Key Points
- ኣብ ሱዳን እንተወሓደ 158 ኣውስትራሊያዊያን ኣብ ማእከል እቲ ኲናት ኣለው ይብል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢን ንግድን ።
- ገሊአን ሃገራት ንዜጋታተን ካብቲ ከባቢ ከውጽኣ ጀሚረን ኣለዋ ።
- ቅድሚ ሸሞንተ መዓልቲ ፡ ውግእ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ፡ ልዕሊ 420 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ ።
ሓሚዳ መሓመድ ኣቦኣን ቤተሰባን ንምርኣይ ኣብ ወርሒ ለካቲት ናብ ሱዳን ከይዳ ።
ኣብዚ እዋን እዚ: ካብቶም ኣብታ ብውግእ እትሕመስ ዘላ ሃገር ተሪፎም ዘለዉ ኣውስትራሊያዊያን እያ: ንህይወታ ድማ ትፈርሕ ኣላ ።
ሱዳን ብሓንደበት ኣብ መንጎ ሰራዊትን ሓይልታት ንህጹጽ ደገፍን (RSF) ብዝተፈጥረ ግጭት ፡ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣለዓዒሉ ፡ 420 ሰባት ቀቲሉ ፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሱዳናውያን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ከይረኸቡ ኣብ መጻወድያ ኣእትዮም ይርከቡ ።
ሓሚዳ መሓመድ - ኣብ ዋና ከተማ ሱዳን ካርቱም ዝርከብ - ብሰኑይ ን SBS ዜና ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ፡ ሚሳይላት ናብ መንበሪ ህንጻታት ፡ ሆስፒታላትን ባንክታትን እናቐረበ ይመጽእ ከም ዘሎ ፡ ነበርቲ ድማ ሕጽረት መግቢ የጋጥሞም ከም ዘሎ ሓቢራ ።
ንሳ ን SBS ዜና ከምዚ ኢላ ነገረቶ: - "ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ልዕሊ ኵሉ ዘተሓሳስበኒ ዘሎ ብሰንኪ እዚ ኩነታት ካብ ኢደይ ምሉእ ብምሉእ ዝወጸ ነገር ክኸውን ዝኽእል ኣብዚ ን ኡስ ዕድመይ ህይወተይ ከይስእን እዩ።"
ሓደ ካብቶም ኣባላት ስድራቤታ ብሰንበት ናብ ቀብሪ ክኸይድ ከሎ "ብብዙሕ ጥይት" ከም እተሃርመ ገሊጻ ።
እቲ ወዲ 21 ዓመት መንእሰይ ካብ ሱዳን ናብ ካይሮ ብኣውቶቡስ ክኸይድ መዲቡ እኳ እንተነበረ ፣ ኣብዚ እዋን 'ዚ ግና ኣውቶቡሳት ደው ከምዝበላ ፣ ናይ ወጻኢ ፓስፖርት ዘለዎም ድማ ካብታ ሃገር ክወጹ ኣይፍቐደሎም' ከምዘሎ ትገልጽ ።
ሓሚዳ ሞሓመድ ካብ መልበርን ፡ ብመገዲ መርበብ ሓበሬታ ስማርትታቭለር ምስ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢን ንግድን (DFAT) ኣመዝጊባ ፡ እንተኾነ ግን ሓገዝ ኣይተዋህበትን ።
"መንግስቲ ኣውስትራሊያ ክሕግዘና ዝኽእል ውጽኢት እንተልዩ ንምርኣይ ብመንገዲ DFAT ኣመልኪተ እየ ፡ እንተኾነ (ምላሾም) እቲ ሓገዝ ድሩት እዩ ፡ ስለዚ ካብ ምጽባይ ሓሊፍና ክንገብሮ እንኽእል ነገር የለን" ኢላ ።
ወሃቢ ቃል ትካል DFAT ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ ኣብ ሱዳን እንተወሓደ 158 ኣውስትራሊያዊያን ደሕንነት እዩ ።
እዚ ሓገዝ እዚ ዝወሃብ ብመገዲ ቆንስላዊ ጉዳያት እዩ ፡ እንተኾነ እቲ ክፍሊ ኣብ ሱዳን ኤምባሲ የብሉን ።
ኣብ ሱዳን ዝጸንሑ ኣውስትራሊያውያን ናይ ጉዕዞ ምኽሪ ክስዕቡ ፤ ክትብገሱ ኽትፍትኑ ከለኹም ከጋጥሙ ዝኽእሉ ሓደጋታት ኣብ ግምት ከእትዉ ፤ ከምኡ "ውን ካብ መሳኹቲ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ቦታ ኸገልግሉ ዝብል ምኽሪ ተነጊርዎም እዩ ።
"መንግስቲ ኣውስትራሊያ ኣብ ሱዳን ዘሎ ጎንጺ ከይውስኽ ብዙሕ የተሓሳስቦ እዩ" ይብል እቲ ወሃቢ ቃል ።
"ኵሎም ወገናት ተጻብኦታት ከቋርጹን ዘየድሊ ምፍሳስ ደም ከወግዱን ንጽውዕ ።"
ኣውስትራልያ ዜጋታታ ካብታ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ንምውጻእ ምስ መሻርኽታ ሃገራት ትሰርሕ ኣላ ፡ እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ናይ ቀረባ ኤምባሲ እዩ ።
ሰራዊት ሱዳንንን RSFን ብሓባር ዕልዋ መንግስቲ ኣብ 2021 ኣካይዶም ፡ እንተኾነ ሲቪላዊ መንግስቲ ንምምስራትን ሰራዊት RSF ምስ ምዱብ ሰራዊት ንምውህሃድ ኣብ ዝተገብረ ዘተ ኣይተሰማምዑን ።
ካብ ካርቱም ሓሊፉ ፡ ኣብቲ ምስ ጫድ ዘዳውብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ብሰንኪ እቲ ካብ 2003 ዝቐጸለ ግጭት 300,000 ሰባት ከም ዝሞቱን 2.7 ሚልዮን ከም እተመዛበሉን ጸብጻባት ይሕብሩ ።
ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር ጀርመን ንኣማእታት ሰባት ካብቲ ሃገር ኣግዒዞም ኣለዉ ። ሽወደን ነቶም ናይ ኤምባሲ ሰራሕተኛታታ ፣ ስድራቤታቶምን ገለ ዜጋታትን ናብ ጅቡቲ ከተፋንዎም እንከላ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ድማ ተመሳሳሊ ክገብሩ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ ።