ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ዘሎ ስእሊታትን ቪድዮታትን ከምዘርእዮ ገለ ኣመሪካዊያን መሞርያል ደይ ኣብዘኽብርሉ ነዊሕ ዕረፍቲ ንስጉምቲ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ይጥሕሱ ኣለዉ። ኣብ ሙዚሪ ኦዛርክስ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ከምዘርእዮ፡ ኣማኢት ሰባት ኣብ ሓደ ተኣኪቦም ይረኣዩ።
ኣብቲ ናይ ፓርቲ ቦታ መጸራረዪ ነገራት ተቐሪቡ እንተነበርኳ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ግና ዝከኣል ኣይነበረን።
ቀዳመ ሰንበት መሞርያል ደይ ዓመታዊ ኣብ መላእ ኣመሪካ ዝርከቡ መካነ መቓብራት ነቶም ኣብ ኲናት ዝሓለፉ ንምዝካር ባንዴራ ዝትከለሉ መዓልታት እዩ። ሎሚ ዓመት እዚ በዓል ዝኽበረሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ኣመሪካ ብኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 100,000 ክበጭሕ ትጽቢት ኣብዝግበረሉ እዋን እዩ።
ኣብታ ሃገር ወሪዱ ዘሎ ጥፍ ኣት ንምጉላሕ ኒው ዮርክ ታይምስ ኣብናይ ትማሊ ሕታሙ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ጋዜጣ ኣብ ኣመሪካ ብኮቪድ-19 ናይዝሞቱ ዝርዝር ኣስማት ኩሎም ዘቕረበ ኮይኑ ን 1000 ብፍሉይ ዝርዝር ሓበሬታ ኣቕሪቡ ኣሎ።
"ነቲ ኣብ ህይወት ኣብጺሕዎ ዘሎ ጥፍ ኣት ንምጉላሕ ኢና ፈቲና።" ክብል ናይቲ መጽሔት ኢዲተር ማርክ ለሲ ገሊጹ።
ብቐዳም ኣብታ ናይ ውቅያኖስ ከተማ ዝኾነት መሪላንድ ዝተራእዩ ሰባት ኣፎምን ኣፍንጫኦምን ኣይተሸፈኑን።
ኣብካል እ ገማግም ባሕሪ ዝነበሩ ሰባትውን መብዛሕት ኦም ኣይተሸፈኑን እንተኾነ በብቕሩብ ጉጅለ ኮይኖም ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ክገብሩ ተራእዮም።

A water park in Orlando, Florida reopened for the Memorial Day weekend. Source: Sipa USA Paul Hennessy / SOPA Images/Sipa

A crowded Coney Island boardwalk in New York on Sunday afternoon. Source: AP
ሎሚ ኣብ ኣውስትራሊያ ህዝቢ ኣብ ነንሕድሕዱ ናይ 1.5 ሜትሮ ክረሓሓቕን ምስ ስድራ እንተዘይኮይኑ ካብ ክልተ ሰብ ንላዕሊ ምእካብ ኣይፍቀድን ዘሎ።
በቲ ቫይረስ ተለኺፍካ ከይትኸውን እንተሰጊእካ፡ ናብ ዶክተርካ ደውል (ናብ ኡ ኣይትኺድ) ወይውን ናብ ሃገራዊ ኮሮና ቫይረስ ናይ ጥዕና ሓበሬታ ሆትላይን ብቑጽሪ 1800 020 080 ደውል። ናይ ምትንፋስ ጸገም እንተጋጢሙካ ወይውን ንህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ብቑጽሪ 000 ደውል