SKIP TO MAIN CONTENT

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብምኽንያት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝሰጠመት መርከብ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ልዕሊ 40 መናእሰይ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ።

ቁፅሮም 60 ዝኾኑ ስደተኛታት ንስዑዲ ዓረብ ንምሽጋር እንትምኩሩ ብዘጋጠሞም ጃልባ ናይ ምስማጥ ሓደጋ ሂወቶም ሲኢኖም ኣለዉ። ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ወይዘሮ የወይንእሸት ዘላለም ንፋና ብሮድ ካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልኡ፥ ቤተሰብ ብምኽንያት እቲ ሓደጋ ህይወቶም ዝሰኣኑ 43 መናእሰይ ትማሊን ሎሚ መዓልቲን ተረዲኦም እዮም።

News
Source: AFP

2 min read

Published

By Tsegay Kinfe


Skip to article content

እቶም ካብ ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታን ሳዕሲዕ ፃዕዳ እምባን ብምብጋስ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝጓዓዙ ዝነበሩ መናእሰይ፥ ኣብ መንጎ ከባቢ የመንን ጅቡትን ኣብ ዘሎ ባሕሪ ምስ በፅሑ እዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም።

ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ወይዘሮ የወይንእሸት ዘላለም ንፋና ብሮድ ካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልኡ፥ ቤተሰብ ብምኽንያት እቲ ሓደጋ ህይወቶም ዝሰኣኑ 43 መናእሰይ ትማሊን ሎሚ መዓልቲን ተረዲኦም እዮም።

ከም ኣገላልፃ እተን ሓላፊት፥ ስነስርዓት ግፍዒ(ምግላፅ ሓበራዊ ሓዘን ድሕሪ ቀብሪ) እውን ብሓባር ተፈፂሙ ኣሎ።

ፅባሕ ሰዓት 12 ናይ ምሸት ድማ ብብርኪ ወረዳ ስነ ስርዓት ምብራህ ሽምዓ ከምዝፍፀም ተዛሪበን።

ብተወሳኺ ኣብ ወረዳ ሳዕሲዕ ፃዕዳ እምባ፣ ጣቢያ ጒላ ኣበንዓ ክሳብ ሐዚ ንቤተሰብ ኣርባዕተ ግዳያት እቲ ሓደጋ መርድእ ከምዝተዘረበ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስቲን እቲ ወረዳ ንፋና ብሮድ ካስቲንግ ኮርፖሬት ገሊፁ።

እቲ ሓደጋ 28 መጋቢት 2011 ዓ.ም ለይቲ ከምዘጋጠመ ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ መናእሰይ ምግላፆም እውን ካብ ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ዝረኸብናዮ መረዳእታ ይሕብር።

እቶም ወገናት ብዘጋጠሞም ሓደጋ ህዝብን መንግስቲ ብሄራዊ ክልላዊ ትግራይን ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን ገሊፆም።

ንስድራ ግዳያት እቲ ሓደጋን ንመላእ ህዝቢ ትግራይን ድማ ፅንዓት ተመኒዮም።

 

እዚ ከምዚሉ ከሎ  ሰብ-ሕድሪ ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ፣  ብዛዕባዚ ፍጻመ  ከምዚ ዝስዕብ መግለፂ ሓዘን ኣውጺኡ፥

ቁፅሮም 60 ዝኾኑ ስደተኛታት ንስዑዲ ዓረብ ንምሽጋር እንትምኩሩ ብዘጋጠሞም ጃልባ ናይ ምስማጥ ሓደጋ ሂወቶም ሲኢኖም። ሰብ ሕድሪ ንወገናትና ብዝበፅሐ መስካሕክሒ ሓደጋ ዝተሰመዖ ልባዊ ሓዘን ይገልፅ። ንቤተሰብ ግዳያት ብፍሉይ ንህዝቢ ትግራይ ካዓ ብሓፈሻ ፅንዓት ይሃብ፤ ንግዳያት ካዓ መንግስተ ሰማያት የዋርስኩም ይብል።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now