እኹል ድቃስዶ ትድቅሱ? ንነፍሲ ወከፍ ክሊ-ዕድመ ዝግባእ ሰዓታት ድቃስ ኣብዚ ተገሊጹ ኣሎ።

እተፈላለዩ ጕጅለታት ሰባት እተፈላለየ ናይ ድቃስ ድልየታት ስለ ዘለዎም ኣብ ምሉእ ህይወቶም ለውጢ ይገብሩ እዮም ። ንዓኻ/ኺ ክንደይ ዝኣክል ሰዓት ድቃስ ከም ዘድልየኪ/ካ ተመልከቱ።

A woman asleep in bed.

ብመሰረት እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ National Sleep Foundation ሰባት ዕድሚኦም 18 ምስ ኣኸለ፡ ካብ ሸውዓተ ክሳዕ ትሽዓተ ሰዓታት ክድቅሱ ኣለዎም ። Source: Getty / Kiwis/Getty Images/iStockphoto

ከም "ቲ እትደልይዎ መጠን ድቃስ ዘይደቀስኩም ኰይኑ እንተ ተሰሚዑኩም ፡ ምናልባት ከምቲ ትሓስብዎ ከይከውን ይኽእል እዩ።
ኣብ ኣውስትራልያን ኒው ዚላንድን ጆርናል ኦቭ ህዝባዊ ጥዕና እተሓትመ ሓድሽ መጽናዕቲ ከም ዘረጋገጾ ፡ ካብ ኣርባዕተ መንእሰያት ኣውስትራሊያውያን ፡ ሓደ ሰብ ኣብ መጠን ግዜ ድቃሶም ኣይዓገቡን ።


ትሑት ናይ ድቃስ ዕግበት ፡ ንኣእምሮኣውን ኣካላውን ጥዕና እውን ኣዝዩ ከም ዝጐድእ እዩ ዝግለጽ ።

ኣብ ማሕበር ህዝባዊ ጥዕና ኣውስትራልያ ዝሰርሕ ቴሪ ስቪን ፡ እቲ መጽናዕቲ ከም ዝሓበሮ ፡ ኣብ ቦታ ህዝባዊ ጥዕና ንዚሰርሑ ሓንጸጽቲ ፖሊሲ ዓብዪ ጽልዋ እዩ ዘለዎ ።

ንሱ ን SBS ዜና ፡ "ድቃስ ኣገዳሲ ጕዳይ ህዝባዊ ጥዕና ምዃኑ ዝሕብር መርትዖታት ቀስ ብቐስ ይቐርብ ኣሎ" ኢሉ ።


መንእሰያት ጥራይ ኣይኰኑን እናቑረምረሙ ዘበራብሩ።
ኣብ ቀረባ እዋን እተገብረ ካልእ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ፡ ኣብ ኵሉ ክሊ ዕድመ ካብ ዝርከቡ ሓደ ካብ ሰለስተ ኣውስትራልያውያን ፡ ብሰንኪ ዘሎ ቅልውላው መነባብሮ ብሕጽረት ድቃስ ይሳቐዩ ኣለዉ ።
እተፈላለዩ ጕጅለታት ሰባት ኣብ ምሉእ ህይወቶም እተፈላለየ ናይ ድቃስ ድልየታት ኣለዎም ።
ኣብ ዕድሜኻ ተመርኲስካ ክንደይ ድቃስ ከምዘድልየኻ ዘርኢ ሰሌዳ ።
ብመሰረት እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ National Sleep Foundation. ፡ ድቃስካ ምስ ዕድመ ይቕየር ። Source: SBS / Kenneth Macleod

ንኽንደይ ሰዓት ክትድቅስ'ዩ ዘድልየካ?

ናይ ድቃስ ሓለዋ ጥዕና ዝጣበቕ ናይ ኣውስትራሊያ ግብረ ሰናይ ትካል በቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ National Sleep Foundation ብዝሃቦ ጸብጻብ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ምኽሪታት ኣለዎ ።
ካብ 0 ክሳዕ ሰለስተ ወርሒ ዝውለዱ ናጽላታት ብዙሕ ሰዓታት ድቃስ የድልዮም ፣ ኣብ መዓልቲ ካብ 14-17 ሰዓታት ።
ንህጻናት ካብ ኣርባዕተ ክሳብ 11 ኣዋርሕ ፣ ኣድላይነቶም ናብ ከባቢ 12-15 ሰዓታት ይንኪ ።
ካብ ሓደ ኽሳእ ክልተ ዓመት ዝዕድሚኦም እግሪ ተኽሊ ካብ 11-14 ሰዓታት ድቃስ ክወስዱ ኣለዎም ።
ህጻናት ካብ ሰለስተ ኽሳእ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ናይ ቀትሪ ግዜ ዉሑድ ሰዓት ክድቅሱ ንቡር እዩ ፣ ኣእንተዘይኮይኑ ግና ፡ ለይቲ እኹል ድቃስ ኣይረኽቡን ይዀኑ ።

ካብ ሽዱሽተ ክሳብ 13 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ካብ ትሽዓተ ክሳብ 11 ሰዓታት ክድቅሱ ኣለዎም ።
A man laying on the bed with one arm on his dog.
እቲ ንገዛእ ርእሱ እተመዝገበ ትሑት ናይ ድቃስ ዕግበት ፡ ንኣእምሮኣውን ኣካላውን ጥዕናና ከም ዝንኪ ዘርኢ እዩ ። Credit: Unsplash/Jamie Street
ንመንእሰያት ዕድሚኦም 14-17 ደንጒኻ ምድቃስን ደንጒኻ ምትንሳእ ንቡር እዩ ፡ ካብ ሸሞንተ ክሳብ 10 ሰዓታት ምድቃስ ድማ ይምከር ።
ሰባት ዕድሚኦም 18 ምስ ኣኸለ ፡ ኣብ ለይቲ ካብ ሸውዓተ ክሳዕ ትሽዓተ ሰዓታት ክድቅሱ ኣለዎም ፣ እዚ ክሳዕ 65 ዝበጽሑ ድማ ኣይቅየርን እዩ ።
ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ኣብ ለይቲ ካብ ሸውዓተ ክሳዕ ሸሞንተ ሰዓታት ጥራይ እዮም ድቃስ ዘድልዮም ።
ነፍሰ-ጾራትን ኣካለ-ስንኩላንን ሕዱር ሕማማትን ልክዕ ኸምቶም ብርቱዕ ምንቅስቓስ ዝገብሩ ሰባት ዝያዳ ድቃስ ከድልዮም ይኽእል እዩ ።

Share

Published

By Penry Buckley, Madeleine Wedesweiler
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service