ኣብ 1988 ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቱ ምስ ዛዘመ፡ ምስ ሰራዊት ደርጊ ተሰሊፉ ጋዜጠኛ ዓውደ ኵናት ኮይኑ እናሰርሐ ብሰራዊት ኢህወደግ ከምእተማረኸ ንድሕረ ባይትኡ ኣብ ዝነግር ኣብታ ባዕሉ ዝጸሓፋ “የጋዜጠኛው ማስታወሻ” ተሰኒዱ ኣሎ። ኢህወደግ ኣብ 1991 ንመላእ ኢትዮጵያ ምስ ተቖጻጸራ ኣብ መደበር ረድዩን ተለቪዥንን ኢትዮጵየ ብሓላፍነት ኣገልጊሉ። ኣካያዲን ኣሰናዳእን “ እፎይታ” ዝተባህለት መጽሔት ኔሩ። ህወሓት ኣብ ቃልሲ ንዘካየዶ ቅያታት ዝነግር "ተራሮችን ያንቀጠቀጠ ትውልድ" ዘርእስቱ ተኸታታሊ መጻሕፍቲ እውን ኣሕቲሙ።
ተስፋዬ ኣብ ዝተፈለላየ ትካላት መንግስቲ ኢህወደግ፡ ብሓላፍነት ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን ቅሬታ ብምሕዳሩ ሓያሎ ምስጢራት እቲ ስርዓት ዘቓልዕ ኣብተን "የጋዜጠኛው ማስታወሻ" ን "የደራሲው ማስታወሻ" ዝብላ ብኣምሓርኛ ዘሕተመን መጻሕፍቱ ኣቃሊዑ።
ተስፋዬ ናብታ መበቆል ዓዱ ናብ ኤርትራ ካብዝኸደሉ ኣትሒዙ ኣብ መጻሕፍቲ ምጽሓፍን ምሕታምን ዘሐፎ ኮይኑ፡ "የኑረነቢ ማህደር፡ ከምኡ'ውን፡ የትራቮሎ ዋሻ" ኣብ ዝሰመየን መጻሕፍቱ ብዛዕባ ታሪኽ ኤርትራን ኤርትራውያንን ዘዘንትዋ መጻሕፍቲ ጽሒፉ። እታ "የኑረነቢ ማህደር” እትብል መጽሓፉ ብትግርኛ ዝተተርጎመት ኮይና ኣብዚ ቅሩብ እዋን ብ ኣለምሰገድ ተስፋይ ናብ ቋንቋ እንግሊዝ ተተርጒማ ኣላ።
ብመሰረት ጸብጻብ ቢቢሲ፡ ጋዜጠኛን ደራስን ተስፋዬ ገብረኣብ፡ ብዘጋጠሞ ውሽጣዊ ሕማማት ኣብ ናይሮቢ ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ ብዓርቢ 24 ታሕሳስ'ዩ ዓሪፉ።
ካብተን ንመጽሓፍ ዝበቕዓ ስርሓቱ፡ የቡርቃ ዝምታ፡ ያልተመለሰው ባቡር፥ የቢሾፍቱ ቆሪጦች፥ የጋዜጤኛው ማስታወሻ፡ የደራሲው መስታወሻ፥ የስደተኛው ማስታወሻ ይርከባኤን።