ቀዳማይይ ሚኒስትር ዶ/ር ኣብይ አሕመድ ኣብ ጉባኤ ሩሲያ - አፍሪካ አብ ዝኸደሉ ምስ ግብጻዊ መዛእናኡ ፕሬዚዳንት አብዱልፈታሕ አልሲሲ ብዛዕባ ጉዳይ ናይ ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሴ ከምተዘራረበን ፣ ኣመላልኣ ማይ ግድብ ህዳሴ ናይ ኢትዮጵያ ጥቕሚ ብዘይትንክፍን ንግብጺ ብዘይሃሲ መገዲ ናይ ፖለቲካ ስምምዕ ከምተበጽሐ ከምዝገለጸ ሪፖርተር ጸብጺቡ።
እቲ ዓቢ ሓጽቢ ኣብ ክንደይ ዓመታት ማይ ከምዝመልእ ክሳብ ሕጂ ኣብ ስምምዕ ስለዘይተበጽሐ ኣብ መንግስቲን ህዝቢን ግብጺ ስክፍታ ከምዘሎ እቲ ናይ ግብጺ ፕሬዚደንት ከምዝገለጸሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ነዚ ናይ ግብጺ ስክፍታ ንምእላይ ካብ ኢትዮጵያ፣ ግብፅን ሱዳንን ብማዕረ ዝተዋጽአ ጉጅለ ሰብ ሞያ ቴክኒክ ተላዚቡ ዝህቦ ሳይንሳዊ ናይ ምኽሪ ሐሳብ ከምዘቕርብን ፣ አቲ ዝተጀመረ ዘተ ክቕጽል ክልቲኦም መራሕቲ ከምዘተስማምዑ ቀ.ሚ. አብይ ገሊጹ።
እቲ ግድብ ኣብ 7 ዓመት ማይ ክመልእ በብዓመቱ ድማ ኢትዮጵያ 40 ቢሊዮን ሜትር ኪዮብ ማይ ክትፍኑ፡ ግብጺ ኣብ መስከረም ሓደ ሰነድ አቕሪባ ምንባራ ይዝከር።
ኣብቲ ሰነድ ካብ ዝቐረበ ሓሳብ ብዛዕባ ትሕዝቶ ማይ አስዋንን ኣብቲ ናይ ግድብ ህዳሴ ብዛዕባ ኣተገባብራ ምምንጫው ጸዓት ዝውከል ጉጅለ ግብጺ ክትመርሖ ዝብል ሃሳብውን ቀሪቡ ኔሩ እዩ።
ኢትዮጵያ እቲ ግብጺ ዘቕረበቶ ሓሳብ ሉዓላውነት ዝደፍር ስለዝኾነ ፍልልያት ብልዝብ ካብ ምፍታሕ ዝወጸ ብምዃኑ ኣይተቐበለቶን።

