ኣውስትራሊያ፡ ንኣፍሪቃውያን ሃገራት ብናይ ደቀባት ሜላ ምክልኻል ባርዕ ጫካ ትሕግዝ።

ኣውስትራልያ ነቲ ንሃገራት ኣፍሪቃ ጥንታዊ ናይ ባርዕ ኣገባባት ብምጥቃም ንኢኮሎጂያውን ንግዲን መኽሰብ ብዘለዎ መገዲ ትሕግዝ ኣላ ።

Fires burn on Mount Kilimanjaro in Tanzania in October 2020

African savannahs are the most fire-prone environments on earth. (AAP)

ተመራመርቲ ስነ ፍልጠትን ክኢላታት ስነ ቁጠባን ኣውስትራልያ ፡ ካርቦን ናብ ዝተሓተ ደረጃኡ ንምውራድ ፡ ምስ ማሕበረ ሰብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ይሰርሑ ኣለዉ ፣ ነቲ ድሕረ ግዜ መግዛእቲ ኣገዳሲ መልእኽቲ ፡ "እቲ ጸሊም ካብ ቀደም ኣትሒዙ ጽቡቕ ይገብርዩ ኔሩ።" ዝብል ዳግም ናብ ቦታኡ ይመልስዎ።

ንኣማእታት ኣሽሓት ዓመታት ፡ ኣብ ኣውስትራልያን ኣፍሪቃን ዝነብሩ ማሕበረሰባት ደቀባት ፡ ን ጫካታት ካብ ባርዕ ንምክልኻል ተመሳሳሊ ጥንታዊ ሜላ ይጥቀሙ ነይሮም እዮም ።

ይኹን እምበር: ክልቲኡ ክፍለ-ዓለማት ብኤውሮጳውያን ኣብ እተገዝኣሉ እዋን: እቶም ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ-ክቢ ኣብቲ ከባቢ ክነብሩ ምስጀመሩ ሰበ-ስልጣን ነቲ ናይ ሓዊ ምዕፋን ትእዛዝ ኣብ ከምዝኽልከል ገበሩ: እዚ ድማ ነቲ ሰፊሕ ቦታታት ናይ ጫካ ወይ ሳቫና ከም ንቑጽን ከም መሐለውታ ገደፎ ።

ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ክልቲኡ ቅርጺ ምድሪ ኣዕናውን ዘይዕግበትን ሓዊ ከምዝጓሃሃር ጌሩ እዩ ።

እዚ ሓዊ እዚ ፡ ንህይወትን ቅርጺ መሬትን ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ እዩ ፣ ኣብ ልዕሊ ናብ ኣየር ዝትፋእ ነዳዲ ካርቦን እውን ከቢድ ሳዕቤን ኣስዒቡ እዩ ።

ካብ 1997 ጀሚሩ ናይ ኪዮቶ ፕሮቶኮል ፡ ኣብ ሰሜን ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠትን ቀዳሞት ኣህዛብን ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ኣውስትራሊያ ዝነበረ ጥንታዊ ልምድታትን ኣገባባትን መሊሶም ንምትግባሩ ጽዒሮም እዮም ።

ኣብ ዕዳጋ ዝተመርኰሰ ስርዓት ኣተኣታትዮም ፡ ዓበይቲ ንግድ ፡ መንግስታትን ከፈልቲ ግብርን ነቲ ሕብረተ ሰብ ነቲ ዘፍርይዎ ናይ ካርቦን ጋዝ ንምትካእ ከምዝኸፍሉ ተገብረ።

ሕጂ ድማ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ምስ ማሕበረሰባት ቦትስዋና ኮይኖም ተመሳሳሊ ስራሕ ንኽሰርሑ ይምውሎም ኣሎ ።

ኣፍሪካ ሳቫና ፡ ኣብ ዓለም እቲ ቀንዲ ብሓዊ ዝጥቃዕ ከባቢ ኮይኑ ናብ ዓለማዊ ዋዒ ድማ ዓቢ ጽልዋ ፈጢሩ እዩ።

ካብ ቻርለስ ዳርዊን ዩኒቨርሲቲ ጀረሚ ራስል-ስሚዝ ካብቲ ኣብ ዛምብያ እተገብረ ዋዕላ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ "ኣብዚ ክፋል ዓለም ድሕረ መግዛእቲ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ባህላዊ ፍልጠት ከም ዝድግፎ ብምግንዛብ ፡ ነቲ ነዳዲ ብኸመይ ከም ዚጐድል ምርኣይ ፡ ብሓቂ ዘተባብዕ እዩ" በለ ።
"ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ፡ ዝርከቡ ህዝበ ሳንድ ፡ ኣብ መጀመርታ ኣብ ጫካ ዝነብሩ ዝነበሩ ሰባት እንተ ርኢኻ ፡ እዚ ኣገባብ ኣሰራርሓ እቲ ንኣማእታት ኣሽሓት ዓመታት ዝገበርዎ ኣገባብ ምሕደራ ሓዊ እዩ" በለ ።

"ኣብ መወዳእታ 1990ታት ኢና ሃንደበት ካብ ድቃስና ዝተበራበርና ፡ በዚ ድማ ጸለምቲ ህዝቢ ነቲ ቅርጺ-መሬት ብኸመይ ከም ዝቈጻጸርዎ ምስ ተረድኣና ድማ ቅኑዕ ሓሳብ ከም ዘለዎም ተገንዚብና"

እዚ ኣገባባት እዚ ፈጺሙ እንተ ዘይሕደግ ዝሓሸ እኳ እንተ ኰነ ፡ ራስል-ስሚዝ ግና ከም ድሮን ፡ ሳተላይትን "ማሕታ ሕሳብ" ን ዝኣመሰለ ንምድጋፍ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ኣብ ዝማዕበለሉ እዋን ፡ ናብ ቦታኦም ንምምላስ ክሕግዝ ምዃኑ ገለጸ ።

ልክዕ ከምቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝግበር ፡ እዚ ፕሮጀክትታት ካብ ታሕቲ እዩ ዝጅምር ዘሎ ፡ ብማሕበረሰብ ደረጃ። ራስል-ስሚዝ ግን መንግስታት ቦትስዋናን ዛምቢያን ምሉእ ብምሉእ ኣብዚ ዕዮ ክነጥፉ ናይ ግዜ ጉዳይ እዩ ይብል ።

"ንፖሊሲ መንግስቲ ምቅዋም ማለት እዩ ። እዚ ግን ይሰርሕ እዩ "ይብል ዶክተር ራስል-ስሚዝ ።

እዚ ብሓቂ ንዅሉ ሰብ ዘርብሕ እዩ ይብል ።

"ኣሉታዊ ሳዕቤን የብሉን ። እዚ ንሓደ ዓብዪ ጸገም ዝኸውን እተሓላለኸን ቀሊልን መገዲ እዩ "በለ።


Share

Published

Source: AAP, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service