ናይ ኣውስትራሊያ ግዝኣታት ንናይ ኣህጉራዊ ጉዕዞ ናብ ንቡር ንምምላስ ይዳለዋ።

ሲንጋፖር ካብ ውሸባ ናጻ ዝዀነ ዝሓወሰ መገዲ ንኽትጐዓዛ ምድላዋት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን ፡ ናይ ኣውስትራልያ ኣህጉራዊ ዶባት ካብ 1 ሕዳር ከም ብሓድሽ ይኽፈት ።

Patrons on the roof terrace at the Public House Bar in Melbourne on 22 October 2021.

Patrons on the roof terrace at the Public House Bar in Melbourne on 22 October 2021. Source: AAP

መገዲ ኣየራት ኣህጉራዊ መገሻ ንምጅማር ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን ፡ ህዝቢ ሜልበርን ናይ መጀመርታ ቀዳመ ሰናብቲ ካብ ዕጽዋ ወጺኡ ነጻነት የስተማቕር።

ርእሰ-ከተማ ቪክቶሪያ ሻድሻይን ናይ መወዳእታን ክፋል - ዓርቢ ድሕሪ እቲ መንግስቲ ኣብ ዒላማታት ክታበት ምብጽሑ ፡ ነበርቲ ናይ "ዚ ከባቢ ብዝኾነ ምኽንያት ካብ ገዝኦም ክወጹ ክኢሎም ።

እታ ግዝኣት ቀዳም 1,750 ሓደሽቲ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ከምእውን ትሽዓተ ዝሞቱ ምምዝጋባ ይፍለጥ ።

ፕሪሜር ዳንኤል ኣንድሪውስ እቲ ኣብ ዓለም ካብዝርከባ ከተማታት እቲ ዝነውሐ ኣብ መልበርን ዝጸንሐ ዕጽዋ ነበራይ ነበር ኮይኑ ኣሎ ኢሉ ።

እዚ ከምዚ 'ሉ ከሎ ፣ መገዲ ኣየር ካንታስ ህጉራዊ ዶባት ኣብ 1 ሕዳር ድሕሪ ምጅማሩ ነቲ ናይ በረራ መደባቱ ኣፍሊጡ ።

እቶም ናብ ኒው ዮርክን ለንደንን ዝኸዱ ሰባት ፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ክጅምሩ እዮም ፣ ናብ ከም ሲንጋፖር ፡ ፊጂን ጆሃንስበርግን ዝኣመሰላ ዝግበር በረራታት ድማ ንቕድሚት ክቕጽል እዩ ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር በርናቢ ጆይስ ፡ ተወሰኽቲ መስመራት ኳንታስ ክምለሱ ብሓጐስ እኳ እንተ ተቐበሎ ፡ እቲ ናብ ደረጃ ቅድመ ለበዳ ዝምለስ በረራታት እቲ ኢንዱስትሪ ኣየር እንተ ተመሊሱ ፡ መንግስቲ ነቲ መገዲ ኣየር ዝህቦ ደገፍ ከም ዘቋርጽ እዩ ዝገልጽ ።

ቪክቶርያ ነቶም ዝኽተቡ ገያሾ ምውሻብ ከምዘየድሊ ምውሳና እቲ መለለዪ ኣውስትራሊያ ዝኾነ መገዲ ኣየር ኣብ ወርሒ ሕዳር ካብ መልበርን ናብ ለንደንን ሲንጋፖርን በረራታት ከካይድ ትጽቢት ትገብር።

ካንበራ ብዘይ ቀይድታት ክልተኣዊ ጉዕዞ ንምምስራት ምስ ሲንጋፖር ትዘራረብ ኣላ ።

ፕሪሜር ፒተር ጉትወይን ታዝማኒያ ፡ ዶባታ ከም ብሓድሽ ክኽፈት ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ገያሾ ካብ 15 ታሕሳስ ጀሚሮም ናብ 'ታ ናይ ክታበት ደረጃኣ 90 ሚኢታዊት ክበጽሕ ትጽቢት ዝግበረላ ደሴት ክኣትዉ ይኽእሉ ።

ኣብ ባራትን ጂይምስን ቫይረስ ናይ ምትሕልላፍ ተኽእሎታት ከም ዘሎ ዝተፈልጠላ ፡ NSW፡ ቀዳም 332 ሓደስቲ መልከፍቲ ኣመዝጊባ።

ኣብ ዋና ከተማ ኣውስትራሊያ ሎሚ 24 መልከፍቲታት ከም ዝተረኽበ ተፈሊጡ ።


Share

Published

Source: AAP, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service