SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ ምዕራባዊ ኢትዮጵያ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 260 ሰባት ከም ዝሞቱ ተቐማጦ ገሊጾም።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ኣብ ኦሮሞ ዝተፈጸመ 'ዘስካሕክሕ ቅትለት' ኮኒንዎ ኣሎ ፡ እቶም ግዳያት ካብ ዓሌት ኣምሓራ እዮም ኢሎም ነበርቲ ።

Ethiopia masacer
Ethiopia's Prime Minister Abiy Ahmed denounced the "unacceptable" attacks on Twitter. Source: AAP, AP

3 min read

Published


Skip to article content

ብቐዳም ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሞ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 260 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝሞቱ: ብሰኑይ ናይ ጅምላ ሬሳታት ኣብ መቓብራት ምቕባር ብኸመይ ከም እተሳተፉ ዝርዝር ጸብጻብ ዝሃቡ ክልተ ተቐማጦ ገሊጾም ።

ክልል ኦሮሞያ ፣ ንብዙሕ ዓመታት ዘይምርግጋእ ኣጋጢምዋ ዘሎ ዝዓበየ ብሄር ኦሮሞን ካልኦት ህዝቢታትን ዝነብረላን እያ።

እቶም ንሮይተርስ ዘዘራረቦም ነበርቲ ፡ እቶም ግዳያት እቲ ኣብ ቀዳም ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝነብሩ ውሑዳን ኣምሓሩ ዝተፈጸመ ምዃኑ ገሊጾም ።

እቲ መጥቃዕቲ ምስቲ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ትግራይ ኣብ ሕዳር 2020 ዝጀመረ እሞ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዝቐተለን ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ካብ መነባብርኦም እተመዛበለን ግጭት ብቐጥታ ዝተሓሓዝ ምዃኑ ዝሕብር ነገር ኣይተረኽበን ።

ኣቐዲሙ ብሰኑይ ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝርዝር ሓበሬታ ከይሃበ ፡ ነቲ ኣብ ኦሮሞ ዝተፈጸመ "ኣሰቃቒ ተግባራት" ኢሉ ዝገለጾ ተግባር ዀኒንዎ እዩ ። ንሱ ኣብ ትዊተር ፡ "ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰላማውያን ሰባት ዝወርድ መጥቃዕቲ ፡ ከምኡውን ብዘይሕጋውያንን ዘይስሩዓትን ሓይልታት ዝፍጸም ጥፍኣት ፡ ተቐባልነት የብሉን" ኢሉ ።

Abiy Ahmed
Source: Twitter

 

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ኦሮሞ ኣብ እትርከብ ኣውራጃ ጊምቢ ፡ ዞባ ወለጋ እዩ ተፈጺሙ ። ሓደ ነባሪ ናይ 260 ሞት ኣሃዝ ዝሃበ ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ 320 ዝብል ኮይኑ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ንዓመታት ዝተኻየደ ቅትለት ህዝቢ ካብቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ሓደ እዩ ። እቶም ነበርቲ ፡ ብምኽንያት ንድሕነቶም ዘለዎም ፍርሒ ስሞም ክህቡ ኣይደለዩን ።

"ክሳዕ ሕጂ ነቲ ሬሳታት ኣብ ምእካብን ነቲ ሬሳ ኣብ ምቕባርን እተሳተፍኩ'የ 260 ሰባት ቐበርና ። ኣብ ሓደ ቦታ ሕርሻ ድማ ቐበርናዮም ። ኣብ ሓደ መቓብር ካብ 50 ኽሳእ 60 ዝዀኑ ሬሳታት ቀቢርና "በለ ።

ንሱ ኣብ ጕድጓድ ብምሕባእ ከም ዝደሓነ ብምግላጽ ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ኣሕዋትን ሰለስተ ደቂ ሓትኖታትን ሞይቶምዎ እዮም ።

እቲ ካልኣይ ተቐማጢ ድማ እቶም ዕጡቓት ተወላዶ ኦሮሞ ካብ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (ኦላ) ዝበሃሉ ጕጅለ ምዃኖም ገሊጹ ።

ኣብ ዱር ተሓቢኡ ብምጽናሑ ከም ዝደሓነን ነቶም ዕጡቓት ብቛንቋ ኦሮሞ ክዛረቡ ከም ዝሰምዖምን "ኣብ ልዕሊ ኣምሓራ ጅምላዊ ቅትለት" ዝተፈጸመ ምዃኑ ገለጸ ።

ብሰንበት ፡ ሓላፊ ናይቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተመዘዘ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ፡ ዕጡቕ ሓርነት ኦሮሞ (ኦላ) ኣብ ኦሮሞ "ቀታሊ መጥቃዕትን ጥፍኣትን" ከም እተፈጸመ ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ከይሃበ ኣፍሊጡ ኔሩ ።

ኦላ ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ኣይወሰደሉን ።

ወሃቢ ቃል ክልል ኦሮሞ ኣቶ ሃይሉ ኣዱኛ ፡ ወሃቢ ቃል ኣብዪ ቢልለኔ ስዩምን ኣፈኛ መንግስቲ ለገሰ ቱሉን ነቲ ሮይተርስ ርእይቶ ክህቡ ዘቕረቦ ጠለብ ቅልጡፍ ምላሽ ኣይሃቡን ። ናይ ኢትዮጵያ ወታደራዊ ወሃቢ ቃል ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነ እቲ ሕቶታት ንለገሰ ትሉ ክቐርበሉ ነቲ ማዕከን ዜና መሪሑ።

ዕጡቕ ሓርነት ኦሮሞ (ኦላ) ፡ ካብ ውድብ ሓድነት ኦሮሞ ወጺኡ ወተሃደራዊ ስርሒት ዘካይድ ጕጅለ እዩ ፣ እዚ ጕጅለ እዚ ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ፡ ኣብ 2018 ድሕሪ ቀ/ሚ ኣብይ ምሻሙ ካብ ወጻኢ እተመልሰ ፡ ኣቐዲሙ እተኣገደ ተቓዋሚ ጕጅለ እዩ ።

ዕጡቕ ሓርነት ኦሮሞ (ኦላ) ዝሓለፈ ዓመት ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኪዳን ዝገበረ ኮይኑ፡ ኣብቲ ቀዳም ኣብ ጊምቢ እተገብረ መጥቃዕቲ ፡ ሓይልታት ትግራይ ከምዝተሳተፈ ዝገልጽ ርእይቶ ወይ ጸብጻብ የለን ።


 


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now