ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ፈላማይ ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ ቅድድም ብሽግለታ ኸንት-ዊቪልኸም ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ

ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ሰንበት ኣብ ናይ ቅድድም ህይወቱ ዝዓበየ ዓወት ብምምዝጋብ ናብ ታሪኻዊ ዓወት ኸንት-ዊቪልኸም ፈንጢሱ ከምዝኣተወ ተፈሊጡ።

Biniam Girmay

Source: SprintCyclingAgency/Sportingnews

እዚ ኣባል ጋንታ ኢንተርማች-ዎንቲ-ጎቤር ማቴሪዮ ዝኾነ ወዲ 21 ዓመት ቢንያም ካብ’ቶም መወዳእታ መስመር 24 ኪሜ ክተርፎ እንከሎ ሞሊቖም ክኸዱ ዝወዓሉ ኣርባዕተ ተቐዳደምቲ’ዩ ፈንጢሱ ቦሎኽ ኢሉ ብምውጻእ ዓወቱ ከመዝግብ ዝኸኣለ።

ንሱ ኣብ’ቲ ርብራብ ኣእማን ዝምድሪቤቱ መወዳደሪ ዘለዎ ክላሲክ ኣብ ናይ መወዳእታ 250 ሜ ንኣባል ጋንታ ያምቦ ቪስማ ዝኾነ ክሪስቶፍ ላፖርት ብምብላጽ’ዩ ነዚ ኣደናቒ ዓወት ዝተጎናጸፈ።

ካብ’ቶም ኣርባዕተ በብተራ እናተበራረዩ ክኸዱ ዝወዓሉ ተቐዳደምቲ ድራየስ ፋን ኸስተል ካብ ጋንታ ቶታልኢነርጂስ ሳልሳይ ክወጽእ እንከሎ ያስፐር ስቱይቨን ካብ ጋንታ ትሬክሴጋፍሬዶ ኸኣ ራብዓይ ወጺኡ።

ቢንያም ድሕሪ’ቲ ፈላማይ ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ ናይ’ዚ ቅድድም ኮይኑ ዝተዓወተሉ ውድድር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡

“ኣነ ኣይኣምንን’የ፣ ዘገርም’ዩ። ትጽቢተይ ኣይነበረን። መደብና ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዓርቢ ኢና ቀይርናዮ፣ ዝገርም’ዩ። እቶም ምሳይ ዝተፈልዩ ሓያላት ስለዝነበሩ ቁሩብ ፈሪሐ ኔረ፣ ኣብ ናይ መወዳእታ 250 ሜ ግን ተኣማሚነ።

ኣብ’ቲ ቀዳማይ ክፋል ብዙሓት ሓሊፎምኒ ምስ ደሓርኩ ኣይጠዓመንን ኔሩ፣ በብቑሩብ ግን ብዝሓሸ እናተረጋጋእኩ መጺኤ፣ ብብልሒ ተቐዳዲመ፣ ኣብ መወዳእትኡ ሰባት ንፋን ኣየርት’ዮም ክዕወት ዝጽበይዎ ኔሮም። ድሕሪኡ ግን ቀስ ኢለ መደበይ ተግቢረ ተዓዊተ።

ኣነ ድሕሪ’ዚ ንዙር ፍላንደርስ ዝጸንሕ ኣይመስለንን። ኣብ’ዚ ነዊሕ’የ ጸኒሐ-ሰለስተ ወርሒ። ጓለይን በዓልቲ ቤተይን ኣዝየ’የ ናፊቐየን ዘለኹ። ስለ’ዚ ናብ ዓደይ’የ ክኸይድ።” ክብል ሓጎሱ ብምግላጽ ንመጻኢ ዘለዎ መደብ ሓቢሩ።

ተንተንቲ ናይ’ቲ ቅድድም ቢንያም ድሕሪ’ዚ ውራይ ናብ ኣስመራ ኸይዱ ዕረፍቲ ድሕሪ ምውሳድ ናብ ጂሮ ድ’ኢታልያ ክወዳደር ክምለስ’ዩ ክብሉ ሓቢሮም።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service