ዓቕሚ ፓስፖርት ሃገራት ተገሊጹ፡ ናይ ኣመሪካን እንግሊዝን ፓስፖርት ንድሕሪት ኣንቆልቊሉ፡ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከ፧

ኣብ ውሽጢ 20 ዓመት ፡ ናይ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ፓስፖርት ንፈለማ እዋን ካብቶም ኣብ ዓለም ዝለዓለ ሓይሊ ዘለዎም ዓሰርተ ፓስፖርት ንታሕቲ ኣንቆልቊሉ ።

A composite image showing an Australian passport in the right field, while a hand holds aloft the United Kingdom passport in front of an American flag.

The United States and the United Kingdom have slipped on the global passport index. Source: Getty / Narvikk / Leon Neal / Staff / Mario Tama

ፓስፖርት ኣውስትራልያ ኣብ ዓለም ካብቶም ዝሓየሉ ሓደ ኮይኑ። ብመሰረት ሓድሽ መስርዕ ፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመት ንፈለማ ግዜ ካብቶም ዓሰርተ ዝለዓሉ ሓይሊ ዘለዎም ፓስፖርትታት ንታሕቲ ወሪዱ ተረኺቡ ።

ፓስፖርት ኣውስትራልያ ኣብ ዓለም እቲ ዝሓየለ ኮይኑ ፡ ብመሰረት ሓድሽ መስርዕ ፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመት ንፈለማ ግዜ ካብቶም ዓሰርተ ዝለዓሉ ሓይሊ ዘለዎም ፓስፖርትታት ንታሕቲ ወሪዱ ተረኺቡ ።
ናይ ሀንለይ ፓስፖርት ኢንደክስ ርብዒ ዓምታዊ-ሰልሳ ዝገብር ኮይኑ ናይ ዓለም ፓስፖርት ሒዝካ ብዘይ ቪዛ ክትበጽሃሎም ትኽእል ብዝሒ ሃገራት ኣብ ግምት ኣእትዩ እዩ ዝሰርዕ ።
ኣብዚ ናይ ቀረባ ግዜ ናይ ኣውስትራሊያ ፓስፖርት ካብቶም ዝለዓሉ 10 ሓያላት ፓስፖርት ተሰሪዑ ኣብ ጎድኒ ቼክያ ፡ ማልታን ፖላንድን ኣብ ሻውዓይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ ።
ብናይ ኣውስትራሊያ ፓስፖርት ቪዛ ን185 ሃገራት ናይ ምእታው ፍቓድ ዘውህብ ኮይኑ ቅድሚ እዚ ዓመት ካብ ሻድሻይ ደረጃ ናብ ሻውዓይ ደረጃ ሒዙ ኣሎ ።

ፓስፖርት ኣመሪካ ካብቶም ዝለዓሉ 10 ሓያላት ፕስፖርት ንታሕቲ ኮይኑ

እቲ ብሪጣንያዊ ናይ ምኽሪ ትካል ሄንሊ ኤንድ ፓርትነርስ ኣመልካቲቶ ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ኣብዓቕሚ ፓስፖርት ገለ ዓበይቲ ለውጢታት ዝከታተል እዩ ።
ኣብ ሓምለ ናይ መወዳእታ ጸብጻባ ካብ ዘቕርብ ንደሓር ፡ ፓስፖርት ዩናይትድ ኪንግደም ካብ ሻድሻይ ናብ ሻምናይ ደረጃ ክወርድ ከሎ ፡ ኣመሪካ ግን ምሉእ ብምሉእ ካብ ዝለዓለ 10 ደረጃ ወሪዳ ኣላ ።
እቲ ፓስፖርት ኣመሪካ ኣብ 2014 ኣብ ሓደ እዋን ቁጽሪ ሓደ ተሰሪዑ ዝነበረ ፡ ሕጂ ምስ ማለዥያ ብምምዕርራይ ናብ መበል 12 ደረጃ ወሪዱ ተረኺቡ ።
ናይ ክልቲአን ሃገራት ፓስፖርት ብዘይ ቪዛ ናብ 180 ሃገራት ምእታው የኽእል ።
ኣብቲ ናይ 20 ዓመት ታሪኽ ኣመልካቲ ፡ ኣመሪካ ካብ ላዕለዎት 10 ሓያላት ፓስፖርት ወሪዱ ኣሎ።
A chart revealing the top eight most powerful passports ranked by the number of countries they can access without a visa. Singapore is at the top of the list and Australia is seventh.
Access indicates how many countries holders of a specific passport can enter visa-free. Source: SBS
ናይ ሄንሊ ኤንድ ፓርትነርስ ኢንደክስ ኣቦ መንበር ክርስትያን ካሊን እቲ ናይ ሄንሊ ፓስፖርት ኢንደክስ እቲ ለውጢ ንእሽቶ እኳ እንተ መሰለ: ሳዕቤኑ ግን ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሉ ።
ንሱ ኣብ መግለጺኡ ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ዝነበረ ምንቁልቋል ሓይሊ ናይ ኣመሪካ ፓስፖርት ፡ ምቅይያር ጥራይ ኣይኰነን" በለ ።
" እተን ግሉጽነትን ምትሕብባርን ዘለወን ሃገራት ንቕድሚት ክስጕማ ከለዋ ፡ እተን ኣብ ዝሓለፈ ፍሉይ ቅድመ ኩነታት ዘቐምጣ ሃገራት ግና ንድሕሪት ይተርፋ ኣለዋ "በለ ።

ብፓስፖርት ኣመሪካ ብዘይ ቪዛ ናብ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም ክትኣቱ ትኽእል እኳ እንተ ኰነ ፡ ነቶም ካብ 46 ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ሰባት ጥራይ እያ ብዘይ ቪዛ-ተእቱ፣ እዚ ድማ እቲ ዝሰፍሐ ጋግ ናይ ምቕባል ቪዛ ብምግባር ካልኣይቲ ድሕሪ ኣውስትራልያ ጥራይ እዩ ።

ብዓቕሚ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዑ ዘሎ ፓስፖርት ናይ ሲንጋፖር ኮይኑ፡ ነዚ ፓስፖርት ዝሓዙ ብዘይ ቪዛ ናብ 193 ሃገራት ክኣትዉ ይኽእሉ። ብድሕሪኡ ናይ ደቡብ ኮርያ፡ ጃፓን ጀርመንን ብተኸታታሊ ብዓቕሚ ኣብዝለዓሉ ተሰሪዖም ዘለዉ ፓስፖርት ሃገራት እዮም። ኣብ መወዳእታ ኣብ መበል 106 ተሰሪዑ ዝርከብ ፓስፖርት ናይ ኣፍጋኒስታን ኮይኑ፡ ናይ ሶማል ኣብ መበል 102፡ ናይ ኤርትራ፡ ሊብያን ምምሕዳር ፍልስጢኤምን ብዓቕሚ ፓስፖርት ሃገራት ንሰሜን ኮርያ ብሓደ ነጥቢ ብምቕዳም ኣብ መበል 99 ተሰሪዖም ዘለዉ ፓስፖርትታት እዮም። ፓስፖርት ኢትዮጵያ ምስ ናይ ሊባኖስ ኣብ መበል 96 ተሰሪዖም ይርከቡ።
ፓስፖርት ኤርትራ ሒዝካ ናብ 39 ሃገራት ብዘይ ቪዛ ክትጎዓዝ ዝከኣል ኮይኑ፡ ብናይ ኢትዮጵያ ፓስፖርት ድማ ብዘይ ቪዛ ናብ 44 ሃገራት ክትጓዓዝ ይከኣል እዩ።

ሲንጋፖር ንሳልሳይ ተኸታታሊ ዓመት ቀዳመይቲ ክትከውን ብምኽኣላ ፣ ነዚ ፓስፖርት ዝሓዙ ሰባት ድማ ብዘይ ቪዛ ናብ 193 ሃገራት ኽጐዓዙ ይኽእሉ እዮም ።
ኣፍጋኒስታን ዳግማይ ኣብ መወዳታ ናይ "ቲ ዝርዝር ተሰሪዓ፡ ንዚ ፓስፖርት ዝሓዙ ሰባት ብዘይ ቪዛ ናብ 24 ሃገራት ጥራይ ክኣትዉ ይኽእሉ ።
እቲ መሐበሪ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበር መጓዓዝያ ኣየር ፣ ዓለምለኻዊ ማዕከን ሓበሬታ መገሻ ኣብ ዘቕረቦ ኣሃዛት ዝተወስደ እዩ ።


For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.

Share

Published

By Arielle Richards
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service