SKIP TO MAIN CONTENT

ብዓርቢ ኣብ ኬንያ ዝተፈጸመ መጭወይቲ ኢትዮጵያዊ ነጋዳይ ሳምሶን ተኽለሚካኤልን ቅትለት ሰራሕተኛ ቢቢሲ ብሪጣንያዊት ኬት ሚሸልን።

በዓልቲቤት ሳምሶን ተኽለሚካኤል ብህይወት ብዛዕባ ምህላዉ ዝምልከት ምስ ስድራቤታ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ወዲቖም ከም ዝርከቡ ሓቢራ።

News
Source: BBC T

3 min read

Published

Source: BBC, SBS


Skip to article content

 

ኣብ ኬንያ ንዝሓለፉ 16 ዓመታት ዝተቐመጠ ሳምሶን ተኽለሚካኤል ብምሸት ዓርቢ 19 ሕዳር 2021 ዓ.ም ብዘይተፈልጡ ሰባት ምስተጨወየ ሃለዋቱ ከም ዘይተረኽበ በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ሚሊየን ሓለፎም ትገልጽ።

 ኣቶ ሳምሶን ኣብ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ : ቢቢሲ 'ክሌሌሸዋ ይበሃል' ኢሉ ካብ ዘነጸሮ ቦታ  ኣብ ማእኸል ትራፊክ ጠጠው ኢላ ካብ ዝነበረት መኪንኡ ስቪል ብዝተኸድኑ ሰባት ብሓይሊ ተደፊኡ ክወጽእን ክዳን ትራፊክ ፖሊስ ዝተኸድነ ሰብ  ክተሓባበሮምን ዘርኢ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዘራራቢ ኮይኑ ቀንዩ ኣሎ።

ድሕሪ እቲ መጭወይቲ ደሃይ በዓል ቤታ ክትረክብ ከም ዘይከኣለት ትዛረብ ወይዘሮ ሚለን

እቲ ጉዳይ ናብ መደብር ፖሊስ ኪሊማኒ ሪፖርት ቀሪቡ፡ ሓላፊ እቲ ቤትጽሕፈት ፖሊስ ኮማንደር ኣንድሪው ሙቱሪ ክኢላታት ዳይሬክተር መርመራታት ገበን [ዲሲኣይ] ይምርምሩዎ ከም ዘለው ንማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

ወይዘሮ ሚለን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓሳብ በዓልቤታ  ናይ ስሊንደር ጋዝ ካብ ወደባዊት ከተማ ሞምባሳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብሕጋዊ መልክዕ ከም ዝሰርሕ እያ ትገልጽ። ንሰባት ብምሕጋዝ ዝፍለጥን እምበር ኣብ ካልእ ዘይሕጋዊ ተግባር ወይ'ውን ፖለቲካን ካልእን ኢዱ ከም ዘይሓውስ ውን ትዛረብ።

ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩናት ዘራኽብ ጉዳይ ከይህልዎ ዝጥርጠር ኮይኑ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ናይሮቢ ብወገኑ ኢድ መንግስቱ ከም ዘይብሉ ከም ዝሓበረላ ገሊጻ ኣላ።

 ብካልእ ወገን ፖሊስ ኬንያ ምስቲ ናይ ኢትዮጵያ ከይተተሓሓዘ ኣይክተርፍን ክብሉ ከም ዝሰምዐት  ትሕብር በዓልቲቤት ሳምሶን ተኽለሚካኤል ብህይወት ብዛዕባ ምህላዉ ዝምልከት ምስ ስድራቤታ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ወዲቖም ከም ዝርከቡ ሓቢራ።

 

ብካልእ ሓበሬታ: ጉዳይ ናይታ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ 19 ሕዳር 2021  ኣብ ኬንያ ዝተቐትለት ሰራሕተኛ ቢቢሲ ሚድያ ኣክሽን ብሪጣንያዊት ኬት ሚሸልን ይጻረ ከም ዘሎ ተገሊጹ።

ሚሸልን: ኣብ ዝቐረባ እዋን ኣብታ ርእሰከተማ ኢትዮጵያ: ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቢቢሲ ሜድያ ኣክሽን ክትሰርሕ ዝጸንሐት'ያ። ብዝሓለፈ ዓርቢ ግን ኣብ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆቴል ተቐቲላ ከም ዝተረኽበት ዝገለጸ ፖሊስ ኬንያ መንቀሊ ቅትለታ የጻሪ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ቢቢሲ ሜድያ ኣክሽን ኣካል ቢቢሲ ኮይኑ ኣብ ናይ ግብረሰናይ ንጥፈታት ዝነጥፍ ትካል'ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ብፍሉይ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘድሃቡ ስራሕቲ ማሕበራዊ ኣስተምህሮታት ከቕርብ ዝጸንሐ ኮይኑ ፍሉይ ቆላሕታ ንዘድልዮም ዜጋታት ኢትዮጵያ ውን ተመሳሳሊ ግልጋሎት ዝጸንሐ እዩ።

ብሪጣንያዊት ኬት ሚሸል፡ ኣባል 'ቢቢሲ ሜድያ ኣክሽን' ብምዃን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ተመዲባ ንልዕሊ 14 ዓመታት ዝሰርሕት ኮይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ህይወታ ሓሊፉ።

መበገሲ ሞታ ንምፍላጥ መርመራ የካይዱ ከምዘለዉ ንማዕከናት ዜና ኬንያ ዝገለጸ ኣዛዚ ዞባዊ ፖሊስ ናይሮቢ ኣጎስቲን ንቱምቢ "እቲ ጥርጡር . . .ናይቲ ሆቴል ሓለውቲ ጸጥታ ዝመጽዎ መሲልዎ፡ ካብ ሻምናይ ደርቢ ናይቲ ሆቴል ብመስኮት ዘሊሉ" ክብል ተዛሪቡ።

ዋና ኣካያዲት ቢቢሲ ሚድያ ኣክሽን ካሮሊን ነርሲ ብሞት መሳርታ ከም ዝሓዘነት ብምግላጽ ንመሓዙታ ስድራቤታን ጽንዓት ተመንያ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now