Breaking

ኣውስትራሊያዊ ዜግነት ዘይብሎም ካብ ቻይና ንዝመጹ ኩሎም ናብ ኣውስትራሊያ ከይኣትዉ ተኸልኪሉ።

ኩሎም ካብ ቻይና ዝመጹ ተጓዓዝቲ ገዛእ ርእሶም ን14 መዓልታት ተፈልዮም ክጸንሑ ክግደዱ እዮም።

People disembark a chartered Xiamen Airline plane, arrive at Wuhan Tianhe International Airport in Wuhan to be met by medical officials.

People disembark a chartered Xiamen Airline plane, arrive at Wuhan Tianhe International Airport in Wuhan to be met by medical officials. Source: EPA

ኣብዚ ኮሮናቫይረስ እናስፋሕፈሐን ሰባት እናቐሰፈ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኣውስትራሊያዊ ዜግነት ዘይብሎም ካብ ቻይና ዝመጹ ኩሎም ናብ ኣውስትራሊያ ክኣትዉ ከምዝተኸልከሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሶን ገሊጹ።

ከም ኣካል ጽኑዕ ናይ ዶብ ምክትታል ስጉምቲ፡ ኩሎም ካብ ቻይና ናብ ኣውስትራሊያ ዝመጹ ተገሊሎም ክጸንሑ ክግደዱ እዮም።

"ኣብዝኾነ ሰዓት ካብ ሓደ ለካቲት ኣትሒዙ ካብ መሬት ቻይና እንተመጺእኩም፡ ን 14 መዓልታት ተፈሊኹም ክትጸንሑ ክግበር'ዩ።" ክብል እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንሪፖርተራት ኣብ ካንቤራ ገሊጽሎም።

"ንኹሎም ኣውስትራሊያዊያን ዘይኮኑ ናይ ኣውስትራሊያ መንበሪ ዘይብሎም፡ ሕጋዊ ኣለይቲ ወይ ሰብ ቃልኪዳን ዝኾኑ ኩሎም ካብ ቻይና ናብ ኣውስትራሊያ ክኣትዉ ኣይፍቀደሎምን እዩ።"  

ሚስተር ሞሪሶን ከምዝገለጾ ኣብዚ ሃገር ዝርከቡ ናይ ክፍለግዝኣታት ሓለፍቲ ጥዕና ሎሚ ንግሆ ከምተራኸበን እቲ ቫይረስ ከይላባዕ ጽኑዕ ስጉምቲታት ክውሰድ ከምዝጅምር ከምዝገለጸሎም ኣፍሊጡ።

"እቶም ሓለፍቲ ጥዕና ደፓርትመንት ወጻእን ንግዲን (DFAT ) ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ ናብ ደረጃ 4 ከደይቦ ሓቲቶም ኣለዉ፥ እዚ ማለት ናብ ቀንዲ መሬት ቻይና ጉዕዞ ከይግበር ዝእግድ እዩ። መንግስቲ ኣውስትራሊያ ድማ ነዚ መምርሒ ተግባራዊ ክኸውን ወሲኑ ኣሎ።" ክብል Mr Morrison ንሪፖርተራት ገሊጹ።

"ካብ ሎሚ ኣትሒዙ ካብ ቀንዲ መሬት ቻይና ዝመጹ (ዛጊት እቲ ክልከላ ካብ ክፍለ ሃገር ሁቢ ጥራይ እዩ ጸኒሑ) ካብታ መዓልቲ ካብ ቻይና ዝመጹላ ን14 መዓልታት ተገሊሎም ክጸንሑ ክግበር እዩ።

እዚ ዝመጽእ ዘሎ መገዲ ኣየር ኳንታስ ናብ ቻይና ዝገብሮ ክልተ ናይ ቀጥታ በረራታት ደዉ ኣቢልዎ ኣሎ እዚ ድማ ድሕሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብወግ ዒ ድሕሪ ምግላጹ እዩ። travel restrictions imposed by other countries 

ካብዚ በረራታት ንዝመጹ ዝኸውን ተወሳኺ ሓደ ሚሊዮን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (masks) ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣውስትራሊያ ከምዝቐርብ  እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣፍሊጡ።
መዐቀኒ ሙቐት (Thermometers)ንሰብ መዚ መዓርፎ ነፈርቲ  ከምዝዕደልውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ዛጊት 10 ሰባት ኣብ ኣውስትራሊያ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከምዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ።

ዉድብ ጥዕና ዓለም እዚ ቫይረስ ህጹጽ ሓደጋ ጥ ዕና ህዝቢ ከምዝ ኣወጀን ኣውስትራሊያ ን ክሪስማስ ኣይላንድን ንመግለሊ ሰባት ድሉው ድሕሪ ምግባራን አዩ።

ዛጊት ኣብ ቻይና በዚ ሕማም ልዕሊ 250 ህዝቢ ከምዝሞቱን ኣስታት12,000 ሰባት በዚ ቫይረስ ተለኺፎም ከምዘለዉ ተረጋጊጹ ኣሎ።

 


Share

Published

Updated

By SBS News
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ኣውስትራሊያዊ ዜግነት ዘይብሎም ካብ ቻይና ንዝመጹ ኩሎም ናብ ኣውስትራሊያ ከይኣትዉ ተኸልኪሉ። | SBS Tigrinya