ልዕሊ 50 ኣውስትራልያውያን ኣብ ትግራይ መውጽኢ ስኢኖም ስለዘለው መንግስቲ ኣውስትራልያ ክወጹ ክሕግዞም ተሓቲቱ

ብዙሓት ኣውስትራልያውያን ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት መውጽኢ ስኢኖም ስለዝርከቡ መንግስቲ ኣውስትራልያ ብቕልጡፍ ክሕግዞም መጸዋዕታ ቀሪቡ።

Women and children primary victims of war

Source: Getty Images

ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ሓያል ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ብውሑዱ 50 ኣውስትራልያውያን መውጽኢ ስኢኖም ተቐርቂሮም ኣለው ተባሂሉ ይእመን።

ብዙሓት ኣብኡ ተቐርቂሮም መውጽኢ ስኢኖም ተሪፎም ዘለው ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19ን ኣዝዩ ክቡር ኮይኑ ዘሎ ዋጋ በረራታት ነፈርትን እዩ፡ ገሊኡ ዋጋታት ቲኬት ናብ ኣውስትራልያ ዝለዓለ ክሳብ $16,000 ይበጽሕ። 

እዚ ዝመጽእ ዘሎ ሓይልታት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ኣኽቢብናያ ኣለና ኢሎም ኣብ ዝገለጽሉን መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ኣብ ዝደናደንሉ ዘለው እዋንን እዩ። እዚ ኩነታት ከኣ ካብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ብርቱዕ መጠንቀቕታ ክወሃብ ደሪኹ'ሎ። 

ኣፈኛ ጉዳይ መንእሰያት ኣብ ማሕበረሰብ ትግራዎት ኣውስትራልያውያን ማህቶት ያይኑ መንግስቲ ኣውስትራልያ ዜጋታት ክግዕዙ ሓገዝ ክገብር መጸዋዕታ ተቕርብ ኣላ። 

"ንሕና መንግስቲ ኣውስትራልያ ድፍኢቱ ክቕጽልን ንመንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕታት ደው ከብል ክሓትት ንደሊን ንጽውዕን። ምኽንያቱ እዚ ሰላማውያን ሰባት እዩ ዝጎድእ ዘሎ። እዚ ኣዴታትን ህጻናትን እዩ ዝጎድእ ዘሎ። እዚ ኣሽሓት ካብ መረበቶም የፈናቕሎም ኣሎ።"


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ልዕሊ 50 ኣውስትራልያውያን ኣብ ትግራይ መውጽኢ ስኢኖም ስለዘለው መንግስቲ ኣውስትራልያ ክወጹ ክሕግዞም ተሓቲቱ | SBS Tigrinya