SKIP TO MAIN CONTENT

ኢንዶነዥያ ካብ ሓዳር ወጻኢ ዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ብምእጋዳ ናብ ባሊ ዝኸዱ ጥንቃቐ ክገብሩ ምሕጽንታ ቐሪቡ።

ተጣበቕቲ ከም ዝገልጽዎ ፡ እዚ ስጉምቲ ትካላት መውስቦ ከም ዝከላኸል እዩ ፡ ነቐፍቲ ግና ኣብ ናጽነት እታ ሃገር ዓብዪ ዕንቅፋት ከም ዝዀነ ገይሮም ይሓስቡ ። ብዛዕባ ሓድሽ ገበናዊ ሕጊ ኢንዶነዥያ ክትፈልጦ ዘሎካ ነገራት ኣብዚ ተገሊጹ ኣሎ።

Capture.JPG
Credit: Source: AAP, Press Association / Sergi Reboredo/Alamy

1 min read

Published

Source: SBS


Skip to article content

ባይቶ ኢንዶነዥያ ፡ ካብ ሓዳር ወጻኢ ንዝግበር ጾታዊ ርክብ ብመቕጻዕቲ ክሳብ ሓደ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘጽንሕ ገበናዊ ሕጊ ኣጽዲቑ ኣሎ ፣ እዚ ኣብታ ኣብ ዓለም ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ዘላ ናይ ደሞክራሲ ሃገር፡ ንሲቪላዊ ነጻነት ዘዳኽም ምዃኑ ሓያስያን ዝገልጹዎ ሕጋዊ ለውጢ እዩ ።

ናብ ህቡባት ናይ ቱሪስት ቦታ ዝኾነ ባሊ ዝበጽሑ ነቲ ሕግታት ብጥንቃቐ ክከታተልዎ ኣለዎም ፡ እዚ ሓድሽ ኮድ ድማ ን ኢንዶነዥያውያንን ወጻእተኛታትን ዝምልከት እዩ ።

ብዘይካዚ ፡ እቲ ሓድሽ ሕጊ ፡ ኣብ መንጎ ዘይተመርዓዉ ጾታዊ ርክብ ንኸይፍጸም ዝኽልክል እዩ ። እቲ ሕጊ ካብ ኵለን ፖለቲካውያን ውድባት ደገፍ ዝረኸበ ኮይኑ፣ ካብ ንግዳውያን ጕጅለታት ግና ፡ ንበጻሕቲ ሃገር ዘስግእን ወፍሪ ኺጐድእን ከም ዝኽእል መጠንቀቕታ እኳ እንተ ተዋህበ ፡ እቲ መልእኽቲ ግና ተቐባልነት ኣይረኸበን ።

ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ኢንዶነዥያ ንዝሙት ዝቕይድ እምበር፡ ቅድሚ መርዓ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ግና ኣይክልከልን እዩ ጸኒሑ ።

ካልእ ኣብቲ ገበናዊ ሕጊ ዝተገልጸ ሓደስቲ ለውጥታት ድማ ፡ ምእጋድ ናይ ኣስማት (ማጂክ) ፡ ንፕረዚደንት ወይ ትካላት መንግስቲ ምጽራፍ ፡ ምስ ስነ-ሓሳብ መንግስቲ ዝጻረር ኣረኣእያ ምዝርጋሕ ፡ ከምኡ "ውን ተቓውሞታት ብዘይ ገለ ምኽንያት ምግባር ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now