ኣብ ሊባኖስ ብመጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል 492 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም ኣውስትራሊያውያንን ካል ኦት ዜጋታትን ካብታ ሃገር ክወጹ ተሓቲቱ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፔኒ ዎንግ ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሕዝቦላህ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናዋ ፡ እዚ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ክይዓርግ ጻዊጲት ኣቕሪባ።

An elderly man is being carried on a stretcher by a group of volunteers.

Tens of thousands of people are fleeing southern Lebanon for safety amid ongoing Israeli airstrikes. Source: EPA / Wael Hamzeh

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ዒላማታት ሕዝቦላህ ደብዳብ ከም ዝጀመረት ብምግላጽ፡ በቲ መጥቃዕቲ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተታት ዓመታት ዘይተራእየ ብውሕዱ 492 ሰባት ከም ተቐትሉን ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህዝቢ ካብቲ መጥቃዕቲ ከም ዝሃደሙን ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ሓቢሮም ።

ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ እቲ ውግእ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ፡ ካብቲ ዝኸበደ ዶባዊ ምልውዋጥ ግጭት ምስ ኣጋጠመ ፡ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ንዝነብሩ ሰባት ካብቲ ኣጽዋር የዕጥቕ ከም ዘሎ ካብ እትገልጾም ቦታታት ክወጹ ኣጠንቂቓ ነይራ ።

ናስር ያሲን ዝበሃል ናይ ሊባኖስ ሚኒስተር ነቲ ናይ ቅልውላው ግብረ-መልሲ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ንሮይተርስ 89 ኣብ ኣብያተ-ትምህርትን ካልእ መሳለጥያታትን ግዝያዊ መዕቈቢ ከም እተበገሰ ሓበረ: በዚ ድማ ልዕሊ 26,000 ዝዀኑ ሰባት ካብቲ "መጥቃዕቲ እስራኤል" ከም ዝሃደሙ ሓበረ ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ ንሕዝቢ ሊባኖስ ሓጺር ናይ ቪድዮ መግለጺ ሰዲዱ ኣሎ ።

"ውግእ እስራኤል ምሳኹም ኣይኰነን ፡ ምስ ሕዝቦላህ እዩ ። ሕዝቦላህ ንነዊኅ እዋን ከም ዋልታ ሰብ ገይሩ ይጥቀመልኩም ነይሩ እዩ " ድማ በለ ።

ኣውስትራሊያዊያን ካብ ሊባኖስ ብህጹጽ ክወጹ ተሓቲቶም

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ፔኒ ዎንግ ፡ ግትኣትን ነቲ ኩነታት ክዝሕልን ጸዊዓ ኣላ ።

"እቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ምጥፋእ ሲቪላዊ ህይወትን ከምኡውን ናብ እስራኤል ዝመጽእ መጥቃዕትታትን ኣዝዩ የተሓሳስበና እዩ" በለት ።

"ብቐጻሊ እንብሎ ነገር ኣሎ ። ኣብዚ ዞባ እዚ ንዝህሉ ሰፊሕ ዞባዊ ግጭት ንዋላ ሓደ ዘርብሕ ኣይኮነን። "በለት ።

ኣብ ሊባኖስ ናይ ንግዲ በረራታት ደው ከይበለከሎ ኣውስትራሊያዊ ብቕልጡፍ ክወጽእ ኣለዎም ብምባል ሚንስተር ዎንግ ጸዊዓ።

ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ኣውስትራሊያዊያን ኣብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢን ናይ ንግዲ ቅልውላዋትን ክምዝገቡ ይኽእሉ ።

እስራኤል ኣብቲ ደቡባዊ ዶባ ዝርከብ ኣብ ቓዛ ምስ ሓማስ ንኣስታት ሓደ ዓመት ውግእ ድሕሪ ምክያዳ ፡ ናብ ሰሜናዊ ግምባር ብምጥዋይ ናብቲ ንሓማስ ንምድጋፍ ሮኬታት ዝትኩሰላ ሕዝቦላህ ነቲ ኲናት ኣቕኒዓቶ ትርከብ ።

ሰራዊት እስራኤል ኣብ ደቡብ ምብራቕን ሰሜንን ሊባኖስ ፡ ንህዝቦላህ ከም ዝወቕዖ ገሊጹ ኣሎ ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ፡ 35 ቘልዑ ዝርከብዎም 492 ሰባት ከም እተቐትሉን እንተ ወሓደ 1,200 ከም ዝቘሰሉን ገሊጹ ኣሎ ።

ሓደ ሊባኖስዊ ብዓል ስልጣን ፡ ካብ 1975-1990 ውግእ ሓድሕድ ጀሚሩ ብኸምዚ መጥቃዕቲ ካብ ዝሞቱ ሰባት እቲ ዝለዓለ መዓልታዊ ሞት ሊባኖስ ምዃኑ ገለጸ ።

Share

3 min read

Published

Updated

Source: Reuters, AAP

Share this with family and friends

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now