ካብ ህዝቢ ታይዋን ንላዕሊ ህዝቢ ኣውስትራሊያ ምስ ቻይና ኲናት ከይህሉ ይሰግኡ። እቲ ሓድሽ መጽናዕቲ ናይዚ ተሓታቲ 'ናይ ፍርሒ ምውዕዋዕ' ምዃኑ ይእመን

እቲ እተገብረ ምርምር ከም ዝሕብሮ ፡ ካብ በይጂንግ ፍርሒ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ፣ ምስ ቻይና ውግእ ክግበር እውን ተኽእሎ ኣሎ ።

ወተሃደራት ቻይና ኣብ እዋን ምረሻ ናይ ሰልፊ ኮሚኒስት ባንዴራ እናውለብለቡ።

ብ2017 ወተሃደራት ቻይና ወተሃደራዊ ሰልፊ ኣብ ዝገበሩሉ እዋን ። ሓድሽ ምርምር ከም ዝሕብሮ ፡ ምስ በይጂንግ ውግእ ከጋጥም ይኽእል እዩ ዝብል ፍርሒ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ፣ ። Source: Getty / AFP Contributor/

ቀንዲ ነጥቢታት
  • ኣውስትራሊያውያን ካብ ህዝቢ ታይዋን ንላዕሊ ናይ ቻይና መጥቃዕቲ ከይወርዶም ዝሰግኡ እዮም ይብል መጽናዕቲ።
  • እቲ ምርምር ካብ ታይዋናውያን ንላዕሊ ብዙሓት ኣውስትራልያውያን ንቻይና ከም ዓንዳሪት ይጥምትዋ።
ኣውስትራሊያውያን ካብ ናይ ታይዋን መዛኖኦም ንልዕሊ ናይ ቻይና መጥቃዕቲ ከይወርዶም ዝሰግኡ እዮም ይብል ሓደ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ።
ሓደ ካብ 10 ኣውስትራሊያዊያን ቻይና መጥቃዕቲ ከምትፍኑ ይኣምኑ እዚ ዕጽፊ ናይቶም ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከይፍጽም ዝሰግኡ ታይዋን እዩ ይብል እቲ መጽናዕቲ ናይ ኣውስትራሊያ ትካል ።
እቲ ናይ ትካል ኣህጉራዊን ጸጥታዊን ፕሮግራም ፡ ኣርባዕተ ኣውስትራልያውያን ዳርጋ ሓደ በይጂንግ ንታይዋን ከተጥቅዕ እያ ዝብል ስግ ኣት ከምዘለዎም ክገልጽከሎ ምስ ናይ ታይዋን ክነጻጸር ከሎ ሓደ ታይዋናዊ ካብ 20 ጥራይ እዩ ከምዚ ከምዝፍጸም ዝኣምን።
70 ሚኢታዊ ዝኾኑ ሰባት ኣውስትራልያንን ታይዋንን ድማ እታ ደሴት ነጻ ሃገር ክትከውን ኣለዋ ኢሎም ይሓስቡ። በዚ ድማ ምስ መንግስቲ ቻይና ሰላማዊ ርክብ ክትምስርት ትኽእልያ ይብሉ ።
መብዛሕትኦም ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ እንተላይ ኣውስትራልያ ፡ ንታይዋን ከም ፍልይቲ ሃገር ገይሮም ኣፍልጦ ኣይሃብዋን ።
ወተሃደራት ታይዋን ተተኳሲ እናተኮሱ
Taiwanese soldiers fire artillery during a live-fire drill in on 9 August, 2022. Source: AAP, EPA / Ritchie B. Tongo
እቲ መጽናዕቲ ፡ ካብ በይጂንግ ዝያዳ ፍርሒ ከም ዘሎ ፡ ውግእ ድማ ከምጋጥም ተኽእሎ ከምዘሎ ይገልጽ ።
ወሃቢት ቃል ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ናንሲ ፐሎሲ ኣብዚ ወርሒ ኣብታ ደሴት ምብጻሕ ድሕሪ ምግባራ ፡ ኣብ መጻብቦ ታይዋን ውጥረት ሰፊኑ ኣብ ዝነበረ እዋን ፡ እቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ትካል ፡ ኣብዚ ወርሒ 1,000 ዝዀኑ ሰባት ካብ ኣውስትራሊያን ታይዋንን መጽናዕቲ ገይሩ እዩ ።
በይጂንግ ፡ ድሕሪ እቲ ጕዕዞ ናይ ናንሲ ፖሎሲ ኣብ ጥቓ ታይዋን ፡ ብውሕዱ 11 ሚሳይላት ከም ዝተኮሰትን ፡ መንግስቲ እታ ደሴት ድማ ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ወራር ንምምካት ከም እተበገሰ ይገልጽ ።
ካብ ክልቲኦም ጕጅለታት 60 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ ተሳተፍቲ ናይቲ መጽናዕቲ፡ ምስ ቻይና ኣብ ዝግበር ውግእ ኣውስትራሊያን ታይዋንን ከም ዚስዓሩ ገሊጾም።
ካብቲ መጽናዕቲ ካብ ኣውስትራልያን ታይዋንን ሰብኡት ካብ ኣንስቲ ንላዕሊ ቻይናውያን ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ምስዝፍንው ክምከት ከምዝከኣል እምንቶ ኣለዎም።
እቲ ምርምር ኣውስትራሊያዊያን እቶም 85 ሚኢታዊ ካብ ታይዋናውያን ድማ እቶም 80 ሚኢታዊ ንቻይና ዓንዳሪት ጌሮም ይሓስብዋ።
ይኹን እምበር ፡ ክልቲኦም ጕጅለታት ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዓንዳሪት ከም ዝዀነት እዮም ገሊጾም ።

በይጂንግ ኣብ ልዕሊ ኣውስትራሊያ ወታደራዊ ስጉምቲ ክትወስድ እንተኾይና እታ ሃገር ናብ ግጭት ንምእታው ድልውቲ ከምዝኾነት ናይ ኣውስትራሊያ ሰብኡት (49 ሚኢታዊ) ብዕጽፊ ካብ ደቂ ኣንስትዮ (26 ሚእታዊ) ይኣምኑ ።
መብዛሕትኦም ናይ ኣውስትራልያን ታይዋንን ተሳተፍቲ ንቻይናን ንኣሜሪካን ሰላም ንምዕቃብ ምስራሕ ናይ ኩሉ ሰብ ረብሓ እዩ ኢሎም ይሓስቡ ።
ናይ ኣውስትራሊያ ኢንስቲትዩት ኢንተርናሽናልን ናይ ድሕንነት ጉዳያት ዳይረክተር ኣላን ቤህም ከምዝበልዎ ካብ ታይዋናውያን ንላዕሊ ኣውስትራሊያዊያን መጥቃዕቲ ከይወርዶም ይፈርሑ ።
"እቲ ኣንጻር ቻይና ዝግበር ናይ ውግእ ከበሮ ብዝያዳ ኣውስትራሊያዊያን ይፈርሑ" ኢሉ ።
"እዚ ምርምር እዚ ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ቻይና ዝግበር ናይ ረጽሚ ዘረባታት ኰነ እቲ ውግእ ዝህሉ ስግኣት ፡ ኣብ ርእይቶ ህዝቢ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ ።

"እዚ ውጽኢት እዚ ፡ ነቲ ጕዳይ ኣብ ዝምድና ኣውስትራልያን ቻይናን እንደገና ንኺጅመር ዝድግፎ እዩ ፣ ነዚ ኣገዳሲ ሃገራዊ ዝርርብ እንገብረሉ መገዲ እውን ኣሎ ።"
A missile being launched.
ሰራዊት ሓርነት ህዝቢ ቻይና ኣብ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይል ይውንጭፍ ፡ ብ4 ነሓሰ 2022 ካብ ታይዋን ንምብራቕ ኣብ ዝርከብ ባሕሪ ዝውንጨፍ መራኽብ እውን ተጠቒሙ እዩ ። Source: AAP, AP / Wang Yi
መንግስቲ ኣልባኒስ ፡ በይጂንግ "ብጌጋ ግጉይ ውሳነታት" ክግበር ብዛዕባ ዝከኣል ወተሃደራዊ ንጥፈታታ ካብ ምግዳሳ እተላዕለ ፡ ነቲ ሓደ-ቻይና ዝብል ፖሊሲ ከም ዝቕበሎ ደጊሙ ገለጸ ።
ሚስተር በህም ፡ ንሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ፔኒ ዎንግ ፡ ነቲ ርክብ ብምክንኻን ምሃዛ ንኢዱ ።
ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኣውስትራልያ ሺያ ኩያን ንሃገራዊ ክለብ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ፡ ብዛዕባ ታይዋን ዝመጸ "ምልምላም የለን" ኢሉ ነይሩ ፣ 1.4 ቢልዮን ህዝቢ ሃገሩ ድማ መጻኢኡ ክውስን እዩ ።

Share

Published

Source: AAP, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service