ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል 'ጸጥታዊ ስግኣት "ድሕሪ ምግጣሙ ፡ኣማራጺ መስመራ ይናደ።

ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝነብሩ ዜጋታታ ፡ ኣብ ጥቓ ማዕርፎ ነፈርቲ "ስግኣት ድሕንነት" ከም ዘሎ ብምጥቃስ ፡ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ካብ ምኻድ ክቝጠቡ ተማሕጸነት ።

UK coalition forces, Turkish coalition forces, and US Marines assist a child during an evacuation at Hamid Karzai International Airport on 20 August 2021.

UK coalition forces, Turkish coalition forces, and US Marines assist a child during an evacuation at Hamid Karzai International Airport on 20 August 2021. Source: AAP

ኣመሪካን ጀርመንን ኣብ ኣፍጋኒስታን ንዝነብሩ ዜጋታተን ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ካብ ምኻድ ክቝጠቡ ከም ዝሓበራኦም ፡ ጣሊባን ን ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምቍጽጻሮም ፡ ዳርጋ ሓደ ሰሙን ዝኸውን ጸኒሑ እዩ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተስፋ ዝቘረጹ ሰባት ክሃድሙ ይፍትኑ ዘለዉ ፡ ጸጥታዊ ኩነታት ኣብ ሓደጋ ከም ዝዀነ ጠቒሰን ኣለዋ ።

እቲ ኣብ ካቡል ካብ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ እተዋህበ መጠንቀቕታ ፡ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ዝርዝር ሓበሬታ እኳ እንተ ዘይሃበ ፡ ሓደ ብዓል ስልጣን ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ጸኒሑ ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ምስ እስላማዊ ጕጅለ ንምጽራር ኣብ እተገብረ "ስርሒት" ዕንቅፋት ከምተፈጥረ ሓደ ኣማኻሪ ንፕረዚደንት ጆ ባይደን ከምዝገለጸሉ ኣረጋጊጹ እዩ ።

ካብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሓሚድ ኻርዛይ ወጻኢ ዘሎ ኵነታት ፡ ኣብ መንጎ እቶም ጣሊባን ካብታ ሃገር ክሃድም ተስፋ ዝገብሩ ሰባት ዕግርግር ተፈጢሩ ኣሎ ።

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣመሪካውያንን ኣፍጋናውያንን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ በረራታቶም ይጽበዩ ወይ ኣብ ኣፍ ደገታቱ ተኣኻኺቦም ከለዉ ፡ ፡ ዕጡቓት ጣሊባን ወይ ካልኦት ወተሃደራት ነቶም ክሃድሙ ዝፍትኑ ሰባት ይሃርምዎምን የሸግርዎምን ከም ዘለዉ ኣብ ፔንታጎን ዝገልጽ ጸብጻብ ወጺኡ ኣሎ ።

"ዜጋታት ኣመሪካ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኸይጐዓዙን ካብ ወኪል መንግስቲ ኣመሪካ መምርሒ እንተ ዘይተዋሂብኩም ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ካብ ኣፍ ደገታት መዓርፎ ነፈርቲ ክርሕቁን ኢና እንመክር ዘለና" ይብል ናይ ኣመሪካ ኤምባሲ መጠንቀቕታ ።

ኤምባሲ ጀርመን ብተወሳኺ ፡ ሓይልታት ጣሊባን ኣብ ቀረባኦም ጽኑዕ ምቁጽጻር ይገብሩ ከም ዘለዉ ብኢመይል ገይሩ ብምጥንቃቕ ፡ ዜጋታቱ ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከይከዱ መኺሩ እዩ ።

ኣብ ካናዳ ዝርከቡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ብሰንበት ብተሌፎን ኣብ ዝገበሩዎ ሓጺር መደረ: ነቲ ኣብ ከባቢ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝነበረ ኵነታት "ሕንፍሽፍሽን ተስፋ ዘቝራጽን" ኢሎም ገሊጾሞ።

ወተሃደራት ካናዳ ካብታ ሃገር ዳርጋ 1,000 ኣቢሎም ዝዀኑ ኣፍጋናውያን ከም ዝወጹ ምስ ገለጹ ፡ "እዚ ሓደገኛ ተልእኾ እዩ" በሉ ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሙቐትን ደሮናን ብዝነበሮም ብዙሓት ሰባት ዓብዮም እዮም ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ንኣሽሓት ዲፕሎማሰኛታቶምን ሰላማውያን ሰባትን ከምኡውን ብዙሓት ኣፍጋናውያን ካብታ ሃገር ንምውጻእ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ፡ ነቲ ዕዮታት ዕንቅፋት ኰይነን ኣለዋ።

ኣደታት ፡ ኣቦታትን ህጻናትን ፡ መህደሚ ንምርካብ ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ቀጢን መንደቕ ፡ ክጋጨዉ ተራእዮም እዮም ።

ጣሊባን ነቶም ሰነዳት መገሻ ዘይብሎም ናብ ዓዶም ክምለሱ ተማሕጺንዎም ኣሎ ።

ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ምስ ኣእተዋ ፡ ካብ ሰንበት ጀሚሩ ኣብ ከባቢ እታ ሓንቲ መዕርፎ ነፈርቲ ጥራይ ብውሕዱ 12 ሰባት ከም እተቐትሉ ፡ ሰብ መዚ ኔቶን ጣሊባንን ገሊጾም ።

17,000 ወጺኦም ኣለዉ

ሚስተር ባይደን ነቲ ዋይት ሃውስ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣመሪካ ዝርእዮ ዘሎ ዕግርግር ከም ዘስግኦን ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣመሪካ ዝወርድ ህቦብላ ንፋስ እውን ከም ዘስግኦን ብምግላጽ ፡ ነቲ ቀዳም ናብ ደላዌር ክኸይድ ዝነበሮ መደብ ሰሪዝዎ እዩ ።

"ሎሚ ንግሆ ፡ እቲ ፕረዚደንት ምስ ሃገራዊ ጉጂለ ጸጥታ ተራኸበ ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ጸጥታን ብዛዕባ እቲ ከም ኣይሲስ-ከይ ዝኣመሰለ ኣንጻር ግብረ-ሽበራ ዝግበር ስርሓትን እውን ተመያይጦም እዮም "ይብል ሓደ ናይ ዋይት ሃውስ በዓል ስልጣን ።

ኣብ ኮራሳን (IS-K ወይ ISIS-K) ፡ እስላማዊ ሃገር ተባሂሉ ዝፍለጥ ቤት ፅሕፈት ጨንፈር ኣይ.ኤስ. ኣብ ኣፍጋኒስታን ኮይኑ ፡ ኣብ 2019 ከቢድ ዕንወት ካብ ዘውርድ ንነጀው ፡ ኣብ ከተማታት ፡ እንተላይ ኣብ ካቡል ከቢድ መጥቃዕቲ ይፍጽሙ ከም ዘለዎ ይገልጽ።

ይኹን እምበር ፡ ሜጀር ጀነራል ሃንክ ተይለር ፡ "ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ኣብ ከባቢ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ብዛዕባ ዘሎ ኵነታት ጸላኢ እተገልጸ ለውጢ የለን" ኢሉ።

ኣፈኛ ፔንታጎን ጆን ኪርቢ ግን: ሰራዊት ከቢድ ጸቕጢ እናወረዶ ከሎ: ነቲ ብ31 ነሓሰ ነቲ ክወጽእ ዝግብኦ ካብቲ ከባቢ ናይ ምውጻእ ሸቶኡ ከም ዝወቅዕ ብምግባር ናይ ህጹጽነት ስምዒት ከምዘሎ ገለጸ።

"ምስ ግዜን ቦታን ንቃለስ ከም ዘለና ስለ እንፈልጥ ፡ ብቕንዕና ክንገልጽ ኣለና" ድማ በለ ።

ኣስታት 10,000-15,000 ኣመሪካውያን ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጹ ከም ዘለዎም ዝገለጸ ባይደን ፡ እቲ ምምሕዳር ካብ 50,000-60,000 ዝዀኑ መሻርኽትን ኣባላት ስድራ-ቤቶምን ካብታ ሃገር ክወጹ ከም ዝደሊ ይገልጽ ።

ሚስተር ታይለር ከም ዝገለጾ ፡ እቲ ስርሒት ብ14 ነሓሰ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ፡ 17,000 ሰባት ከም እተወስዱ ፡ ብዙሓት ሰባት ድማ ፈለማ ናብ ቀጠር ወይ ናብ ኩወይት ከም እተላእኩ ሓቢሩ ። እቲ ጸብጻብ ፡ 2,500 ኣመሪካውያን ዝሓቘፈ እዩ ነይሩ ።
airport.jpg
ተይለር ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ፡ ሽዱሽተ ወተሃደራውያን ነፈርቲ ሲ-17ን 32 ቻርተር ነፈርቲን ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል 3,800 ሰባት ኣውጺአን እየን ፣ እቲ ቁጽሪ ድማ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ መዓልቲ ኣመና ኣንቈልቊሉ እዩ።

ዓርቢ ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ልዕሊ 150 ኣመሪካውያን ናብ ኣፍ ደገታት መዓርፎ ነፈርቲ ክበጽሑ ዘይክእሉ ሄሊኮፕተራት ልኢኹ ከም ዝነበረ ሓደ በዓል ስልጣን ገሊጹ ።

እዚ ከኣ ሓይልታት ኣመሪካ ካብቲ ብኣመሪካ ተጸጊዑ ዝነበረ ቀጽሪ ወጺኦም ክኸዱ ንዚደልዩ ሰባት ንምሕጋዝ ፍቓደኛታት ምዃኖምን ክእለት ከም ዘለዎምን ዘርኢ ናይ መጀመርታ መርትዖ እዩ ።

ሚስተር ባይደን ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ንዚነብር ዝዀነ ይኹን ኣመሪካዊ ፡ "ናብ ዓዱ ክምለስ ዝደሊ ዝዀነ ይኹን ኣመሪካዊ ፡ ናብ ዓድኹም ክንወስደኩም ኢና" ኢሉ ካብቲ ቦታ ክወጽእ ንዚደሊ ዘበለ ከም ዝሕግዞ ቃል ኣትዩ ኣሎ ።

ኰይኑ ግና ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ምርካቦም ፡ ናብቲ ሰፊሕ ቀጽሪ ንኺሓልፉ ውሕስነት ከም ዘይዀኖም ተኣሚኑ እዩ ።

Additional reporting: Reuters


Share

Published

Source: AFP, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service