ሰብ መዚ ዳች ንወዲ 57 ዓመት ናይ ካናዳ ዜግነት ዘለዎ ጸ ቻይ ሎፕ ኣብ ኤሽያ ፓሲፊክ ብዝገብሮ ምዝውዋር ዕጸ ፋርስ ዝፍለጥ ሰብ ሒዞሞ ኣለዉ፡ ናይ ፈደራል ፖሊስ ኣውስትራሊያ ብዘውኦ መአዘዚ ማእሰቲ ኣውጺእሉ እዩ።
ጸ ብዓለም ደረጃ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ክትሓዙ ዝግብኦም ሰባትን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሕጋዊ ስጉምቲ ንምውሳድ 'ኣድላዪ ሰብ' ከምዝኾነ'ዩ ዝፍለጥ።
ጸ ቻይ ሎፕ መን'ዩ?
ጸ ብቅጽል ስም ናይቲ መበል ሳልሳይ ሓው ኣብ ካንቶነስ “ሳም ጎር”, እዩ ዝፍለጥ። ንሱ ናይቲ ኣብ ስግረ ሃገራት ዕጸ ፋርስ ዘዘዋውር ዓቢ ኩባንያ ብገለ ፖሊስ “Sam Gor syndicate” ተባሂሉ ዝፍለጥ ጉጅለ ገበን ዝመርሕ እዩ።
ንሱ ኣብ ደቡባዊ ጉዋንግዶንግ ክፍለሃገር ናይ ቻይና ዝተወልደ ኮይኑ፡ ኣብ መወዳእታ ባህላዊ ሰውራ ቻይነ ብሓለዋ ቐይሕ ናይ ዝተፈጥረ ዓቢ ክለብ ጉጅለ ዓዋሉ ኣባል ከምዝኾነ እዩ ፖሊስ ዝገልጽ።
ንሱ ናብ ሆንግ ኮንግ, ብድሕርዚ ናብ ካናዳ, ድሕሪ ምግዓዙ ኣብ 1998 ሰብ መዚ ኣመሪካ ብምዝውዋር ዕጸ ፋርስ ከሲሳ ናብ ሃገራ ጸዊዓቶ ኔራ።
ኣብ 2006 ካብ ቤት ማእሰርቲ ኦሃዮ ድሕሪ ምፍታሑ፡ ናብ ኤሽያ ተመሊሱ፡ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዓመት ናይ 70 ቢልዮን ዶላር ንግዲ ሓሺሽ ብምዝውዋር ዝመርሕ ትካል ከምዝመርሕ ፖሊስ ይኸሶ።
ከም ኣዚዩ ሃብታምን ሕሉፍ ተጣላዒን ዝፍለጥ ጸ፡ ኣብ ሓደ ለይቲ $66 ሚልዮን ኣብ ናይ ካሲኖ ጠላዕ ከሲሩ ብሓለውቲ ታይ ኪክቦክሰርስ እናተሓለወ ከምዝጓዓዝ መርመርቲ ይዛረቡ።
"እቲ ኩባንያ' ከመይ ዝበል'ዩ?
ናይ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ሓሽሽን ገበንን እቲ ናይ ጸ ሁባንያ ኣብ 2018 ካብ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ሓሽሽ ኣስታት $17 ቢልዮን ገንዘብ ረኺቡ።
ፖሊስን ተንተንትን ከምዝገልጽዎ እቲ ዘይሕጋዊ ኩባንያ ኣብቲ ዞባ ቅልጡፍ ምዝውዋር መታምፈታሚን ዝገብር ኮይኑ ኣብ ድሮ ናይ 2019 እቲ ናቱ ንጥፈት ንግዲ ብ ኣርባዕተ ዕጽፊ ዓብዩ።
እቲ ጉጅለ ብተወሳኺ ኣብግዜ ለይታዊ ጸወታ ፈንጠዚያ ዘለዓዕል ሓሺሽ ሀሮይን ብምፍራይ ኣብ ግሎባዊ ዕዳጋ MDMA, ቀንዲ ተዋሳኣይ ኮይኑ።
ካብ UNODC’ ጀረሚ ዶግላስ ከምዝገልጾ፡ ጸ ምስቲ ናይ ላቲን ኣመሪካዊ ሓለቓ ሓሽሽ ጆኣኪን "ኢል ቻፖ" ጉዝማንን ፓብሎ አስኮባር ዝዳረግ እዩ።
ጉጅለኣዊ ገበን ጸ፡ ድሕርቲ ሓሙሽተ ናይ ኤሽያ ጉጅለ ገበነኛታት ዝተፈረመ ስምምዕ ዝተፈጥረ ጉጅለ ምዃኑ ፖሊስ ይከስስ። እቲ ዝዓበየ ክላብ ወረበላ ብ the Big Circle Boys ዝፍለጥ ኮይኑ; ዉ ሺንግን ሳን ዪ ካብ ሆንግ ኮንግ ከምኡውን ማካዉን ዘ ባብቡ ዩኒዮን ኣብ ታይዋን ዝመደበሮም እዮም።
እቲ ምትሕብባር ናይዞም ጉጅለታት ደም ናይቶም ዝጻብእዎም እናሰተየ ነቲ ዘይተኣደነ መኽሰብ ምክፍፋል እዩ።
ጉጅለ ጸ ኣብ ነኣሽቱን ብሃገር ደረጃ ዝቖሙ ጉጅለ ገበን ብምቛም ኣብ መይንማር ሉዑል ናይ ላባራቶሪ መርበብ ኣቢሉ እዩ ንግዱ ብትሑት ወጻኢታትን ብ ኣኽበርቲ ሕጊ ከምዘይተሓዝን ጌሩ ስርሑ ዘጓሃህር።
ካብዚ ንደሓር እንታይ'ዩ ክኸውን?
ልዑል ናይ ብዙሓት ሃገራት ብዛዕባኡን ብዛዕባ ጉጅለኡን ጽዑቕ መርመራታት ይግበር ምንባሩ ድሕሪ ምፍላጡ ኣብ 2019 ጸ ኣብ ታይዋን ተታሒዙ።
ቻይናን ኣውስትራሊያን ናይ ቤት ፍርዲ መትሃዚ ትእዛዝ ን ጸ እንተውጽኣሉ'ኳ ብበይጂንግ ዝቐረበ ጠለብ ምርካብ እቲ ገበነኛ እታ ገዛእ ርእሳ ተመሓድር ታይዋን ስምምዕ ምርካብ ገበነኛታት ስለዘይብላ ኣይተሳኸዐን።
ኣብ ናይ ኣምስተርዳን ማዕርፎ ነፈርቲ ስቺፎል ብቐዳም ድሕሪ ምትሓዙ፡ ፈደራል ፖሊስ ኣውስትራሊያ ናብ ፍርዲ ከቕርቦ ኣምስተርዳም ነቲ ክሱስ ከተረክቦ ሓቲቱ ኣሎ።
ብእምነት ፖሊስ ኣውስትራሊያ፡ ጸ ብውሕዱ 13 ግዜ ናብ ኣውስትራሊያ ዝ ኣተወ ዕጸ ፋርስ ተሳቲፉ ኣሎ፡እዚ ብ ሮይተርስ ዝቐረበ መጽናዕታዊ ሰነድ ተረጋጊጹ ኣሎ።
ምትሓዝ ጸ ነቲ ናይ ኤሽያ ፓሲፊክ ንግዲ ሓሽሽ ክሳብ ክንደይ ጸልይዎ ከምዘሎ ዝፍለጥ የለን።
ንሱ ኣብዝሓለፈ ዓመት ከይተፈልጠ ክሰርሕ እንተጸንሐኳ፡ እቲ ናይቲ ጉጅለ ንጥፈታት ከምዘይተጸልወ ክልተ ምንጭታት ፖሊስ ይገልጹ።
ምንጭታት ናይ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ሓሽሽን ገበንን (UNODC) ን ፖሊስን ከምዝገልጽዎ ኣብ ዉሑዳት ሃገራት እንተዘይኮይኑ ዘይከም ኣብ ካልኦት ዞባታት ንግዲ ሓሺሽ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ኣይተተንከፈን።