SKIP TO MAIN CONTENT

“እቲ ዝሰርሖ ዝነበርኩ ንኽሽለም ኣይነበረን” ዓማራ መሓመድ ሑመድ፡ ተሸላሚት ልደት ንግስቲ ኤልሳቤጥ

ወ/ሮ ዓምራ ንትምህርቲ ብዝነበራ ጽምኢ ንምርዋይ፡ እናሰርሐት ፈለማ ኣብ ሞናሽ ዩኒቨርሲቲ ብ ሶሺያል ወርክ ናይ ባችለር ዲግሪ፡ ጸኒሓ ድማ ኣብ ዲከን ዩኒቨርሲቲ ብ ‘International & Community Development’ ብናይ ማስተርስ ዲግሪ ተመሪቓ።

Feature
Source: Supplied

3 min read

Published

By በየነ ሰመረ


Skip to article content

ወ/ሮ ዓማራ መሓመድ ሑመድ፡ ናይዚ ዓመት ተሸላሚት “The Order of Australia” ኮይና ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን ካብ ሱዳን ናብ ካይሮ፡ ብድሕርዚ ናብ ደማስቆ ሶርያ ንትምህርቲ ድሕሪ ምኻድ ኣብ 1988 ናብ ኣውስትራሊያ ዝኣተወት እያ። ናብ ኣውስትራሊያ ፈለማ ምስ ኣተወት ኣብ ሞናሽ ዩኒቨርስቲ ብ ወለንታ ዝሰርሓቶ ስራሕ ኣዚዩ ከምዝጠቐማ ትዛረብ።

 “ኣብዚ ዓዲ ምስመጻእኩ ቮለንቲር ስራሕ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰሪሐ። እቲ ኣብኡ ዝገብሮ ዝነበርኩ ስራሕ ናይ ኣድሚን ስራሕ እዩ ኔሩ፡ ንሱ ብጣዕሚ ጠቒሙኒ፡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ታሪኽ ደቀባት ኣውስትራሊያዊያን ዝፈለጥክዎ ኣብ ሞናሽ ዩኒቨርሲቲ ብዙሕ ስለዘንበብኩ ብዙሕ ተጠቒመ። ንሱ ንማሕበረሰበይ ክጠቅም ብዙሕ ጠቒሙኒ። ካብኡ ኣብቲ ናይ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ እሞ ነፍስና ክንሕግዝ ፡ ነቲ ሲስተም ናይ ኣውስትራሊያ ከመይ ከምዝኾነ ከምዝሰርሕ ጀሚርና ኣብቲ ኣፍሪካን ኔትወርክ’ውን ሓቢረ እናሰራሕኩ ይመሃር ኔረ።” ክትብል ትገልጽ።

ወ/ሮ ዓምራ ንትምህርቲ ብዝነበራ ጽምኢ ንምርዋይ፡ እናሰርሐት ፈለማ ኣብ ሞናሽ ዩኒቨርሲቲ ብ ሶሺያል ወርክ ናይ ባችለር ዲግሪ፡ ጸኒሓ ድማ ኣብ ዲከን ዩኒቨርሲቲ ብ ‘International & Community Development’ ብናይ ማስተርስ ዲግሪ ተመሪቓ።

ሎሚ ንሳ ኣብ ማሕበረስብ ፍሉይ ኣበርክቶ ንዘበርከቱ ዝወሃብ ዝለዓለ ናይ “The Order of Australia” ዝበሃል ስልማት፡ ንኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ኣበርክቶ ብምስርሓ ተሸሊማ ኣላ።

ነዚ ሽልማት ምቕባላ ዘሐጉሳ እንተኾነ’ኳ፡ “እቲ ዝሰርሖ ዝነበርኩ ንኽሽለም ኣይነበረን” ትብል። ብተወሳኺ፡ “ናብ ኣውስትራሊያ መጺእና ከም ኤርትራዊያን ኣብ ዓዲ ዉግእ ስለዝነበርና፡ ካብ ዓዲ ናብ ሱዳን ብኡ ኣቢልና ድማ ናብ ኣውስትራሊያ ስለዝመጻና ብዙሕ ተመኮሮ ኣለና። ብዙሕ ነገራት ስለዝረኣና ንነፍስና ከነማዕብል ነቲ ኮሚኒቲና ከነማዕብል ብዙሕ ስራሕ ንሰርሕ፡ እዚ ስልማት ዝተቐበልክዎ፡ ነቲ ኮሙኒቲ ብዝገብሮ ናይ ቮለንታሪ ስራሕ እዩ።” ብምባል ትገልጽ።

ገለ ካብቲ ዝተኻፈለቶ ስራሕ፡ ኣብ ሲቲ ኦፍ ኪንግስተን ስራሕ ኣብዝጀመረትሉ፡ ንማሕበረሰባ ንምሕጋዝ ብዙሕ ዕድላት ከምዘሎ ተገንዚባ። “ካብ ሎካል መንግስቲ ዘሎ ዕድላት፡ ካብ ፈለማ እንተዝፈልጦ ብዙሕ ኣበርክቶ ምገበርኩ። ብዙሕ ደገፍን ንጥፈታት ናይ ሰትልመንት ንሓድሽ ሰብ ዝወሃብ ሓገዛት ብዙሕ ኣሎ።  ኣብቲ ስራሕ እናሰራሕኩ፡ እቲ ንሶም ዝበልዎ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብኡ ብዝያዳ፡ ንሰብ ክሕግዝ ፈቲነ፡ ዕድላት ኣብዝተረኽበ ፡ ነቶም ናተይ ማሕበረሰብ ክሕግዝ ጽዒረ።”


ነዚ ኦርደር ኦፍ ኣውስትራሊያ ዝበሃል ሽልማት ንኽትረክብ ዝሓገዛ ፍሉይ ስራሕ እንታይ ከምዝነበረ ክትገልጽ’ከላ፡ “ክሳብ ሕጂ መን ከምዝመረጸኒ ኣይፈልጥን’የ። ግን ኣነ ስራሕ ብዙሕ ስራሕ ይገብር ኔረ፡ እቲ ሊደርሺፕ፡ ንፈለማ እዋን ንተፍ (ማእከል መሰልጠኒ ሞያታት ኣብ ኣውስትራሊያ) ናብቲ ኮሙኒቲ ዓዲመዮም፡ ኣዴታት ደቀን ናብ ቤት ትምህርቲ ኣብጺሐን ክሳብ ተመሃሮ ካብ ትምህርቲ ዝወጹ፡ እቲ ግዜ ክጥቀማሉ ኮርስ ክወሃባ ኣግቢረ። እዚ ፕሮግራም ን5 ዓመት ቀጺሉ ልዕሊ 100 ደቂ ኣንስትዮ በዚ ፕሮግራም ተጠቒመን። እቲ ትምህርቲ ብዛዕብ ቻይልድ ኬር፡ ኤጅ ኬርን ካልእ መደብን ብምስልጣን ዓቢ ኣበርክቶ ዝሃበ መደብ እዩ።”

ብዘይካዚ፡ ወ/ሮ ዓምራ ዘተኣታተወቶ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ቆልዑ ጥዑይ ምምጋብ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ብ “Healthy lunch box” ዝበሃል ፕሮግራም ኣተኣታትያ፡ ኣዴታት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ መግቢ ንተመሃሮ ብምድላው፡ ቆልዑ ካብ ቸኮላታን ካልእ ንጥዕና ጽቡቕ ዘይኮነ መግቢ ከይበልዑ ምሕጋዝ ኣብ ብዙሕ ኣብያተ ትምርቲ ከምዝተኣታቶ ጌራ።

Feature
Source: Supplied

እቲ ዝበዝሕ ትሰርሖ ስራሕ ብዘይ ክፍሊት ናይ ወለንታ ስራሕ ምዃኑ ዝገለጸት ወ/ሮ ዓማራ፥ ብዛዕባ’ዚ ከምዚ ትብል፡ “ብውለንታ ምስራሕ፡ ኣዚዩ ኣድላዩ ነገርን ክንገብሮ ዝግባእን እዩ። ምኽንያቱ ንሰብ ክትሕግዝ ከለኻ ዓቢ ሓጎስ’ዩ ዝስመዓካ፡ ስራሕ ክትሰርሕ ከለኻ ግን ገንዘብ ኢኻ ትኽፈለሉ። እዚ ናህና ህዝቢ ንስድራ ንኮሙኒቲ ብምሕጋዝ ብዙሕ ስራሕ ይሰርሓ እየን፡ ቮለንቲር ክተስርሕ ከለካ ጊቭ ኣንድ ተክ እዩ (ምሃብን ምቕባልን እዩ)፡ ክትሕግዝ ከለኻ ብዙሕ ኢኻ ትመሃር”።

ወ/ሮ ዓማራ ኣብ መጻኢውን፡ ኣብ ምጥባቕ ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ድሕነት፡ ትምህርቲን ስራሕን ደቂ ኣንስትዮ ጸቒጣ ምስራሕ ከምትቕጽሎ ገሊጻ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now