ፈደራላዊ ምርጫ መዓልቲ ተውሲንሉ፣ ኣውስትራልያውያን ግንቦት 21፣ 2022 ናብ መድመጺ ነቑጣታት ከምርሑ'ዮም

ፈደራላዊ ምርጫ ኣውስትራያ ዕለት 21 ግንቦት 2022 ክኸውን ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ስኮት ሞሪሰን ገሊጹ።

The front entrance of Parliament House in Canberra, Tuesday, August 8, 2017. (AAP Image/Mick Tsikas) NO ARCHIVING

ኣዳራሽ ባይቶ ኣውስትራልያ፣ ካንቤራ Source: AAP

ኣውስትራልያ ሰለስተ ጋዕገልጠም ዝበዝሖም ዓመታት ኣብ ልዕሊ ቁጠባ፣ ጥዕና ሃገርን ግሎባዊ ጸጥታን ብምዝዛም 21 ግንቦት 2022 ዝቕጽል መንግስትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ንምምራጽ ድምጺ ክትህብ'ያ።

ስኮት ሞሪሰን ንባይቶ ኣውስትራልያ ክብትን ዘለዎ ድሌት ንምግላጽ ንሹመኛ ንግስቲ ኤሊዛቤጥ ጋቨርነር ጀነራል ደይቪድ ሀርሊ ኣብ መንበሪ መንግስቲ ከይዱ ድሕሪ ምሕባሩ እቲ ምርጫ ክካየድ ምዃኑ ኣፍሊጡ። 

ሚስተር ሞሪሰን ድሕሪ ጆን ሃዋርድ ኣብ መሪሕነት ስልጣን እንከሎ ክልተ ምርጫታት ዝተዓወተ ቀዳማይ ሚኒስተር ንምዃን እዩ ዝዕልም ዘሎ።

እንተኾነ ግን ተቓዋሚ ሰልፊ ለይበር ኣብ መለክዒ ርእይቶታት ህዝቢ ወይ ፖልስ ብቐጻሊ ካብ ሰነ 2021 ኣብ መሪሕነት ይርከብ፣ ኣብ'ዚ እዋን ከኣ ክልቲኤን ሰልፍታት ዝረኽብኦ ተዛማዲ ናይ ተመራጺ ድምጽታት ምስ ዝረአ ኣብ 55% ይርከብ።

ሚስተር ሞሪሰን ቀዳም ነዛ ሃገር ዘጋጠምዋ ተፈጥሮኣዊ ዕንወታት፣ ዘይርጉእ ሃዋህው ግሎባዊ ጸጥታን ቁጠባ ኣውስትራልያ ዝገጥምዎ ተኽእሎ ሓደጋታትን ብምምልካት ሓደ ቪድዮ ዘርጊሑ።

ንሱ ኣብ'ቲ መልእኽቱ "ኩሉ ግዜ መሰናኽላት የጋጥሙ'ዮም። ኩሉ ግዜ ምሉእ ዘይኮነ ሓበሬታ ይህልው'ዩ። ነገራት ከበድቲ ምዃኖም'የ ክገልጽ ደልየ ዘለኹ፣ ጽንኩራት ከኣ ኔሮም። ድርቂ ኔሩ፣ ምዕልቕላቓት ኔሮም፣ ባርዕ ሓዊ፣ ለበዳ ኮቪድ። ሕጂ ኸኣ ኲናት ኣሎ። ካብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝነበረሉ ግዜ ንንየው ዝያዳ ርግኣት ዘይብላ ዓለም ኢና ንነብርን ንመርሕን ዘለና።" ድሕሪ ምባል ሰልፉ ደጊሙ ክምረጽ ተማሕጺኑ።


Share

Published

Updated


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ፈደራላዊ ምርጫ መዓልቲ ተውሲንሉ፣ ኣውስትራልያውያን ግንቦት 21፣ 2022 ናብ መድመጺ ነቑጣታት ከምርሑ'ዮም | SBS Tigrinya