ቲፋኒ ሓድሽ ኤርትራዊ ዜግነት ረኺባ፡ ብዛዕባ ሓቀኛ ኩነታት ሃገር ክትፈልጥ ሕቶታት ቀሪቡላ፡

ኤርትራዊ መበቆል ዘለዋ ኣሜሪካዊት ተዋሳኢትን ተዋዛይትን (ኮሜዲያን) ቲፋኒ ሓድሽ ዜግነት ኤርትራ ረኺባ።

Tiffany Haddish getting her Eritrean citizenship in Asmara.

Source: Twitter

ኤርትራዊ መበቆል ዘለዋ ህብብቲ ኣሜሪካዊት ተዋሳኢትን ተዋዛይትን (ኮሜዲያን) ቲፋኒ ሓድሽ ዜግነት ኤርትራ ተዋሂባ። ንሳ ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን መበል 28 ዓመት ነጻነት ኤርትራ ንምብዓል ኣብ ኤርትራ ትርከብ። ሚኒስተር ዜና መንግስቲ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ቲፋኒ ኣብ ጎደናዊ ምርኢታት ወይ ካርኒቫላት በዓል ነጻነት እናተሳተፈት እንከላ ዘርእዩ ስእልታት ብመንገዲ ትዊተር ዘርጊሑ። 

ቲፋኒ ዝሓለፈ ዓመት ነብስሄር ኣቡኣ፡ ኣቶ ጸሃየ ረዳ ሓድሽ፡ ክትቀብርን ምስ ኣዝማዳ ክትራኸብን ናብ ኤርትራ ከይዳ ኔራ። ኣቡኣ ቅድሚ ንሳ ምውላዳ'ዩ ስደተኛ ኮይኑ ናብ ኣሜሪካ መጺኡ ኣሜሪካዊ ኮይኑ። ኣብ'ቲ መገሻኣ እግሪ መንገዳ'ውን ምስ መራሒ ሃገር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺባ። መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓደ ኤርትራዊ ዲፕሎማት ኣብ ዋሺንግተን 'ኣብ'ዚ ሰሙን መመላእታ ዝጸንሕ ስምዒታዊ ህሞት በዓል ነጻነት' ቲፋኒ ዜግነታ ረኺባ'ላ ክብል ብመንገዲ ትዊተር ኣረጋጊጹ ኢሉ። ቅድሚ ሕጂ ብኣሜሪካዊት ዜጋ ጥራይ ትፍለጥ ዝነበረት ቲፋኒ እዚ ኤርትራዊ ዜግነት ድርብ ዜጋ ክልቲኤን ሃገራት ክገብራ'ዩ። 

ኣብ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ኣብ 1979 ዝተወልደት ቲፋኒ ኣብ ዝተፈላለዩ ምርኢታት ቴሌቪዥንን ከም በዓል 'Girls Trip' ዝኣመሰላ ፊልምታት ኮሜድን ብምውሳእ ተፈላጥነት ኣጥሪያ። ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ኣብ 'The last O.G.' ተኸታታሊት ቴሌቪዥን ኮሜዲ ኣብ ምውሳእ ትርከብ። 

 

ቲፋኒ ኣብ ትውልዳን መበቆል ዓዳን ዘለዋ ሓበን ንምግላጽ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከተረጋግጽ ጸኒሓ'ያ። ኣቡኣ ብህጻንነታ ዘዘንትወላ ዝነበረ ዛንታታት መበቆል ዓዳን ሃገራን፡ ከምኡ'ውን ፍሉይነት ነዊሕ ቅላሲ ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነትን ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዕላል ቴሌቪዥን ኣሜሪካ ክትገልጽ ጸኒሓ'ያ። ኣብ ሆሊዉድ ዘመዝገበቶም ዓወታታ'ውን ንዝኽሪ ኣቡኣ ከምዘወፈየቶም ብስምዒት ትገልጽ'ያ።  ኣብ ናይ ዝሓላፈ እዋን ስነስርዓት ስልማታት ኦስካር ብላዕሊ ካባ ዘለዎ ዙርያ ተኸዲና ብምምጻእ ባህሊ ሃገራ ኣላልያ። ቲፋኒ ኤርትራዊ ዜግነት ብምርካባ ብዙሓት ኤርትራውያን ብፍላይ ብመንገዲ ትዊተር ሓጎሶምን ደገፎምን ዝገለጹላ ኮይኖም ብዙሓት ከኣ ብዛዕባ ሕሉፍ መጠን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት መንግስቲ ክትዛረብ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም። ኣብ ናይ ትዊተር መዝገባ ርእይቶ ዝገደፉላ ኤርትራውያን ንምንታይ ብብዝሒ ሃገሮም ገዲፎም ይወጹ ኣለዉ ንምፍላጥ እኹል መሳለጥያታት ስለዘለኪ ዋላ ንሓንቲ ካልኢት ከም ሰብ ሓሲብኪ ሕቶ ዘይተቕርቢ፡ ድሕሪ ኩሉ'ዚ ጉዕዞታትኪ ውልቀ ምልክነት ኣብ ኤርትራ ከምዘሎ ኣብ እትርድእሉ እዋን በጺሕኪ ስለዘለኺ መሳርሒ ከይትኾኒ ተጠንቀቒ፡ ንሕና በዚ ተፈላጥነትክን ዓወታትክን ሕቡናት'ኳ እንተኾንና ኣብ ትሕቲ'ቲ ሓወይ ትብልዮ ዘለኺ ውልቀ መላኺ ግን ንሳቐ ከምዘለና ክትርድእልና ንሓተኪ፡ ወዘተ ዝብሉ ምሕጽንታታት ኣቕሪቦምላ።

 

ቲፋኒ ኣብ'ዚ ቀረባ ግዜ ዘሕተመታ 'The Last Unicorn' ዝተሰምየት መጽሓፍ በዓል ቤታ ነበር ዊሊያም ስተዋርት ዝተፈላለየ ተግባራት እናፈጸመ ይዕምጻ ከምዝነበረ ዝዝርዝር ሓደ ምሉእ ምዕራፍ ኣስፊራ'ላ። ምናልባት'ውን ጠንቂ ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ዘጋጠማ ምውራድ ጥንሲ ክኸውን ከምዝኽእል ኣንፊታ ክብል ኣብ መርበብ ሓበሬታ Thegrapvine.theroot.com ዝወጸ ጸብጻብ ኣስፊሩ'ሎ። ድሕሪኡ ዊልያም እዚ ጸለመ'ዩ ብምባል ኣንጻራን ኣንጻር ኣሕታሚኣን ሕጋዊ መስርሕ ጀሚሩ ከምዘሎ እታ መርበብ ሓበሬታ ኣስፊራ'ላ። 


3 min read

Published



Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now