ደራሲን ጋዜጠኛን ተስፋዬ ገብረኣብ ኣብ መበል 53 ዓመት ዕድሚኡ ዓሪፉ።

ተስፋየ ገብረኣብ ብዙሕ መጻሕፍትን ዓንቀጻትን ዝጸሓፈ ቅዲ ኣዘናትውኡን ዝፍተወሉንጸሓፊ’ዩ ኔሩ።

News

Tesfaye Ghebreab Source: Getty Images

ኣብ 1988 ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቱ ምስ ዛዘመ፡ ምስ ሰራዊት ደርጊ ተሰሊፉ ጋዜጠኛ ዓውደ ኵናት ኮይኑ እናሰርሐ ብሰራዊት ኢህወደግ ከምእተማረኸ ንድሕረ ባይትኡ ኣብ ዝነግር ኣብታ ባዕሉ ዝጸሓፋ “የጋዜጠኛው ማስታወሻ” ተሰኒዱ ኣሎ። ኢህወደግ ኣብ 1991 ንመላእ ኢትዮጵያ ምስ ተቖጻጸራ ኣብ መደበር ረድዩን ተለቪዥንን ኢትዮጵየ ብሓላፍነት ኣገልጊሉ። ኣካያዲን ኣሰናዳእን “ እፎይታ” ዝተባህለት መጽሔት ኔሩ። ህወሓት ኣብ ቃልሲ ንዘካየዶ ቅያታት ዝነግር "ተራሮችን ያንቀጠቀጠ ትውልድ" ዘርእስቱ ተኸታታሊ መጻሕፍቲ እውን ኣሕቲሙ።

ተስፋዬ ኣብ ዝተፈለላየ ትካላት መንግስቲ ኢህወደግ፡ ብሓላፍነት ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን ቅሬታ ብምሕዳሩ ሓያሎ ምስጢራት እቲ ስርዓት ዘቓልዕ ኣብተን "የጋዜጠኛው ማስታወሻ" ን "የደራሲው ማስታወሻ" ዝብላ ብኣምሓርኛ ዘሕተመን መጻሕፍቱ ኣቃሊዑ።

 ተስፋዬ ናብታ መበቆል ዓዱ ናብ ኤርትራ ካብዝኸደሉ ኣትሒዙ ኣብ መጻሕፍቲ ምጽሓፍን ምሕታምን ዘሐፎ ኮይኑ፡ "የኑረነቢ ማህደር፡ ከምኡ'ውን፡ የትራቮሎ ዋሻ" ኣብ ዝሰመየን መጻሕፍቱ ብዛዕባ ታሪኽ ኤርትራን ኤርትራውያንን ዘዘንትዋ መጻሕፍቲ ጽሒፉ። እታ "የኑረነቢ ማህደር” እትብል መጽሓፉ ብትግርኛ ዝተተርጎመት ኮይና ኣብዚ ቅሩብ እዋን ብ ኣለምሰገድ ተስፋይ ናብ ቋንቋ እንግሊዝ ተተርጒማ ኣላ።

 ብመሰረት ጸብጻብ ቢቢሲ፡  ጋዜጠኛን ደራስን ተስፋዬ ገብረኣብ፡ ብዘጋጠሞ ውሽጣዊ ሕማማት ኣብ ናይሮቢ ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ ብዓርቢ 24 ታሕሳስ'ዩ ዓሪፉ።

ካብተን ንመጽሓፍ ዝበቕዓ ስርሓቱ፡ የቡርቃ ዝምታ፡ ያልተመለሰው ባቡር፥ የቢሾፍቱ ቆሪጦች፥ የጋዜጤኛው ማስታወሻ፡ የደራሲው መስታወሻ፥ የስደተኛው ማስታወሻ ይርከባኤን።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ደራሲን ጋዜጠኛን ተስፋዬ ገብረኣብ ኣብ መበል 53 ዓመት ዕድሚኡ ዓሪፉ። | SBS Tigrinya