ሬሳ ናይ ኔትፍሊክስ ሶፍትዌር ኢንጂኔር ዮሃንስ ኪዳነ ተረኺቡ።

"ጠንቂ ሞት ርእሰ ቅትለት እዩ። "ብምባል ፡ ቤት ጽሕፈት ማሪን ካውንቲ ሸሪፍ ኣብ ዘውጽኦ ዜና ሓቢሩ ።

Yohannes KidaneCapture.JPG

Credit: Beyene Weldegiorgis

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ሳን ጆሴ ዝጠፍአ ናይ ኔትፍሊክስ ሶፍትዌር መሃንዲስ ሞይቱ ከምዝተረኽበ ትማሊ ረቡዕ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ገሊጾም ።

 ብመሰረት ቤት ጽሕፈት ማሪን ሸሪፍ ፡ 29 ነሓሰ ኣብቲ ካብ ጎልደን ጋት ብሪጅ ንሰሜናዊ ምብራቕ ርሒቑ ዝርከብ ሳንፍራንሲስኮ በይ ሬሳ ናይ ዮሃንስ ኪዳነ ከንሳፍፍ ተራእዩ ። እቲ ኮሮነር ጸኒሑ እቲ ሬሳ ናይ ዮሃንስ ኪዳነ ምዃኑ ኣረጋገጸ ።

 
"እቲ ጠንቂ ሞት ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ምጥሓል ዘጋጥም ብርቱዕ ማህሰይቲ ክኸውን ይኽእል'ዩ ። ጠንቂ ሞት ፡ ርእሰ ቅትለት እዩ። "ብምባል ፡ ቤት ጽሕፈት ማሪን ካውንቲ ሸሪፍ ኣብ ዘውጽኦ ዜና ሓቢሩ ።

 
ስድራቤት እቲ 22 ዓመት ዝዕድሚኡ ዮሓንስ ኪዳነ ብ14 ነሓሰ ኣብ ቅድሚ ኣብ ሳን ጆሴ ኣብ ዝርከብ ኣፓርታማኡ ናብ ናይ ኡበር መኪና ክኣቱ ከምዝተራእየ ገሊጾም ።

(ምንጪ ዜና፥ NBC)

Share

Published

Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service