Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE starting June 12 2026

ደቡባዊ በይሩት ብመጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ይድብደብ ኣሎ፡ ዛጊት ካብ ዝተገብረ ደብዳብ እቲ ዝኸበደ እዩ ተባሂሉ።

እቲ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ከባቢታ በይሩት እተካይዶ ዘላ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ፡ ዛጊት ንርእሰ ከተማ ሊባኖስ ዝሃረመ ኣዝዩ ዝኸበደ ደብዳብ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ ።

Israeli airstrikes hit southern Beirut suburb
The weekend strikes came ahead of anniversary of October 7 Hamas attack on Israel. Source: EPA / Ugur Can

መጥቃዕትታት ኣየር እስራኤል ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ተባሂሉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝጀመረ ኣብ ሊባኖስ ዝግበር ዘሎ ኲናት ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ንነጀው ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል በይሩት እቲ ኣዚዩ ጽዑቕ ደብዳብ ነፈርቲ ተኻይዱ ።

ቀዳም ለይቲ ከምኡ 'ውን ሰንበት ንግሆ (ብናይቲ ከባቢ ሰዓት) ፡ ኣብ መላእ በይሩት ከቢድ ናይ ተዂሲ ድምጺ ተሰሚዑ ፡ ካብ ገለ ኪሎሜተራት ርሒቑ ድማ ንኣስታት 30 ደቓይቕ ዝጸንሐ ቀዪሕን ጻዕዳን ሕብሪ ዘለዎ ሃልሃልታ ተራእዩ ።

እቲ መጥቃዕቲ ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ በይሩት ዝፈነወቶ መጥቃዕቲ ፡ ክሳዕ ሕጂ ዝዓበየ ምዃኑ ፡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ተንተንቲ ወተሃደራትን ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከባ ተለቪዥንታት ገሊጾም ።

ብሰንበት ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ሓሙኽሽታይ ግመ ኣንጠጥዩ ኣምስዩ ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እቲ ከባቢ ድማ ፡ ኣዕኑድ ትኪ ተላዒሉ ።

Charred cars at the site of an Israeli airstrike in Dahiyeh, Beirut.
Charred cars at the site of an Israeli airstrike in Dahiyeh, Beirut. Source: AP / Bilal Hussein / AP

ብመሰረት ኣገልግሎት ጥዕና ሊባኖስ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ፡ እስራኤላውያን ብዘካየዱዎ ደብዳብ ልዕሊ 2000 ሰባት ተቐቲሎም እዮም ።

እቲ ሚኒስትሪ ብተወሳኺ ብቀዳም 23 ሰባት ከም እተቐትሉ ሓቢሩ እዩ ።

እስራኤል ኣብ መላእ ሊባኖስ መጥቃዕቲ እተካይደሉን ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ እታ ሃገር ወራር እተካይደሉን ዘላ ምኽንያት ፡ እቲ ብ ኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህ ዝበሃል ሊባኖሳዊ ዕጡቕ ጉጅለ እዩ ።

ይኹን እምበር ፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ስደተኛታት ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ ነፈርቲ እስራኤል ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ ብምውቓዕን ኣብ ሊባኖስ ሰላማውያን ሰባት ብምቕታልን ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጠሓሳሉ "ብዙሕ ኣጋጣሚታት" ከም ዘሎ ገሊጹ ።

እስራኤል ንወተሃደራዊ መሳለጥያታት ዒላማ ከም እትገብረን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝወርድ ጕድኣት ንምክልኻል ዘኽእል ስጕምትታት ከም እትወስድን ክትገልጽ ከላ ፡ ሰበ-ስልጣን ሊባኖስ ግን ንሰላማዊያን ሰባት ዒላማ ከም ዝዀኑ እዮም ዝገልጹ ።

እስራኤል ፡ ሕዝቦላህን ሓማስን ኣብ መንጎ ሰላማውያን ሰባት ተሓቢኦም ከም ዝነበሩ ትኸስስ ፣ ንሳቶም ግን ነዚ ይኽሕዱ ።

እስራኤል ኣብ ጋዛ እተካይዶ ዘላ ውግእ ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ጥቅምቲ 7 እተፈነወ መጥቃዕትን ነቲ ብኢራን ዝድገፍ ሓማስ ዝበሃል ካልእ ጕጅለ ንምጥፋእ ዝዓለመ መጥቃዕትን ምዃኑ ትገልጽ። በቲ መጥቃዕቲ ኣስታት 42,000 ሰባት ኣብቲ ቓዛ ከም ተቐትሉ ፡ ሰብ መዚ ፍልስጤም ይሕብሩ ።


2 min read

Published

Source: AAP




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now