ትማሊ ሚሸት ቤት ምኽሪ ሚንስተራት ኢትዮጵያ ኣብዝገበሮ ህጹጽ ኣኼባ፡ ሕገመንግስቲን ስርዓትን ንምሕላው ኣብ ዝቐረበ አማመ ተመያይጡ፡ ካብ ሎሚ ኣትሒዙ ንዘይተወሰነ እዋን ዝጸንሕ ናይ ህጹጽ ኩነታት እዋን ኣዊጁ።
በዚ መሰረት፡ ሕገ መንግስቲን ስርዓቱን ካብ ሓደጋ ንምሕላው ፥ ናይ ህዝቢታት ሰላምን ድሕነትን ናይ ህዝቢታት ሓድነትን ማዕርነትን ንምርግጋጽ፥ ዜጋታት ብነጻነት ንምንቅስቓስ ኣብዝመረጽዎ ክነብሩን ክህብትሙን ሕገ መንግስታዊ መሰሎም ናይ ምሕላው ሓላፍነት ክህልዎ እዩ ይብል እቲ ተኣዊጁ ዘሎ ናይ ህጹጽ ኩነታት ኣዋጅ።
እዚ ኣዋጅ ዝመጽእ ዘሎ ቀዳማይ ሚንስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ስልጣኑ ክገድፍ ምዃኑን ኢህወደግን ሰልፉን ንዘቕረቦ ጠለብ ምስተቐበልዎን እዩ።
Share

