ን 11 ዓመታት ካብ ፖሊስ ክሕባእ ዝጸንሐ ኢጣልያዊ ገበነኛ እቲ "ዘፍቅሮ ኹዕሶ እግሪ" ኣፈዲሕዎ።

ቪንቸንዞ ላ ፖርታ ሓደ ካብቶም ኣብ ፖሊስ ኢጣልያ ክሕብኡ ዝጸንሑ ገበነኛታት ዝጸንሐ ነበረ ። ንሱ ፡ ጋንታኡ ኣብ ውድድር ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ምስ ሰዓረት ሓጎሱ ክገልጽ'ከሎ እዩ ኣብ ስእሊ ተራእዩ ክተሓዝ ክኢሉ።

Three people standing on a balcony who are celebrating.

ቪንቸንቶ ላ ፖርታ (ኣብዚ ስእሊ ካብ ጸጋም ኣብ ካልኣይ ዝርአ ሰማያዊ ናይ ቤዝቦልል ቆብዕ ለቢሱ ዘሎ) ን 11 ዓመታት ተሓቢኡ ድሕሪ ምጽናሕ ብፖሊስ ተታሒዙ ኣሎ። Source: Supplied / Caribineri Napoli

ፖሊስ ኢጣልያ ንሓደ ካብ'ቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣዝዮም ሓደገኛታት ካብ ፖሊስ ክሕብኡ ዝጸንሑ ሰባት ፡ ኣብ ውድድር ሻምፕዮን ኩዕሶ እግሪ ጋንታኡ ምስ ተዓወተት ሓጎሱ ክገልጽ' ተራእዩ እዩ ተታሒዙ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።


ምስቲ ኣብ ኔፕልስ ዝመደበሩ ጕጅለ ገበነኛታት ጥቡቕ ርክብ ከም ዘለዎ ዝእመነሉ ቪንቸንዞ ላ ፖርታ ፡ ን11 ዓመት ካብ ፖሊስ ክሃድም ድሕሪ ምጽናሕ ናይ ኩዕሶ እግሪ ፍቕሩ ኣሕሊፉ ሂብዎ ክብል ፖሊስ ሓቢሩ ።

ላ ፖርታ ኣብ ወርሒ ሰነ ድሕሪ 33 ዓመት ጋንታ ናፖሊ ንመጀመርታ ግዜኣ ኣብ ሰረ "አ" ኣብዝተዓወተትሉ እዋን ፡ ኣብ ኮርፉ ኣብ እትብሃል ናይ ግሪኽ ደሴት ኣብ ዝርከብ ቤት ምግቢ ደገፉ ኣብዝገልጸሉ ዝነበረ እዩ ኣብ ስእሊ ተረኺቡ ።


Napoli fans wearing blue and white cheer from the stands.
Napoli supporters at the Serie A championship game in early June. Source: AAP, EPA / Cesare Abbate
ፖሊስ ኔፕልስ ካራቢኒሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ "ንዕኡ ኣሕሊፉ ዝሃቦ፡ ንዅዕሶ እግሪን ጋንታ ናፖሊ ዝነበሮ ፍቕሪ እዩ" በለ ። "ጋንታኡ ኣብቲ ሻምፒዮን ምስዓራ፡ ላ ፖርታ ነቲ ጽምብል ስምዒቱ ክጻወሮ ኣይከኣለን ።"
ንሱ ኣብቲ ፎቶ ምስ ተራእየ ፡ ፖሊስ ናብ ኮርፉ ኣምርሐ ፣ ብዓርቢ ምስ ግሪኻውያን መሳርሕቶም ኰይኑ ሞተር ብሽክለታ እናዘወረ ከሎ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከም ዘእተዎ ፡ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ጸብጺቡ ።
ጠበቓኡ ኣታናስዮስ ጊያናኮሪስ ን ኣሶሸትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ ኣብ ግሪኽ ሓድሽ ህይወት ከም ዝጀመረን ንስድራ ቤቱ ንምድጋፍ ድማ ከም ሸፍ ኰይኑ ይዓዪ ከም ዝጸንሐን ገሊጹ ኣሎ ።
ሓደ ካብቶም 100 ኣዝዮም ሓደገኛታት ዝብሃሉ ኣብ ኢጣልያ ዝነብሩ 100 ሰባት ዝነበረ ላ ፖርታ ቅድሚ ማእሰርቱ፡ ንሱ ኣብዘይነበረሉ ብገበናት ምስ ጉጅለ ገበነኛ ብምትሕብባር ግብሪ ብምጥፍፋእን ብምትላልን ገበነኛ ተባሒሉ ፡ ን14 ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ክእሰር እዩ ተፈሪዱ ነይሩ ።

Share

Published

Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ን 11 ዓመታት ካብ ፖሊስ ክሕባእ ዝጸንሐ ኢጣልያዊ ገበነኛ እቲ "ዘፍቅሮ ኹዕሶ እግሪ" ኣፈዲሕዎ። | SBS Tigrinya