ብዝሒ ሞት ኣብ ኣመሪካ 100,000 ኣብዝቐረበሉ፡ ኣመሪካዊያን ንስጉምቲ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ይጥሕሱ ኣለዉ።

ብኮረና ቫይረስ ብዝሒ ሞት ኣብ ኣመሪካ 100,000 ኣብዝቐረበሉ፡ ኣመሪካዊያን መሞርያል ደይ ኣብዘኽብርሉ ነዊሕ ዕረፍቲ ንስጉምቲ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ይጥሕሱ ኣለዉ።

A pool party in Missouri has drawn criticism as the US's death toll nears 100,000.

A pool party in Missouri has drawn criticism as the US's death toll nears 100,000. Source: Twitter 'remstarinc'

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ዘሎ ስእሊታትን ቪድዮታትን ከምዘርእዮ ገለ ኣመሪካዊያን  መሞርያል ደይ ኣብዘኽብርሉ ነዊሕ ዕረፍቲ ንስጉምቲ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ይጥሕሱ ኣለዉ። ኣብ ሙዚሪ ኦዛርክስ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ከምዘርእዮ፡ ኣማኢት ሰባት ኣብ ሓደ ተኣኪቦም ይረኣዩ።
ኣብቲ ናይ ፓርቲ ቦታ መጸራረዪ ነገራት ተቐሪቡ እንተነበርኳ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ግና ዝከኣል ኣይነበረን።
ቀዳመ ሰንበት መሞርያል ደይ ዓመታዊ ኣብ መላእ ኣመሪካ ዝርከቡ መካነ መቓብራት ነቶም ኣብ ኲናት ዝሓለፉ ንምዝካር ባንዴራ ዝትከለሉ መዓልታት እዩ። ሎሚ ዓመት እዚ በዓል ዝኽበረሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ኣመሪካ ብኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ  100,000 ክበጭሕ ትጽቢት ኣብዝግበረሉ እዋን እዩ።
ኣብታ ሃገር ወሪዱ ዘሎ ጥፍ ኣት ንምጉላሕ ኒው ዮርክ ታይምስ ኣብናይ ትማሊ ሕታሙ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ጋዜጣ ኣብ ኣመሪካ ብኮቪድ-19 ናይዝሞቱ ዝርዝር ኣስማት ኩሎም ዘቕረበ ኮይኑ ን 1000 ብፍሉይ ዝርዝር ሓበሬታ ኣቕሪቡ ኣሎ። 

"ነቲ ኣብ ህይወት ኣብጺሕዎ ዘሎ ጥፍ ኣት ንምጉላሕ ኢና ፈቲና።" ክብል ናይቲ መጽሔት ኢዲተር ማርክ ለሲ ገሊጹ።



ብቐዳም ኣብታ ናይ ውቅያኖስ ከተማ ዝኾነት መሪላንድ ዝተራእዩ ሰባት ኣፎምን ኣፍንጫኦምን ኣይተሸፈኑን።
A water park in Orlando, Florida reopened for the Memorial Day weekend.
A water park in Orlando, Florida reopened for the Memorial Day weekend. Source: Sipa USA Paul Hennessy / SOPA Images/Sipa
ኣብካል እ ገማግም ባሕሪ ዝነበሩ ሰባትውን መብዛሕት ኦም ኣይተሸፈኑን እንተኾነ በብቕሩብ ጉጅለ ኮይኖም ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ክገብሩ ተራእዮም።

A crowded Coney Island boardwalk in New York on Sunday afternoon.
A crowded Coney Island boardwalk in New York on Sunday afternoon. Source: AP
 

ሎሚ ኣብ ኣውስትራሊያ ህዝቢ ኣብ ነንሕድሕዱ ናይ 1.5 ሜትሮ ክረሓሓቕን ምስ ስድራ እንተዘይኮይኑ ካብ ክልተ ሰብ ንላዕሊ ምእካብ ኣይፍቀድን ዘሎ።

በቲ ቫይረስ ተለኺፍካ ከይትኸውን እንተሰጊእካ፡ ናብ ዶክተርካ ደውል (ናብ ኡ ኣይትኺድ) ወይውን ናብ ሃገራዊ ኮሮና ቫይረስ ናይ ጥዕና ሓበሬታ ሆትላይን ብቑጽሪ  1800 020 080 ደውል። ናይ ምትንፋስ ጸገም እንተጋጢሙካ ወይውን ንህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ብቑጽሪ 000 ደውል

 


Share

Published

By SBS News
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ብዝሒ ሞት ኣብ ኣመሪካ 100,000 ኣብዝቐረበሉ፡ ኣመሪካዊያን ንስጉምቲ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ይጥሕሱ ኣለዉ። | SBS Tigrinya