ኣብ ስኮትላንድ ሓንቲ ኡጋንዳዊት ሓታቲት ዑቕባ ኣብጥቓ ብጥምየት ዝበኪ ዝጸንሐ ዉሉዳ ሞይታ ድሕሪ ምርካባ ፖሊስ መርመራ ክገብር ጀሚሩ።
እታ መርሲ ባጉማ ዝስማ ንስደተኛታት ዝሕግዝ ትካል Positive Action Housing, ክትሕገዝ ድሕሪ ምጽናሓ ኣብቲ ትነብረሉ ዝነበረት ኣፓርትማ ብቐዳም ሞይታ ተረኺባ።
እቲ ጥምየት ዘጥቅዖ ዕሸል ዉሉዳ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ።
መሓዙታ ን ሚስ ባጉማ ካብ ሰሉስ 18 ነሓሰ ኣትሒዞም ደሃያ ጠፊእዎም ከምዝነበረ ይገልጹ።
እቲ ምኽንያት ሞት ዘይተፈልጠን እንተኾነ ብኻልእ ዝተፈጸመ ቅትለት ምዃኑ ከምዘይጥርጠር ፖሊስ ስኮትላንድ ኣፍሊጡ።

ሚስ ባጉማ ቪዛኣ ምስ ሓረረ ክትሰርሕ ከምዘይከኣለት ትካል Positive Action Housing ኣፍሊጡ ኣሎ።
ንሳ ኣብ ናይ ብሪጣኒያ ሆም ኦፊስ ናይ ዑቕባ ሕቶ ኣመልኪታ ከምዝነበረትን ኣብ ከቢድ ጥምየት ትነብር ኔራ መግባ ድማ ብሓገዝ ትረክብ ኔራ።
“መርሲ ምስ ትካልና ኣብ 11 ነሓሰ ተራኺባ ፋይናንሲያዊ ሓገዝ ትረክብ ከምዘየላን ን MigrantHelp ሓገዝ ክትረክብ ኣመልኪታ ከምዝነበረት ገሊጻ።” ክብል ናይ Positive Action Housing ዳይረክተር ሮቢና ቑረሺ ኣብዘውጽኣቶ መግለጺ ኣፍሊጣ።
ካልእ ናይ ደገፍ ጉጅለ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ሚስ ባጉማ ናይ መግቢ ረዲኤት እናተገብረላ ዘርኢ ቪድዮ ዘርጊሑ ኣሎ።
“እቲ ሓቂ ስደተኛ ወይ ሓታቲ ዑቕባ እንተኾይንካ ካብ መንግስቲ ዝወሃበካ ሓገዝ የለን። ብዘይ ዝኾነ ሓገዝ ድርቡይ ኢኻ ትኸውን” ክትብል ሚስ ቑረሺ ገሊጻ።
ንስድራኣ ሓገዝ ንምግባር ተበጊሱ ዘሎ ምውጻእ ገንዘብ ዛጊት ልዕሊ $18,000 ተኣኪቡ ኣሎ።
ኣብ ትሕቲ ሕጊ ብሪጣንያ፡ ሓደ ሓታቲ ዑቕባ "ተደርብዩ/ ክነብር ኣይከኣለን" እንተተባሂሉን ጉዳዩ ይግምገም እንተልዩን ጥራይ እዩ ናይ ግዚያዊ መዕቆቢ፡ ትራንስፖርትን ፋይናንሲያዊ ደገፍ ካብ መንግስቲ ዝግበረሉ።

