ሓሚዳ ስድራኣ ንምርኣይ ናብ ሱዳን ከይዳ፡ ሕጂ እታ ነባሪት መልበርን ኣብቲ ኲናት ህይወታ ከይትስእን ትፈርሕ።

ኣብ ሱዳን በዚ ኲናት ተዓጊቶም ካብ ዝርከቡ ልዕሊ 150 ዝዀኑ ኣውስትራሊያዊያን ሓንቲ ሓሚዳ መሓመድ ኣብታ ሃገር ኲናት እናበርትዐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን "ኣብ ከምዚ ዝበለ ንኡስ ዕድመይ ከይሓልፍ" ከም እትሰግእ ገሊጻ ።

A woman taking a selfie

ተቐማጢት መልበርን ሓሚዳ መሓመድ ናብ ሱዳን ከይዳ ስድራኣ ንምብጻሕ ምስ ከደት ኣብቲ ዓዲ ተኸርዲና ተሪፋ ዘላ። Source: Supplied / Hameeda Mohamed

Key Points
  • ኣብ ሱዳን እንተወሓደ 158 ኣውስትራሊያዊያን ኣብ ማእከል እቲ ኲናት ኣለው ይብል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢን ንግድን ።
  • ገሊአን ሃገራት ንዜጋታተን ካብቲ ከባቢ ከውጽኣ ጀሚረን ኣለዋ ።
  • ቅድሚ ሸሞንተ መዓልቲ ፡ ውግእ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ፡ ልዕሊ 420 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ ።
ሓሚዳ መሓመድ ኣቦኣን ቤተሰባን ንምርኣይ ኣብ ወርሒ ለካቲት ናብ ሱዳን ከይዳ ።
ኣብዚ እዋን እዚ: ካብቶም ኣብታ ብውግእ እትሕመስ ዘላ ሃገር ተሪፎም ዘለዉ ኣውስትራሊያዊያን እያ: ንህይወታ ድማ ትፈርሕ ኣላ ።
ሱዳን ብሓንደበት ኣብ መንጎ ሰራዊትን ሓይልታት ንህጹጽ ደገፍን (RSF) ብዝተፈጥረ ግጭት ፡ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣለዓዒሉ ፡ 420 ሰባት ቀቲሉ ፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሱዳናውያን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ከይረኸቡ ኣብ መጻወድያ ኣእትዮም ይርከቡ ።
ሓሚዳ መሓመድ - ኣብ ዋና ከተማ ሱዳን ካርቱም ዝርከብ - ብሰኑይ ን SBS ዜና ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ፡ ሚሳይላት ናብ መንበሪ ህንጻታት ፡ ሆስፒታላትን ባንክታትን እናቐረበ ይመጽእ ከም ዘሎ ፡ ነበርቲ ድማ ሕጽረት መግቢ የጋጥሞም ከም ዘሎ ሓቢራ ።
ንሳ ን SBS ዜና ከምዚ ኢላ ነገረቶ: - "ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ልዕሊ ኵሉ ዘተሓሳስበኒ ዘሎ ብሰንኪ እዚ ኩነታት ካብ ኢደይ ምሉእ ብምሉእ ዝወጸ ነገር ክኸውን ዝኽእል ኣብዚ ን ኡስ ዕድመይ ህይወተይ ከይስእን እዩ።"

ሓደ ካብቶም ኣባላት ስድራቤታ ብሰንበት ናብ ቀብሪ ክኸይድ ከሎ "ብብዙሕ ጥይት" ከም እተሃርመ ገሊጻ ።

እቲ ወዲ 21 ዓመት መንእሰይ ካብ ሱዳን ናብ ካይሮ ብኣውቶቡስ ክኸይድ መዲቡ እኳ እንተነበረ ፣ ኣብዚ እዋን 'ዚ ግና ኣውቶቡሳት ደው ከምዝበላ ፣ ናይ ወጻኢ ፓስፖርት ዘለዎም ድማ ካብታ ሃገር ክወጹ ኣይፍቐደሎም' ከምዘሎ ትገልጽ ።
ሓሚዳ ሞሓመድ ካብ መልበርን ፡ ብመገዲ መርበብ ሓበሬታ ስማርትታቭለር ምስ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢን ንግድን (DFAT) ኣመዝጊባ ፡ እንተኾነ ግን ሓገዝ ኣይተዋህበትን ።
"መንግስቲ ኣውስትራሊያ ክሕግዘና ዝኽእል ውጽኢት እንተልዩ ንምርኣይ ብመንገዲ DFAT ኣመልኪተ እየ ፡ እንተኾነ (ምላሾም) እቲ ሓገዝ ድሩት እዩ ፡ ስለዚ ካብ ምጽባይ ሓሊፍና ክንገብሮ እንኽእል ነገር የለን" ኢላ ።
ወሃቢ ቃል ትካል DFAT ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ ኣብ ሱዳን እንተወሓደ 158 ኣውስትራሊያዊያን ደሕንነት እዩ ።
እዚ ሓገዝ እዚ ዝወሃብ ብመገዲ ቆንስላዊ ጉዳያት እዩ ፡ እንተኾነ እቲ ክፍሊ ኣብ ሱዳን ኤምባሲ የብሉን ።
ኣብ ሱዳን ዝጸንሑ ኣውስትራሊያውያን ናይ ጉዕዞ ምኽሪ ክስዕቡ ፤ ክትብገሱ ኽትፍትኑ ከለኹም ከጋጥሙ ዝኽእሉ ሓደጋታት ኣብ ግምት ከእትዉ ፤ ከምኡ "ውን ካብ መሳኹቲ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ቦታ ኸገልግሉ ዝብል ምኽሪ ተነጊርዎም እዩ ።
"መንግስቲ ኣውስትራሊያ ኣብ ሱዳን ዘሎ ጎንጺ ከይውስኽ ብዙሕ የተሓሳስቦ እዩ" ይብል እቲ ወሃቢ ቃል ።
"ኵሎም ወገናት ተጻብኦታት ከቋርጹን ዘየድሊ ምፍሳስ ደም ከወግዱን ንጽውዕ ።"
ኣውስትራልያ ዜጋታታ ካብታ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ንምውጻእ ምስ መሻርኽታ ሃገራት ትሰርሕ ኣላ ፡ እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ናይ ቀረባ ኤምባሲ እዩ ።

ሰራዊት ሱዳንንን RSFን ብሓባር ዕልዋ መንግስቲ ኣብ 2021 ኣካይዶም ፡ እንተኾነ ሲቪላዊ መንግስቲ ንምምስራትን ሰራዊት RSF ምስ ምዱብ ሰራዊት ንምውህሃድ ኣብ ዝተገብረ ዘተ ኣይተሰማምዑን ።
ካብ ካርቱም ሓሊፉ ፡ ኣብቲ ምስ ጫድ ዘዳውብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ብሰንኪ እቲ ካብ 2003 ዝቐጸለ ግጭት 300,000 ሰባት ከም ዝሞቱን 2.7 ሚልዮን ከም እተመዛበሉን ጸብጻባት ይሕብሩ ።
ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር ጀርመን ንኣማእታት ሰባት ካብቲ ሃገር ኣግዒዞም ኣለዉ ። ሽወደን ነቶም ናይ ኤምባሲ ሰራሕተኛታታ ፣ ስድራቤታቶምን ገለ ዜጋታትን ናብ ጅቡቲ ከተፋንዎም እንከላ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ድማ ተመሳሳሊ ክገብሩ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ ።

Share

Published

Source: AAP, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service