ኣብ ሊባኖስ ብመጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል 492 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም ኣውስትራሊያውያንን ካል ኦት ዜጋታትን ካብታ ሃገር ክወጹ ተሓቲቱ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፔኒ ዎንግ ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሕዝቦላህ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናዋ ፡ እዚ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ክይዓርግ ጻዊጲት ኣቕሪባ።

An elderly man is being carried on a stretcher by a group of volunteers.

Tens of thousands of people are fleeing southern Lebanon for safety amid ongoing Israeli airstrikes. Source: EPA / Wael Hamzeh

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ዒላማታት ሕዝቦላህ ደብዳብ ከም ዝጀመረት ብምግላጽ፡ በቲ መጥቃዕቲ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተታት ዓመታት ዘይተራእየ ብውሕዱ 492 ሰባት ከም ተቐትሉን ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህዝቢ ካብቲ መጥቃዕቲ ከም ዝሃደሙን ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ሓቢሮም ።
ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ እቲ ውግእ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ፡ ካብቲ ዝኸበደ ዶባዊ ምልውዋጥ ግጭት ምስ ኣጋጠመ ፡ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ንዝነብሩ ሰባት ካብቲ ኣጽዋር የዕጥቕ ከም ዘሎ ካብ እትገልጾም ቦታታት ክወጹ ኣጠንቂቓ ነይራ ።
ናስር ያሲን ዝበሃል ናይ ሊባኖስ ሚኒስተር ነቲ ናይ ቅልውላው ግብረ-መልሲ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ንሮይተርስ 89 ኣብ ኣብያተ-ትምህርትን ካልእ መሳለጥያታትን ግዝያዊ መዕቈቢ ከም እተበገሰ ሓበረ: በዚ ድማ ልዕሊ 26,000 ዝዀኑ ሰባት ካብቲ "መጥቃዕቲ እስራኤል" ከም ዝሃደሙ ሓበረ ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ ንሕዝቢ ሊባኖስ ሓጺር ናይ ቪድዮ መግለጺ ሰዲዱ ኣሎ ።
"ውግእ እስራኤል ምሳኹም ኣይኰነን ፡ ምስ ሕዝቦላህ እዩ ። ሕዝቦላህ ንነዊኅ እዋን ከም ዋልታ ሰብ ገይሩ ይጥቀመልኩም ነይሩ እዩ " ድማ በለ ።

ኣውስትራሊያዊያን ካብ ሊባኖስ ብህጹጽ ክወጹ ተሓቲቶም

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ፔኒ ዎንግ ፡ ግትኣትን ነቲ ኩነታት ክዝሕልን ጸዊዓ ኣላ ።
"እቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ምጥፋእ ሲቪላዊ ህይወትን ከምኡውን ናብ እስራኤል ዝመጽእ መጥቃዕትታትን ኣዝዩ የተሓሳስበና እዩ" በለት ።
"ብቐጻሊ እንብሎ ነገር ኣሎ ። ኣብዚ ዞባ እዚ ንዝህሉ ሰፊሕ ዞባዊ ግጭት ንዋላ ሓደ ዘርብሕ ኣይኮነን። "በለት ።
ኣብ ሊባኖስ ናይ ንግዲ በረራታት ደው ከይበለከሎ ኣውስትራሊያዊ ብቕልጡፍ ክወጽእ ኣለዎም ብምባል ሚንስተር ዎንግ ጸዊዓ።
ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ኣውስትራሊያዊያን ኣብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢን ናይ ንግዲ ቅልውላዋትን ክምዝገቡ ይኽእሉ ።

እስራኤል ኣብቲ ደቡባዊ ዶባ ዝርከብ ኣብ ቓዛ ምስ ሓማስ ንኣስታት ሓደ ዓመት ውግእ ድሕሪ ምክያዳ ፡ ናብ ሰሜናዊ ግምባር ብምጥዋይ ናብቲ ንሓማስ ንምድጋፍ ሮኬታት ዝትኩሰላ ሕዝቦላህ ነቲ ኲናት ኣቕኒዓቶ ትርከብ ።
ሰራዊት እስራኤል ኣብ ደቡብ ምብራቕን ሰሜንን ሊባኖስ ፡ ንህዝቦላህ ከም ዝወቕዖ ገሊጹ ኣሎ ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ፡ 35 ቘልዑ ዝርከብዎም 492 ሰባት ከም እተቐትሉን እንተ ወሓደ 1,200 ከም ዝቘሰሉን ገሊጹ ኣሎ ።
ሓደ ሊባኖስዊ ብዓል ስልጣን ፡ ካብ 1975-1990 ውግእ ሓድሕድ ጀሚሩ ብኸምዚ መጥቃዕቲ ካብ ዝሞቱ ሰባት እቲ ዝለዓለ መዓልታዊ ሞት ሊባኖስ ምዃኑ ገለጸ ።
እስራኤል ኣብቲ ደቡባዊ ዶባ ዝርከብ ኣብ ቓዛ ምስ ሓማስ ንኣስታት ሓደ ዓመት ውግእ ድሕሪ ምክያዳ ፡ ናብ ሰሜናዊ ግምባር ብምጥዋይ ናብቲ ንሓማስ ንምድጋፍ ሮኬታት ዝትኩሰላ ሕዝቦላህ ነቲ ኲናት ኣቕኒዓቶ ትርከብ ።
ሰራዊት እስራኤል ኣብ ደቡብ ምብራቕን ሰሜንን ሊባኖስ ፡ ንህዝቦላህ ከም ዝወቕዖ ገሊጹ ኣሎ ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ፡ 35 ቘልዑ ዝርከብዎም 492 ሰባት ከም እተቐትሉን እንተ ወሓደ 1,200 ከም ዝቘሰሉን ገሊጹ ኣሎ ።
ሓደ ሊባኖስዊ ብዓል ስልጣን ፡ ካብ 1975-1990 ውግእ ሓድሕድ ጀሚሩ ብኸምዚ መጥቃዕቲ ካብ ዝሞቱ ሰባት እቲ ዝለዓለ መዓልታዊ ሞት ሊባኖስ ምዃኑ ገለጸ ።

Share

Published

Updated

Source: Reuters, AAP

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service