እቲ ፋጻመ ንምርዳኦም ክጓየዩ ተራእዮም ።

እቲ ጥርጡር "ብፖሊስ ዝፍለጥ" እዩ ነይሩ: ተኸታሊ እቲ ቤተ ክርስትያን ከምዘይነበረውን ሚስተር ሆላንድ ገሊጹ ።
እቲ ወዲ 15 ዓመት ጥርጡር ፡ "ብሰንኪ ተግባራቱ ኣብ ኢዱ ከቢድ ጉድኣት ወሪድዎ ከም ዘሎ ተፈሊጡ ።

እቲ ጥርጡር ፡ ፖሊስ ክሳዕ ዝመጽእ በቶም ምእመናን እታ ቤተ ክርስትያን ከም እተኣስረ ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ ።

Church stabbing
Source: Supplied / Facebook
ብዙሕ ህዝቢ ካብታ ቤተ-ክርስትያን ወጻኢ ምእካብ ቀጸሉ ፡ "ኣብ መላእ ሲድኒ ካብ ዝርከባ ኵለን ዞባታት ዝመጹ ኣባላት ፖሊስ ናብቲ ቦታ ፍጻመ ኣምርሑ ጀመሩ ።"
ልዕሊ 100 ኣባላት ፖሊስን 30 ናይ ፖሊስ መኻይንን ከምዝተኻፈላን እቲ ጥርጡር ድማ ጸኒሑ ካብ ቤተ-ክርስትያን ከምዝተኣልየን ተገሊጹ ።
ክልተ ኣባላት ፖሊስ ድሕሪ ምቝሳሎም ናብ ሆስፒታል ተወስዱ ።
ሓያሎ ናይ ፖሊስ ማካይን ድማ ዓንየን ።



Readers seeking support with mental health can contact Beyond Blue on 1300 22 4636.

More information is available at beyondblue.org.au.  Embrace Multicultural Mental Health supports people from culturally and linguistically diverse backgrounds.

Share

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: AAP

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ኣብ ሓደ ቤተ ክርስትያን ናይ ሲድኒ ዝተገብረ መጥቃዕቲ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምዃኑ ፖሊስ ኒው ሳውዝ ወልስ ኣፍሊጡ። | SBS Tigrinya