ባንክ ዓለም ኣብቲ ኢትዮጵያን ግብጽን ዝሰሓሓባሉ ዘለዋ ጉዳይ ማይ ኒል ኢዱ ከእቱ ዝሓተተ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሽኩሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ወርቅነህ ገበየሁን ድሕሪ ምርኻቡ እዩ። ‘ግብጺ ንዕብየት ቁጠባ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ትህብ’ያ’ ዝበለ ሚኒስተር ሳምሕ ሽኲሪ፡ ንምሕደራ ኣገደስቲ ጉዳያት ግን እቲ ወሳኒ ሳይንስ እዩ ክኸውን ዘለዎ ኢሉ። ባንክ ዓለም ወገን ከይሓዘን ዝውስንን ኣካል’ዩ ብምባል እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዘደናግሩ ትርጉማትን ኣሰሓሓብቲ ዛዕባታትን ኣልዩ ንዘተ መድረኽ ዘጣጥሕ አቲ ናይ ዓለም ባንክ ምዃኑ ኣስሚርሉ። ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ብወገኑ፡ ምህናጽ ግድብ ህዳሰ ዓቢ ሃስያ ከምዘየውርድን እቲ ግብጺ ኣቕሪባቶ ዘላ እማመ ከምዝርእዮን ገሊጹ። ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብዝመጽእ ወርሒ ናብ ግብጺ ብምኻድ ነቲ ናይታ ሃገር ፓርላማ ዘረባ ከስምዕ ትጽቢት ኣሎ።
ግብጺ ብዛዕባ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ምስ ኢትዮጵያ ኣትያቶ ዘላ ምስሕሓብ፡ ባንክ ዓለም ኢዱ ከእትወሉ ሓቲታ።

1 min read
Published
By SBS Tigrinya
Source: SBS
Skip to article content
Share this with family and friends
Share
