SKIP TO MAIN CONTENT

ኤርትራ ኣብ ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃ 2022 ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ተወሳኺ ሓደ መዳልያ ወርቂ ዓቲራ

ኤርትራ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃ 2022 ሓደ ወርቂ ወሲኻ።

Victorious Eritrean cyclists at the African Continental Championships 2022
Source: Shabait

1 min read

Published


Skip to article content

ኣብ ግብጻዊት መዘናግዒት ከተማ ሻርም ኤል ሸይኽ ዝካየድ ዘሎ ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃ 2022 ሎሚ ካልኣይ መዓልቲ ቅድድማቱ ኣካይዱ።

ናይ ሎሚ መደባት ቅድድማት ቅልጣፈ ግዜ ብውልቂ ኮይኖም ኣርባዕተ መደባት ዘካተቱ ኔሮም።

ኣብ ቅድድም ቅልጣፈ ግዜ ብውልቂ መንእሰያት/ጁንየር ደቂተባዕትዮ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ዝቐልጠፈ ብምዃን ወርቂ መዳልያ ክዓትር እንከሎ ዮናስ ተኪኤ ካልኣይ ወጺኡ ብሩር መዳልያ ዓቲሩ።

ኣብ ቅድድም ቅልጣፈ ግዜ ብውልቂ መንእሰያት/ጁኒየር ደቀንስትዮ ኤርትራ ብመንገዲ ሳሮን ተኪኤ ኣቢላ ሳልሰይቲ ድሕሪ ምውጽኣ ነሓስ መልያ ክትውስኽ ከምዝኸኣለት ተፈሊጡ’ሎ። ራሄል ዘርእሰናይ ራብዓይቲ ወጺኣ ቦታ ፖድየምን መዳልያን ንቑሩብ ከምልጣ ክኢሉ።

ኣብ ቅድድም ቅልጣፈ ግዜ ብውልቂ ዓበይቲ/ኤሊት ደቂተባዕትዮ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ጉስታቭ ባሰን ተዓዋቲ ብምዃን ወርቂ መዳልያ ክዓትር እንከሎ ሄኖክ ምሉእብርሃን 6 ካልኢት ጥራይ ድሒሩ ካልኣይ ብምውጻእ ብሩር መዳልያ ተሰሊሙ። ዳዊት የማነ ኸኣ ኣብ መንጎ ክልተ ሩዋንዳውያን ተቐርቂሩ ራብዓይ ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ዛዚሙ።

ብወገን ደቀንስትዮ ኤሊት ዳናይት ፍጹምን ኣድያም ዳዊትን ራብዓይን ሓምሻይን ደረጃታት ሒዘን ውድድረን ብምዝዛም ዘዕግብ ውጽኢት ኣመዝጊበን። እዚ ውጽኢተን ከኣ ኣብ ምድብ ትሕቲ 23 ደቀንስትዮ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃታት ኣቐሚጥወን ብሩርን ነሓስን ክስለማ በቒዐን።

ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልታት ውድድር ኤርትራ ብብዝሒ መዳልያታት መሪሕነት ሒዛ ትርከብ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now