ኣብ በይሩት ዝተተኮሰ ባርዕ ሓደ ኣውስትራሊያዊ ዝርከቦም 73 ሰባት ክሞቱከለዉ፡ ልዕሊ 3,700 ሰባት ቆሲሎም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰን ከምዝገለጾ፡ ኣብ ሊባኖስ ክሳብ 20,000 ኣውስትራሊያዊያን ኣብ ዋና ከተማ ሊባኖስ ዝነብሩ ከምዘለዉን ሓደ ኣውስትራሊያዊ በዚ ሓደጋ ከምዝተቐትለን ኣረጋጊጹ ኣሎ
እቲ ከቢድ ነትጒ ኣብ ሓደ ናይ በይሩት ዝርከብ ንሓደ ኣብ ወደብ ዝርከብ መኽዘን ብትሪዑ ድሕሪ ምብራዑ ኣብ መላእ እታ ዋና ከተማ ሊባኖስ ከቢድ ምንቅጥቃጥ ፈጢሩ፡ መሳዂቲ ሓሸምሸም ኢሉን ህንጻታት ፈሪሱን ኣሎ።
ብውሕዱ 73 ሰባት በቲ ነትጒ ዝሞቱ ክህልዉከለዉ ልዕሊ 3,700 ቆሲሎምን ኣለዉ። እንተኾነ ናይ ረዲኤት ጉጅለ ብህንጻታት ተቐቢሮም ዘለዉ ንምድሓን ኣብዝጽዕርሉ ዘለዉ ብዙሕ ካብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ብዝሒ ንላዕሊ ዝሞቱ ሰባት ክህልዉ ከምዝኽእሉ ተፈሊጡ ኣሎ።
እዚ ሓደጋ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ በይሩት ዘይተራእየን መሬት ዘንቀጥቀጠን እዩ።
“ከቢድ ዕንወት ኢና ርኢና,” ክብል ሓላፊ ቀይሕ መስቀል ቀይሕ መስቀል ጆርጅ ከታኒ ገሊጹ.
በቲ ናይቲ ከባቢ ኣቆጻጽራ ሰዓት 6 ናይ ሚሸት እቲ ነትጒ ምስተፈጥረ ንሰለስተ ሰዓታት ሰማያት በይሩት ብሓዊ ዝተሓወሶ ትኪ ተሸፊኑ።
ኣብ በይሩት ዝርከቡ ሆስፒታላት ስለዝመልኡ ቁሱላት ካብ በይሩት ወጻኢ ይውሰዱ ከምዘለዉ ተገሊጹ ኣሎ።
እቲ ዝነቶገ ባርዕ ኣብ ናይ በይሩት ወደብ ዝርከብ ሓደ መኽዘን ተኸዚኑ ዝነበረ 2,750 ቶን ኣሞኒዩም ናይትሬት ዝተባህለ ቀመም ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓሳን ዲኣብ ገሊጹ።
Ammonium nitrate
" 2,750 ቶናት ኣሞኒዩም ናይትሬት ን 6 ዓመታት ብዘይ ግቡእ ሓለዋ ተኸዚኑ ክጸንሕ ቅቡል ኣይኮነን።" ክብል ገሊጹ።
እቲ ነትጒ ከቢድ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ነበርቲ እታ ከተማ ነቲ ኣብ 1975 ክሳብ 1990 ዝነበረ ዉግእ ሓድሕድን ዝነበረ ነትጒታትን ከምዘዘኻኸሮም ተገሊጹ።
ዝቖሰሉ፡ ዝበኽዩን ዝተጎድ ኡ ሰባት እታ ከተማ ን ቀረቦም ንምድላይ ናብቲን ናብቲን ዝብሉ ኣብ ጽርግያታት እታ ከተማ ፈሲሶም ይረኣዩ።

እቶም ካብቲ ሓደጋ ኣጋጢምሉ ዘሎ ቦታ 2 ኪሎ መተር ርሒቖም ነቲ ኩነታት ብቪድዮ ዝቐድሕዎ ዝነበሩ እቲ ነትጉ ሰፍሲፉ ከምዝደርበዮም ተፈሊጡ።
ሚኒስተር ጥዕና ሊባኖስ ልዕሊ 25 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 2,500 ሰባት ምቑሳሎምዩ ገሊጹ።

ናይ ሓዘን መዓልቲ
ናይ ሊባኖስ ፕረሲደንት ሚቸል ኣወን ናይታ ሃገር ካውንስል ምክልኻል ህጹጽ ኣኼባ ክገብር ጸዊዑ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሓሳን ዲኣብ ንረቡዕ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ሓዘን ክኸውን ብምውሳን ናይዚ ሓደጋ ተሓተቲ ዋጋ ክከፍሉ እዮም ኢሉ።

“እዚ ኣሰቃቒ ሓደጋ ሓላፍነት ዝወስደሉ ክህሉ ምዃኑ ቃል እ ኣትወልኩም" ክብል ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ ተዛሪቡ።
“ብዛዕባቲ ካብ 2014 ተኸዚኑ ዝነበረ ሓደገኛ ነገር እንታይ ምዃኑ እቲ ሓቂ ክግለጽ እዩ፡ ሕጂ ግና ቅድሚቲ ዝግበር መርመራ ርእይቶ ክህብ ኣይደልን" ክብል ድማ ወሲኹ ገሊጹ።
እዚ ነትጒ ዝተፈጸመ ዉሕሃ ዝድግፎ ቤት ፍርዲ ብዛዕባቶም ኣብ 2005 መጥቃዕቲ ቦምባ ፈጺሞም ንቀዳማይ ሚኒስተር ራፊቕ ኣልሓሪሪን ካል ኦት 21 ሰባት ዝቐተሉ ጥርጡራት ናይ ሽዓ ጉጅለ ሕዝቡላህ ፍርዶም ከፍልጥ ሰለስተ መዓልቲ ምስተረፎ እዩ።

ሚስተር ሓሪሪ ዝተቐትለ ኣብ ጥቓ ሓደ ማያዊ ቦታ ካብ ሓንቲ ቦምባ ዝመል አት መኪና ዝተፈንጀረ እዩ።
ምኽንያት ናይቲ ብሰሉስ ተፈጺሙ ዘሎ ነትጒ ዛጊት ኣይተፈልተን ዘሎ።
ናይ ዉሽጢ ጸጥታ ሓላፊ ዓባስ ኢብራሂም ነቲ ከባቢ ወደብ ዑደት ምስገበረ ቅድሚቲ ዝግበር መርመራ ርእይቶ ክህብ ከምዘይደሊ ገሊጹ።
እቲ ምስ ሊባኖስ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ባእሲ ትርከብ እስራኤል ምስዚ ነትጒ ዘተኣሳስር ነገር ከምዘይብላ ሓደ በዓል መዚ እስራኤል ገሊጹ።

ስግር ባሕሪ 180 ኪሎ መተር ርሒቓ ትርከብ ናይ መዲተራኒያ ደሴት ስይፕረስ ዝርከቡ ህዝቢ ነቲ ኣብ በይሩት ዝተኸስተ ነትጒ ከምዝሰምዕዎ ገሊጾም።

