ኣውስትራሊያ፡ ንኣፍሪቃውያን ሃገራት ብናይ ደቀባት ሜላ ምክልኻል ባርዕ ጫካ ትሕግዝ።

ኣውስትራልያ ነቲ ንሃገራት ኣፍሪቃ ጥንታዊ ናይ ባርዕ ኣገባባት ብምጥቃም ንኢኮሎጂያውን ንግዲን መኽሰብ ብዘለዎ መገዲ ትሕግዝ ኣላ ።

Fires burn on Mount Kilimanjaro in Tanzania in October 2020

African savannahs are the most fire-prone environments on earth. (AAP)

ተመራመርቲ ስነ ፍልጠትን ክኢላታት ስነ ቁጠባን ኣውስትራልያ ፡ ካርቦን ናብ ዝተሓተ ደረጃኡ ንምውራድ ፡ ምስ ማሕበረ ሰብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ይሰርሑ ኣለዉ ፣ ነቲ ድሕረ ግዜ መግዛእቲ ኣገዳሲ መልእኽቲ ፡ "እቲ ጸሊም ካብ ቀደም ኣትሒዙ ጽቡቕ ይገብርዩ ኔሩ።" ዝብል ዳግም ናብ ቦታኡ ይመልስዎ።

ንኣማእታት ኣሽሓት ዓመታት ፡ ኣብ ኣውስትራልያን ኣፍሪቃን ዝነብሩ ማሕበረሰባት ደቀባት ፡ ን ጫካታት ካብ ባርዕ ንምክልኻል ተመሳሳሊ ጥንታዊ ሜላ ይጥቀሙ ነይሮም እዮም ።

ይኹን እምበር: ክልቲኡ ክፍለ-ዓለማት ብኤውሮጳውያን ኣብ እተገዝኣሉ እዋን: እቶም ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ-ክቢ ኣብቲ ከባቢ ክነብሩ ምስጀመሩ ሰበ-ስልጣን ነቲ ናይ ሓዊ ምዕፋን ትእዛዝ ኣብ ከምዝኽልከል ገበሩ: እዚ ድማ ነቲ ሰፊሕ ቦታታት ናይ ጫካ ወይ ሳቫና ከም ንቑጽን ከም መሐለውታ ገደፎ ።

ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ክልቲኡ ቅርጺ ምድሪ ኣዕናውን ዘይዕግበትን ሓዊ ከምዝጓሃሃር ጌሩ እዩ ።

እዚ ሓዊ እዚ ፡ ንህይወትን ቅርጺ መሬትን ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ እዩ ፣ ኣብ ልዕሊ ናብ ኣየር ዝትፋእ ነዳዲ ካርቦን እውን ከቢድ ሳዕቤን ኣስዒቡ እዩ ።

ካብ 1997 ጀሚሩ ናይ ኪዮቶ ፕሮቶኮል ፡ ኣብ ሰሜን ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠትን ቀዳሞት ኣህዛብን ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ኣውስትራሊያ ዝነበረ ጥንታዊ ልምድታትን ኣገባባትን መሊሶም ንምትግባሩ ጽዒሮም እዮም ።

ኣብ ዕዳጋ ዝተመርኰሰ ስርዓት ኣተኣታትዮም ፡ ዓበይቲ ንግድ ፡ መንግስታትን ከፈልቲ ግብርን ነቲ ሕብረተ ሰብ ነቲ ዘፍርይዎ ናይ ካርቦን ጋዝ ንምትካእ ከምዝኸፍሉ ተገብረ።

ሕጂ ድማ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ምስ ማሕበረሰባት ቦትስዋና ኮይኖም ተመሳሳሊ ስራሕ ንኽሰርሑ ይምውሎም ኣሎ ።

ኣፍሪካ ሳቫና ፡ ኣብ ዓለም እቲ ቀንዲ ብሓዊ ዝጥቃዕ ከባቢ ኮይኑ ናብ ዓለማዊ ዋዒ ድማ ዓቢ ጽልዋ ፈጢሩ እዩ።

ካብ ቻርለስ ዳርዊን ዩኒቨርሲቲ ጀረሚ ራስል-ስሚዝ ካብቲ ኣብ ዛምብያ እተገብረ ዋዕላ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ "ኣብዚ ክፋል ዓለም ድሕረ መግዛእቲ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ባህላዊ ፍልጠት ከም ዝድግፎ ብምግንዛብ ፡ ነቲ ነዳዲ ብኸመይ ከም ዚጐድል ምርኣይ ፡ ብሓቂ ዘተባብዕ እዩ" በለ ።

"ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ፡ ዝርከቡ ህዝበ ሳንድ ፡ ኣብ መጀመርታ ኣብ ጫካ ዝነብሩ ዝነበሩ ሰባት እንተ ርኢኻ ፡ እዚ ኣገባብ ኣሰራርሓ እቲ ንኣማእታት ኣሽሓት ዓመታት ዝገበርዎ ኣገባብ ምሕደራ ሓዊ እዩ" በለ ።

"ኣብ መወዳእታ 1990ታት ኢና ሃንደበት ካብ ድቃስና ዝተበራበርና ፡ በዚ ድማ ጸለምቲ ህዝቢ ነቲ ቅርጺ-መሬት ብኸመይ ከም ዝቈጻጸርዎ ምስ ተረድኣና ድማ ቅኑዕ ሓሳብ ከም ዘለዎም ተገንዚብና"

እዚ ኣገባባት እዚ ፈጺሙ እንተ ዘይሕደግ ዝሓሸ እኳ እንተ ኰነ ፡ ራስል-ስሚዝ ግና ከም ድሮን ፡ ሳተላይትን "ማሕታ ሕሳብ" ን ዝኣመሰለ ንምድጋፍ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ኣብ ዝማዕበለሉ እዋን ፡ ናብ ቦታኦም ንምምላስ ክሕግዝ ምዃኑ ገለጸ ።

ልክዕ ከምቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝግበር ፡ እዚ ፕሮጀክትታት ካብ ታሕቲ እዩ ዝጅምር ዘሎ ፡ ብማሕበረሰብ ደረጃ። ራስል-ስሚዝ ግን መንግስታት ቦትስዋናን ዛምቢያን ምሉእ ብምሉእ ኣብዚ ዕዮ ክነጥፉ ናይ ግዜ ጉዳይ እዩ ይብል ።

"ንፖሊሲ መንግስቲ ምቅዋም ማለት እዩ ። እዚ ግን ይሰርሕ እዩ "ይብል ዶክተር ራስል-ስሚዝ ።

እዚ ብሓቂ ንዅሉ ሰብ ዘርብሕ እዩ ይብል ።

"ኣሉታዊ ሳዕቤን የብሉን ። እዚ ንሓደ ዓብዪ ጸገም ዝኸውን እተሓላለኸን ቀሊልን መገዲ እዩ "በለ።


3 min read

Published

Source: AAP, SBS




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now