SKIP TO MAIN CONTENT

ሬሳ ናይ ኔትፍሊክስ ሶፍትዌር ኢንጂኔር ዮሃንስ ኪዳነ ተረኺቡ።

"ጠንቂ ሞት ርእሰ ቅትለት እዩ። "ብምባል ፡ ቤት ጽሕፈት ማሪን ካውንቲ ሸሪፍ ኣብ ዘውጽኦ ዜና ሓቢሩ ።

Yohannes KidaneCapture.JPG
Credit: Beyene Weldegiorgis

1 min read

Published

Source: SBS


Skip to article content

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ሳን ጆሴ ዝጠፍአ ናይ ኔትፍሊክስ ሶፍትዌር መሃንዲስ ሞይቱ ከምዝተረኽበ ትማሊ ረቡዕ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ገሊጾም ።

 ብመሰረት ቤት ጽሕፈት ማሪን ሸሪፍ ፡ 29 ነሓሰ ኣብቲ ካብ ጎልደን ጋት ብሪጅ ንሰሜናዊ ምብራቕ ርሒቑ ዝርከብ ሳንፍራንሲስኮ በይ ሬሳ ናይ ዮሃንስ ኪዳነ ከንሳፍፍ ተራእዩ ። እቲ ኮሮነር ጸኒሑ እቲ ሬሳ ናይ ዮሃንስ ኪዳነ ምዃኑ ኣረጋገጸ ።

 

"እቲ ጠንቂ ሞት ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ምጥሓል ዘጋጥም ብርቱዕ ማህሰይቲ ክኸውን ይኽእል'ዩ ። ጠንቂ ሞት ፡ ርእሰ ቅትለት እዩ። "ብምባል ፡ ቤት ጽሕፈት ማሪን ካውንቲ ሸሪፍ ኣብ ዘውጽኦ ዜና ሓቢሩ ።

 

ስድራቤት እቲ 22 ዓመት ዝዕድሚኡ ዮሓንስ ኪዳነ ብ14 ነሓሰ ኣብ ቅድሚ ኣብ ሳን ጆሴ ኣብ ዝርከብ ኣፓርታማኡ ናብ ናይ ኡበር መኪና ክኣቱ ከምዝተራእየ ገሊጾም ።

(ምንጪ ዜና፥ NBC)


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now