SKIP TO MAIN CONTENT

ልዕሊ 50 ኣውስትራልያውያን ኣብ ትግራይ መውጽኢ ስኢኖም ስለዘለው መንግስቲ ኣውስትራልያ ክወጹ ክሕግዞም ተሓቲቱ

ብዙሓት ኣውስትራልያውያን ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት መውጽኢ ስኢኖም ስለዝርከቡ መንግስቲ ኣውስትራልያ ብቕልጡፍ ክሕግዞም መጸዋዕታ ቀሪቡ።

Women and children primary victims of war
Source: Getty Images

1 min read

Published


Skip to article content

ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ሓያል ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ብውሑዱ 50 ኣውስትራልያውያን መውጽኢ ስኢኖም ተቐርቂሮም ኣለው ተባሂሉ ይእመን።

ብዙሓት ኣብኡ ተቐርቂሮም መውጽኢ ስኢኖም ተሪፎም ዘለው ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19ን ኣዝዩ ክቡር ኮይኑ ዘሎ ዋጋ በረራታት ነፈርትን እዩ፡ ገሊኡ ዋጋታት ቲኬት ናብ ኣውስትራልያ ዝለዓለ ክሳብ $16,000 ይበጽሕ። 

እዚ ዝመጽእ ዘሎ ሓይልታት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ኣኽቢብናያ ኣለና ኢሎም ኣብ ዝገለጽሉን መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ኣብ ዝደናደንሉ ዘለው እዋንን እዩ። እዚ ኩነታት ከኣ ካብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ብርቱዕ መጠንቀቕታ ክወሃብ ደሪኹ'ሎ። 

ኣፈኛ ጉዳይ መንእሰያት ኣብ ማሕበረሰብ ትግራዎት ኣውስትራልያውያን ማህቶት ያይኑ መንግስቲ ኣውስትራልያ ዜጋታት ክግዕዙ ሓገዝ ክገብር መጸዋዕታ ተቕርብ ኣላ። 

"ንሕና መንግስቲ ኣውስትራልያ ድፍኢቱ ክቕጽልን ንመንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕታት ደው ከብል ክሓትት ንደሊን ንጽውዕን። ምኽንያቱ እዚ ሰላማውያን ሰባት እዩ ዝጎድእ ዘሎ። እዚ ኣዴታትን ህጻናትን እዩ ዝጎድእ ዘሎ። እዚ ኣሽሓት ካብ መረበቶም የፈናቕሎም ኣሎ።"


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now