ን 11 ዓመታት ካብ ፖሊስ ክሕባእ ዝጸንሐ ኢጣልያዊ ገበነኛ እቲ "ዘፍቅሮ ኹዕሶ እግሪ" ኣፈዲሕዎ።

ቪንቸንዞ ላ ፖርታ ሓደ ካብቶም ኣብ ፖሊስ ኢጣልያ ክሕብኡ ዝጸንሑ ገበነኛታት ዝጸንሐ ነበረ ። ንሱ ፡ ጋንታኡ ኣብ ውድድር ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ምስ ሰዓረት ሓጎሱ ክገልጽ'ከሎ እዩ ኣብ ስእሊ ተራእዩ ክተሓዝ ክኢሉ።

Three people standing on a balcony who are celebrating.

ቪንቸንቶ ላ ፖርታ (ኣብዚ ስእሊ ካብ ጸጋም ኣብ ካልኣይ ዝርአ ሰማያዊ ናይ ቤዝቦልል ቆብዕ ለቢሱ ዘሎ) ን 11 ዓመታት ተሓቢኡ ድሕሪ ምጽናሕ ብፖሊስ ተታሒዙ ኣሎ። Source: Supplied / Caribineri Napoli

ፖሊስ ኢጣልያ ንሓደ ካብ'ቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣዝዮም ሓደገኛታት ካብ ፖሊስ ክሕብኡ ዝጸንሑ ሰባት ፡ ኣብ ውድድር ሻምፕዮን ኩዕሶ እግሪ ጋንታኡ ምስ ተዓወተት ሓጎሱ ክገልጽ' ተራእዩ እዩ ተታሒዙ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ምስቲ ኣብ ኔፕልስ ዝመደበሩ ጕጅለ ገበነኛታት ጥቡቕ ርክብ ከም ዘለዎ ዝእመነሉ ቪንቸንዞ ላ ፖርታ ፡ ን11 ዓመት ካብ ፖሊስ ክሃድም ድሕሪ ምጽናሕ ናይ ኩዕሶ እግሪ ፍቕሩ ኣሕሊፉ ሂብዎ ክብል ፖሊስ ሓቢሩ ።

ላ ፖርታ ኣብ ወርሒ ሰነ ድሕሪ 33 ዓመት ጋንታ ናፖሊ ንመጀመርታ ግዜኣ ኣብ ሰረ "አ" ኣብዝተዓወተትሉ እዋን ፡ ኣብ ኮርፉ ኣብ እትብሃል ናይ ግሪኽ ደሴት ኣብ ዝርከብ ቤት ምግቢ ደገፉ ኣብዝገልጸሉ ዝነበረ እዩ ኣብ ስእሊ ተረኺቡ ።

Napoli fans wearing blue and white cheer from the stands.
Napoli supporters at the Serie A championship game in early June. Source: AAP, EPA / Cesare Abbate

ፖሊስ ኔፕልስ ካራቢኒሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ "ንዕኡ ኣሕሊፉ ዝሃቦ፡ ንዅዕሶ እግሪን ጋንታ ናፖሊ ዝነበሮ ፍቕሪ እዩ" በለ ። "ጋንታኡ ኣብቲ ሻምፒዮን ምስዓራ፡ ላ ፖርታ ነቲ ጽምብል ስምዒቱ ክጻወሮ ኣይከኣለን ።"

ንሱ ኣብቲ ፎቶ ምስ ተራእየ ፡ ፖሊስ ናብ ኮርፉ ኣምርሐ ፣ ብዓርቢ ምስ ግሪኻውያን መሳርሕቶም ኰይኑ ሞተር ብሽክለታ እናዘወረ ከሎ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከም ዘእተዎ ፡ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ጸብጺቡ ።

ጠበቓኡ ኣታናስዮስ ጊያናኮሪስ ን ኣሶሸትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ ኣብ ግሪኽ ሓድሽ ህይወት ከም ዝጀመረን ንስድራ ቤቱ ንምድጋፍ ድማ ከም ሸፍ ኰይኑ ይዓዪ ከም ዝጸንሐን ገሊጹ ኣሎ ።

ሓደ ካብቶም 100 ኣዝዮም ሓደገኛታት ዝብሃሉ ኣብ ኢጣልያ ዝነብሩ 100 ሰባት ዝነበረ ላ ፖርታ ቅድሚ ማእሰርቱ፡ ንሱ ኣብዘይነበረሉ ብገበናት ምስ ጉጅለ ገበነኛ ብምትሕብባር ግብሪ ብምጥፍፋእን ብምትላልን ገበነኛ ተባሒሉ ፡ ን14 ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ክእሰር እዩ ተፈሪዱ ነይሩ ።


2 min read

Published

Source: SBS




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now