ፓስፖርት ኣውስትራልያ ኣብ ዓለም ካብቶም ዝሓየሉ ሓደ ኮይኑ። ብመሰረት ሓድሽ መስርዕ ፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመት ንፈለማ ግዜ ካብቶም ዓሰርተ ዝለዓሉ ሓይሊ ዘለዎም ፓስፖርትታት ንታሕቲ ወሪዱ ተረኺቡ ።
ፓስፖርት ኣውስትራልያ ኣብ ዓለም እቲ ዝሓየለ ኮይኑ ፡ ብመሰረት ሓድሽ መስርዕ ፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመት ንፈለማ ግዜ ካብቶም ዓሰርተ ዝለዓሉ ሓይሊ ዘለዎም ፓስፖርትታት ንታሕቲ ወሪዱ ተረኺቡ ።
ናይ ሀንለይ ፓስፖርት ኢንደክስ ርብዒ ዓምታዊ-ሰልሳ ዝገብር ኮይኑ ናይ ዓለም ፓስፖርት ሒዝካ ብዘይ ቪዛ ክትበጽሃሎም ትኽእል ብዝሒ ሃገራት ኣብ ግምት ኣእትዩ እዩ ዝሰርዕ ።
ኣብዚ ናይ ቀረባ ግዜ ናይ ኣውስትራሊያ ፓስፖርት ካብቶም ዝለዓሉ 10 ሓያላት ፓስፖርት ተሰሪዑ ኣብ ጎድኒ ቼክያ ፡ ማልታን ፖላንድን ኣብ ሻውዓይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ ።
ብናይ ኣውስትራሊያ ፓስፖርት ቪዛ ን185 ሃገራት ናይ ምእታው ፍቓድ ዘውህብ ኮይኑ ቅድሚ እዚ ዓመት ካብ ሻድሻይ ደረጃ ናብ ሻውዓይ ደረጃ ሒዙ ኣሎ ።
ፓስፖርት ኣመሪካ ካብቶም ዝለዓሉ 10 ሓያላት ፕስፖርት ንታሕቲ ኮይኑ
እቲ ብሪጣንያዊ ናይ ምኽሪ ትካል ሄንሊ ኤንድ ፓርትነርስ ኣመልካቲቶ ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ኣብዓቕሚ ፓስፖርት ገለ ዓበይቲ ለውጢታት ዝከታተል እዩ ።
ኣብ ሓምለ ናይ መወዳእታ ጸብጻባ ካብ ዘቕርብ ንደሓር ፡ ፓስፖርት ዩናይትድ ኪንግደም ካብ ሻድሻይ ናብ ሻምናይ ደረጃ ክወርድ ከሎ ፡ ኣመሪካ ግን ምሉእ ብምሉእ ካብ ዝለዓለ 10 ደረጃ ወሪዳ ኣላ ።
እቲ ፓስፖርት ኣመሪካ ኣብ 2014 ኣብ ሓደ እዋን ቁጽሪ ሓደ ተሰሪዑ ዝነበረ ፡ ሕጂ ምስ ማለዥያ ብምምዕርራይ ናብ መበል 12 ደረጃ ወሪዱ ተረኺቡ ።
ናይ ክልቲአን ሃገራት ፓስፖርት ብዘይ ቪዛ ናብ 180 ሃገራት ምእታው የኽእል ።
ኣብቲ ናይ 20 ዓመት ታሪኽ ኣመልካቲ ፡ ኣመሪካ ካብ ላዕለዎት 10 ሓያላት ፓስፖርት ወሪዱ ኣሎ።

Access indicates how many countries holders of a specific passport can enter visa-free. Source: SBS
ንሱ ኣብ መግለጺኡ ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ዝነበረ ምንቁልቋል ሓይሊ ናይ ኣመሪካ ፓስፖርት ፡ ምቅይያር ጥራይ ኣይኰነን" በለ ።
" እተን ግሉጽነትን ምትሕብባርን ዘለወን ሃገራት ንቕድሚት ክስጕማ ከለዋ ፡ እተን ኣብ ዝሓለፈ ፍሉይ ቅድመ ኩነታት ዘቐምጣ ሃገራት ግና ንድሕሪት ይተርፋ ኣለዋ "በለ ።
ብፓስፖርት ኣመሪካ ብዘይ ቪዛ ናብ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም ክትኣቱ ትኽእል እኳ እንተ ኰነ ፡ ነቶም ካብ 46 ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ሰባት ጥራይ እያ ብዘይ ቪዛ-ተእቱ፣ እዚ ድማ እቲ ዝሰፍሐ ጋግ ናይ ምቕባል ቪዛ ብምግባር ካልኣይቲ ድሕሪ ኣውስትራልያ ጥራይ እዩ ።
ብዓቕሚ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዑ ዘሎ ፓስፖርት ናይ ሲንጋፖር ኮይኑ፡ ነዚ ፓስፖርት ዝሓዙ ብዘይ ቪዛ ናብ 193 ሃገራት ክኣትዉ ይኽእሉ። ብድሕሪኡ ናይ ደቡብ ኮርያ፡ ጃፓን ጀርመንን ብተኸታታሊ ብዓቕሚ ኣብዝለዓሉ ተሰሪዖም ዘለዉ ፓስፖርት ሃገራት እዮም። ኣብ መወዳእታ ኣብ መበል 106 ተሰሪዑ ዝርከብ ፓስፖርት ናይ ኣፍጋኒስታን ኮይኑ፡ ናይ ሶማል ኣብ መበል 102፡ ናይ ኤርትራ፡ ሊብያን ምምሕዳር ፍልስጢኤምን ብዓቕሚ ፓስፖርት ሃገራት ንሰሜን ኮርያ ብሓደ ነጥቢ ብምቕዳም ኣብ መበል 99 ተሰሪዖም ዘለዉ ፓስፖርትታት እዮም። ፓስፖርት ኢትዮጵያ ምስ ናይ ሊባኖስ ኣብ መበል 96 ተሰሪዖም ይርከቡ።
ፓስፖርት ኤርትራ ሒዝካ ናብ 39 ሃገራት ብዘይ ቪዛ ክትጎዓዝ ዝከኣል ኮይኑ፡ ብናይ ኢትዮጵያ ፓስፖርት ድማ ብዘይ ቪዛ ናብ 44 ሃገራት ክትጓዓዝ ይከኣል እዩ።
ሲንጋፖር ንሳልሳይ ተኸታታሊ ዓመት ቀዳመይቲ ክትከውን ብምኽኣላ ፣ ነዚ ፓስፖርት ዝሓዙ ሰባት ድማ ብዘይ ቪዛ ናብ 193 ሃገራት ኽጐዓዙ ይኽእሉ እዮም ።
ኣፍጋኒስታን ዳግማይ ኣብ መወዳታ ናይ "ቲ ዝርዝር ተሰሪዓ፡ ንዚ ፓስፖርት ዝሓዙ ሰባት ብዘይ ቪዛ ናብ 24 ሃገራት ጥራይ ክኣትዉ ይኽእሉ ።
እቲ መሐበሪ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበር መጓዓዝያ ኣየር ፣ ዓለምለኻዊ ማዕከን ሓበሬታ መገሻ ኣብ ዘቕረቦ ኣሃዛት ዝተወስደ እዩ ።