SKIP TO MAIN CONTENT

ነበር ፕረሲደንት የመን ዓሊ ዓብዱላህ ሳላሕ ተቐቲሉ፡ ኣብ የመን ዘሎ ኩነታት ካብ ዝኸፍኤ ናብ ዝገደደ ቅልውላው ይኣቱ።

ብሮኬት RPG ድርዕቲ መኪና ንሚስተር ሳላሕ ትዕጅብ ዝነበረት ኣብ ማእከል ሰንዓ ደው ድሕሪ ምባል ተኩሶም ቀቲሎሞ።

Yemen
Abdulah Saleh Source: AAP

1 min read

Published

By Beyene Semere


Skip to article content

እቲ ወዲ 75 ዓመት ፕረሲደንት የመን ዝነበረ ብቐዳም ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ነቲ ብኢራን ዝድገፍ ምሊሻ ሖቲ ሓዲጉ ምስቲ ብሱዕዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ከምዝወገነ ገሊጹ ነይሩ። “ምስቲ ብስዕዲ ዝምራሕ ጥምረት ወጊነ ንሓዲሽ ም ዕራፍ ድሉው ኣለኹ፡” ብምባል ነቲ ናይ ሖቲ ጉጅለ ድማ “ዕልዋ ዝገበረ ሚሊሻ” ክብል ኣቃሊልዎ። በዚ ድማ ንሳቶም ጠላም ብምባል ከሲሶሞ።

ምንጭታት ካብ ወገን ሖቲ  ከምዝሓበርዎ፡  ብሮኬት RPG ድርዕቲ መኪና ንሚስተር ሳላሕ  ትዕጅብ  ዝነበረት  ኣብ ማእከል ሰንዓ ደው ድሕሪ ምባል  ተኩሶም ቀቲሎሞ።

ምንጪታት ካብ ናይ ሰልፊ ወገን ሚስተር ሳላሕውን ኣብቲ ናቱ ቃፍላይ ብዝተገብረ መጥቃዕቲ ተቐቲሉ።

ናይ ሖቲ መዲያ ከምዝገለጽዎ፡ ሚስተር ሳላሕ ብክፍለ ሃገር ማሪብ ኣቢሉ  ናብ ሱዕዲ ዓረብ ክሃድም ፈቲኑ’ዩ ተቐቲሉ።

ደገፍቲ ሖቲ ናብ ጽርጊያታት ሰንዓ ብምውጻእ ሓጎሶም ክገልጹ ኣምሲዮም ኣለዉ፡፣

ሚስተር ኣልሖቲ ብወገኑ ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ጉጅለ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዘወንጨፎ ሚሳይል እዚ መልእኺቲ ንጸላእትና እዩ ኢሉ ብምምጓስ፡ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ድማ ኣብተን ኣብ ሊዕሊ የመን መጥቃዕቲ ዝፍንዋ ዘለዋ ሱዕዲ ዓረብ ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን ካልኦትን  ከየውፍሩ ኣጠንቂቑ።

መንግስቲ ኤርትራ ትማሊ ንሚስተር ዓብደላ ሳላሕ ናብ ወገን በዓል ሱዕዲ ስለዝወገነ ብሓንቲ ሓሳብ ‘ናይ ጽቡቕ ስጉምቲ ወሲድካ’ መልእክቲ ኣመሓላሊፍሉ ነይሩ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now