ኤርትራ፣ “ኣብ ደሴታት የመን መጥቃዕቲ ኣካይዳ” ዝብል ዜና ዘቃለሐ ጋዜጣ ኣሽራቕ ኣል-ኣዋስት ዝተጋነነ ድራማ ክትብል ነጺጋቶ።

ኤርትራ ኣብ ገማግም የመን መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ማእከላይ ምብራቕ ገሊጸን ኔረን።

SBS Tigrinya News

Source: Al-Qudus Al Arabia

እቲ ናይ ዓረብኛ ጋዜጣ ትማሊ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ “ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ሓሽሽ ኮንትሮባንዳ ዘሰጋግር  ንሓደ ናይ ማፍያ ጉጅለ ንምቁጽጻር ዝተገብረ ንኡሽቶ ፍጻመ” ድራማዊ መልክዕ ከትሕዞ ፈቲኑ ብምባል እቲ ጋዜጥዊ መግለጺ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ገሊጹ።

እቲ መግለጺ ብትወሳኺ ‘ሕቡእ ኣጀንዳ እቲ ጋዜጣ ኣብቲ ዞባ ዘየለ ጸገም ንምፍጣር ዝኽትሎ ሜላ እዩ፡” ክብል ኮኒንዎ።

 

ብረቡዕ 3 ሰነ  ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ኣብ ደሴታት ዙቑርን ሓኒሽን ናይ የመን፣ መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ንኣዛዚ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ የመን ሜጀር ጀነራል ኻልድ ኣል ቓማሊ ጠቒሰን ጋዜጣታት የመን ሓቢረን ኔረን።

ብኻልእ ሸነኽ ኣብ ለንደን እትሕተም ጋዜጣ ኣልቁዱስ’ውን ጀላቡ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፡ ናብ ደሴታት የመን ድሕሪ ከምተጸግዓን ኣርባዕተ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ክጨውያ ከምዝፈተናን ገሊጹ ኔሩ እዩ።


1 min read

Published

Updated


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now