ኣመንቲ ኣብ መስጊድ ናይ ዒድ ጸሎት እናጸለዩን እናሰገዱን
ኣመንቲ ኣብ መስጊድ ናይ ዒድ ጸሎት እናጸለዩን እናሰገዱን
This article is more than 2 years old

Explainer

ዒድ ኣል-ኣድሓ ንምንታይን ብኸመይን'ዩ ዝበዓል፧

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዝዀኑ ኣመንቲ ምስልምና ፡ በብዓመት እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሃይማኖታዊ በዓል ንዝኾነ ዒድ ኣል-ኣድሓ የብዕሉ ኣለዉ ። እዚ እንታይ ምዃኑን ስለምንታይ ኣገዳሲ ከም ዝዀነን ንርአ ።

Published

By Rayane Tamer
Source: SBS
Image: Worshippers participating in Eid prayers at Lakemba Mosque in Sydney. (AAP / Steven Saphore)
ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣመንቲ ምስልምና ንሓደ ካብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ በዓላት እስልምና ዝኾነ እቲ "መስዋእቲ" ተባሂሉ እውን ዝፍለጥ ዒድ ኣል-ኣድሓ ፡ የብዕሉ ኣለዉ ።

እዛ መዓልቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ናይ እስላማዊ ዓውደ ኣዋርሕ ኣብ መበል 10 መዓልቲ እያ ትበዓል ።

ኣስላም ኣብቲ ሓጅ ተባሒሉ ዝጽዋዕ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝግበር ዓመታዊ ንግደት ዚካፈሉሉ ፡ ካብ ሓሙሽተ ኽሳዕ ሽዱሽተ መዓልቲ ቅዱስ ጕዕዞ ዝገብሩሉ ሳልሳይ መዓልቲ ንግደት እዩ ።
ኣመንቲ እስልምና ኣብቲ ካኣባ ዝበሃል ቅዱስ ስፍራ እናዞሩ።
ኣመንቲ ነቲ ናይ ንግደት ሕጃ ኣብ መካ፡ ሱዕዲ ዓረብ መብጽዓኣኦም ብምፍጻም ኣብ መስጊድ ኣል ኣሕራም ዝን ካዓባ ይዞሩ። Source: Getty / Anadolu Agency
ኣመንቲ ምስልምና ፡ ዓውደ ኣዋርሕ ወርሒ ስለ ዝኽተሉ፡ ድሑል ሕጃ ፡ ዓመት ዓመት ቅድሚ ዓሰርተ መዓልቲ ይቕየር ፡ ስለዚ ሓጅ ወይ ዒድ ዝውዕለሉ መዓልቲ ኣብ ዓመት ውሱን ዕለት የብሉን ።

ኣብ 2023 ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መብዛሕትኦም ሰባት ረቡዕ 28 ሰነ ነቲ በዓል የብዕሉ ኣለዉ: ካልኦት ከኣ ሓሙስ እዮም ከብዕሉ ።

ንምንታይ'ዩ ግን ዒድ ኣል ኣድሓ ዝበዓል?

ኢድ ኣል-ኣድሓ እቲ ንእስማዒል ወዱ ኽስውእ ብኣምላኽ እተኣዘዘ ነብዪ ኢብራሂም ንምዝካር እዩ ዝበዓል ።

ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ፡ ንነብዪ ኢብራሂም ንእምነቱ ኽፍትኖ ንወዱ እስማዒል ክስውኦ ከም ዝኣዘዞ ይኣምኑ እዮም ። ኢብራሂም መስዋእቲ ክገብር ምስ ተዳለወ ፡ ኣምላኽ ነቲ ዝነበሮ ተወፋይነት ረኣየ ፣ ንወዱ ዝትክእ ድዑል ድማ ኣዳለወሉ ።

ንምንታይ እዩ እንስሳታት ንመስዋእቲ ዝሕረዱ?

ታሪኽ ኢብራሂም ንምዝካር ፣ እዚ ከኣ ምስ ካልኦት ኣብርሃማዊያን ሃይማኖታት ኣይሁድነትን ክርስትናን ዝመሳሰል እዩ ፣ ኣስላም ብሓፈሻ በጊዕ ፡ ጤል ፡ ላም ፡ ብዕራይ ፡ ወይ ገመል ኽስውኡ ይሕተቱ ። እዚ ተግባር ኣምልኾ እዚ "ቁርባኒ" ወይ "ቁርባን" ተባሂሉ ይጽዋዕ ።

ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ፡ እንስሳ ምስዋእ ነቲ ኢብራሂም ምእንቲ ኣምላኽ ንወዱ ኽስውእ ፍቓደኛ ምዃኑ ዘርኢ እዩ ።
Aerial view of colourful Muslim worshippers praying.
Muslim worshippers gathered to take part in Eid prayers in Sylhet, Bangladesh. Source: Getty / Future Publishing
ብዘይካዚ ፡ እቲ መስዋእቲ ከም ሓደ ዓይነት ሰናይ ተግባር እዩ ዝቑጸር ።

ኣብ ብዙሓት ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ዝዀና ብዙሓት ሃገራት ፡ እቲ ስጋ ብሓፈሻ ኣብ ሰለስተ ይኽፈል እዩ ፣ እዚ ከኣ ፡ እቲ ሓደ ክፋል ንስድራ ቤት ፡ እቲ ካላኣይ ክፋሉ ንቤተ ሰብን ንኣዝማዱን ፈተውትን ፡ እቲ ሓደ ድማ ንጽጉማት ይወሃብ።

ብዙሓት ሰባት ንብምሉኡ ቁርባን ንሱኡናት እዮም ዝውፍይዎ ፡ ንገዛእ ርእሶም ወይ ንስድራቤቶም ክምግቡ ድማ ስጋ ኣይረኽቡን እዮም ።

ኣብ ኣውስትራሊያን ምዕራባውያን ሃገራትን መስዋእቲ እንስሳ ብኸመይ እዩ ዝፍጸም?

ኣብ ኣውስትራልያን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ኣመንቲ ምስልምና ንእንስሳታት ባዕላቶም ኣይስውኡን እዮም ።

ኣብ ክንድኡ ፣ መብዛሕቱኡ ግዜ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ነቲ ቁርባን ዘቀላጥፋ ናይ ግብረ ሰናይ ትካላት ይኸፍሉ ። እቲ ብገንዘቦ ተዓዲጉ ኣብ ወጻኢ ዝዕደጉ እንስሳታት ምስ ተሰውኡ ፡ ስጋኦም ንድኻታትን ተነቀፍትን ሕብረተሰባት ይዕደል ።

ኩሎም ኣመንቲ እስልምና ድዮም ነዚ ዝገብሩ?

ኩሉ ሰብ ኣይኮነን ነቲ ቁርባን ክፍጽሞ ዘለዎ ።

ገለ እስላም ኣብ ሓደ ስድራ ቤት ሓደ ሙስሊም ጥራይ ነዚ ክገብር ከም ዘገድድ ይኣምኑ ። ገሊኦም ከኣ ገንዘብ ዘለዎ ዝዀነ ይኹን በጽሒ ከምኡ ክገብር ከም ዘለዎ ይኣምኑ ።


Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service