ኢንዶነዥያ ካብ ሓዳር ወጻኢ ዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ብምእጋዳ ናብ ባሊ ዝኸዱ ጥንቃቐ ክገብሩ ምሕጽንታ ቐሪቡ።

ተጣበቕቲ ከም ዝገልጽዎ ፡ እዚ ስጉምቲ ትካላት መውስቦ ከም ዝከላኸል እዩ ፡ ነቐፍቲ ግና ኣብ ናጽነት እታ ሃገር ዓብዪ ዕንቅፋት ከም ዝዀነ ገይሮም ይሓስቡ ። ብዛዕባ ሓድሽ ገበናዊ ሕጊ ኢንዶነዥያ ክትፈልጦ ዘሎካ ነገራት ኣብዚ ተገሊጹ ኣሎ።

Capture.JPG

Credit: Source: AAP, Press Association / Sergi Reboredo/Alamy

ባይቶ ኢንዶነዥያ ፡ ካብ ሓዳር ወጻኢ ንዝግበር ጾታዊ ርክብ ብመቕጻዕቲ ክሳብ ሓደ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘጽንሕ ገበናዊ ሕጊ ኣጽዲቑ ኣሎ ፣ እዚ ኣብታ ኣብ ዓለም ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ዘላ ናይ ደሞክራሲ ሃገር፡ ንሲቪላዊ ነጻነት ዘዳኽም ምዃኑ ሓያስያን ዝገልጹዎ ሕጋዊ ለውጢ እዩ ።
ናብ ህቡባት ናይ ቱሪስት ቦታ ዝኾነ ባሊ ዝበጽሑ ነቲ ሕግታት ብጥንቃቐ ክከታተልዎ ኣለዎም ፡ እዚ ሓድሽ ኮድ ድማ ን ኢንዶነዥያውያንን ወጻእተኛታትን ዝምልከት እዩ ።
ብዘይካዚ ፡ እቲ ሓድሽ ሕጊ ፡ ኣብ መንጎ ዘይተመርዓዉ ጾታዊ ርክብ ንኸይፍጸም ዝኽልክል እዩ ። እቲ ሕጊ ካብ ኵለን ፖለቲካውያን ውድባት ደገፍ ዝረኸበ ኮይኑ፣ ካብ ንግዳውያን ጕጅለታት ግና ፡ ንበጻሕቲ ሃገር ዘስግእን ወፍሪ ኺጐድእን ከም ዝኽእል መጠንቀቕታ እኳ እንተ ተዋህበ ፡ እቲ መልእኽቲ ግና ተቐባልነት ኣይረኸበን ።
ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ኢንዶነዥያ ንዝሙት ዝቕይድ እምበር፡ ቅድሚ መርዓ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ግና ኣይክልከልን እዩ ጸኒሑ ።

ካልእ ኣብቲ ገበናዊ ሕጊ ዝተገልጸ ሓደስቲ ለውጥታት ድማ ፡ ምእጋድ ናይ ኣስማት (ማጂክ) ፡ ንፕረዚደንት ወይ ትካላት መንግስቲ ምጽራፍ ፡ ምስ ስነ-ሓሳብ መንግስቲ ዝጻረር ኣረኣእያ ምዝርጋሕ ፡ ከምኡ "ውን ተቓውሞታት ብዘይ ገለ ምኽንያት ምግባር ።

Share

Published

Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service