እቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያ ንክርስቶስ እቲ ሕያዋይ ጓሳ (the Christ The Good Shepherd Church) ንሓደ ጳጳስ ዝተወግእሉ ፍጻመ ፡ግብረ ሽበራዊ ምዃኑ ኮሚሽነር ፖሊስ ኔሽንስ ዋይትስ ካረን ዌብ ገሊጻ ።
ኮሚሽነር ዌብ ብሰሉስ ንግሆ ንመራኸቢ ብዙሃን ከምዝገለጸቶ ፡ ሰበ ስልጣን "ንዅሉ እቲ ሓበሬታ ምስ ኣከብዎ" ነቲ ፍጻመ ከም "ግብረ-ሽበራዊ ፍጻመ" ገይሮም ክሕዝዎ ከም ዝወሰኑ ገሊጻ ።
ፕሪመር ግዝኣት ኒው ሳውዝ ወልስ (NSW ) ክሪስ ሚንንስ "እዚ ዓቢን ከቢድን ገበናዊ መርመራ እዩ" ኢሉ ።
" ፖሊስ NSW ኩሉ መሳለጥያን ክትትልን ንኣባላት ምርመራ ነዚ ገበን ክምርምሩ ምግባር ወሳኒ እዩ" ኢላ ።
ሓደ ወዲ 15 ዓመት መንእሰይ ፡ ኣብ ምዕራባዊ ሲድኒ ኣብ እትርከብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኣሶራውያን ኣትዩ ነቶም ጳጳስ ብምውጋእ ድሕሪ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ፡ ናዕቢ ዘለዓዓሉ ጭፍራ ኣንጻር ፖሊስ ዕግርግር ፈጢሮም ፡ ብዙሓት ካብኦም ድማ ብሰኑይ ምሸት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ይርከቡ።
እቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዋክሊ ንኣቡነ ማር ማሪ ኣማኑኤል ብኻራ ኣብዝውግ እሉ ዝነበሩ እቲ ፍጻመ ብቐጥታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ካብ ዉሽጢ እታ ቤተ-ክርስትያን ይምሓላለፍ ነይሩ።
"እቲ ነቲ ህዝቢ ከባቢ ብሓርቖት ክለዓዓል ዝገበሮ እዚ ክከውን ይኽእል እዩ ፡" ናይ NSW ተሓጋጋዚ ኮሚሽነር ኣንድሪው ሆላንድ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ።

ሓደ ጸሊም እተኸድነ ሰብ ነብቲ እቶም ኣቡን ዝነበርዎ ቀሪቡ ብተደጋጋሚ ኣብ ርእሶምን ላዕለዋይ ክፍሊ ኣካሎምን ብኻራ እናወግኦም ይረአ ነበረ ፣ እቶም ምእመናን ከኣ እናኣእወዩ ናብቲ እቲ ፋጻመ ንምርዳኦም ክጓየዩ ተራእዮም ።
እቲ ጥርጡር "ብፖሊስ ዝፍለጥ" እዩ ነይሩ: ተኸታሊ እቲ ቤተ ክርስትያን ከምዘይነበረውን ሚስተር ሆላንድ ገሊጹ ።
እቲ ወዲ 15 ዓመት ጥርጡር ፡ "ብሰንኪ ተግባራቱ ኣብ ኢዱ ከቢድ ጉድኣት ወሪድዎ ከም ዘሎ ተፈሊጡ ።
እቲ ጥርጡር ፡ ፖሊስ ክሳዕ ዝመጽእ በቶም ምእመናን እታ ቤተ ክርስትያን ከም እተኣስረ ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ ።

ብዙሕ ህዝቢ ካብታ ቤተ-ክርስትያን ወጻኢ ምእካብ ቀጸሉ ፡ "ኣብ መላእ ሲድኒ ካብ ዝርከባ ኵለን ዞባታት ዝመጹ ኣባላት ፖሊስ ናብቲ ቦታ ፍጻመ ኣምርሑ ጀመሩ ።"
ልዕሊ 100 ኣባላት ፖሊስን 30 ናይ ፖሊስ መኻይንን ከምዝተኻፈላን እቲ ጥርጡር ድማ ጸኒሑ ካብ ቤተ-ክርስትያን ከምዝተኣልየን ተገሊጹ ።
ክልተ ኣባላት ፖሊስ ድሕሪ ምቝሳሎም ናብ ሆስፒታል ተወስዱ ።
ሓያሎ ናይ ፖሊስ ማካይን ድማ ዓንየን ።
Readers seeking support with mental health can contact Beyond Blue on 1300 22 4636.
More information is available at beyondblue.org.au. Embrace Multicultural Mental Health supports people from culturally and linguistically diverse backgrounds.

