ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣመንቲ ምስልምና ንሓደ ካብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ በዓላት እስልምና ዝኾነ እቲ "መስዋእቲ" ተባሂሉ እውን ዝፍለጥ ዒድ ኣል-ኣድሓ ፡ የብዕሉ ኣለዉ ።
እዛ መዓልቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ናይ እስላማዊ ዓውደ ኣዋርሕ ኣብ መበል 10 መዓልቲ እያ ትበዓል ።
ኣስላም ኣብቲ ሓጅ ተባሒሉ ዝጽዋዕ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝግበር ዓመታዊ ንግደት ዚካፈሉሉ ፡ ካብ ሓሙሽተ ኽሳዕ ሽዱሽተ መዓልቲ ቅዱስ ጕዕዞ ዝገብሩሉ ሳልሳይ መዓልቲ ንግደት እዩ ።
ኣመንቲ ነቲ ናይ ንግደት ሕጃ ኣብ መካ፡ ሱዕዲ ዓረብ መብጽዓኣኦም ብምፍጻም ኣብ መስጊድ ኣል ኣሕራም ዝን ካዓባ ይዞሩ። Source: Getty / Anadolu Agency
ኣመንቲ ምስልምና ፡ ዓውደ ኣዋርሕ ወርሒ ስለ ዝኽተሉ፡ ድሑል ሕጃ ፡ ዓመት ዓመት ቅድሚ ዓሰርተ መዓልቲ ይቕየር ፡ ስለዚ ሓጅ ወይ ዒድ ዝውዕለሉ መዓልቲ ኣብ ዓመት ውሱን ዕለት የብሉን ።ኣብ 2023 ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መብዛሕትኦም ሰባት ረቡዕ 28 ሰነ ነቲ በዓል የብዕሉ ኣለዉ: ካልኦት ከኣ ሓሙስ እዮም ከብዕሉ ።
ንምንታይ'ዩ ግን ዒድ ኣል ኣድሓ ዝበዓል?
ኢድ ኣል-ኣድሓ እቲ ንእስማዒል ወዱ ኽስውእ ብኣምላኽ እተኣዘዘ ነብዪ ኢብራሂም ንምዝካር እዩ ዝበዓል ።
ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ፡ ንነብዪ ኢብራሂም ንእምነቱ ኽፍትኖ ንወዱ እስማዒል ክስውኦ ከም ዝኣዘዞ ይኣምኑ እዮም ። ኢብራሂም መስዋእቲ ክገብር ምስ ተዳለወ ፡ ኣምላኽ ነቲ ዝነበሮ ተወፋይነት ረኣየ ፣ ንወዱ ዝትክእ ድዑል ድማ ኣዳለወሉ ።
ንምንታይ እዩ እንስሳታት ንመስዋእቲ ዝሕረዱ?
ታሪኽ ኢብራሂም ንምዝካር ፣ እዚ ከኣ ምስ ካልኦት ኣብርሃማዊያን ሃይማኖታት ኣይሁድነትን ክርስትናን ዝመሳሰል እዩ ፣ ኣስላም ብሓፈሻ በጊዕ ፡ ጤል ፡ ላም ፡ ብዕራይ ፡ ወይ ገመል ኽስውኡ ይሕተቱ ። እዚ ተግባር ኣምልኾ እዚ "ቁርባኒ" ወይ "ቁርባን" ተባሂሉ ይጽዋዕ ።
ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ፡ እንስሳ ምስዋእ ነቲ ኢብራሂም ምእንቲ ኣምላኽ ንወዱ ኽስውእ ፍቓደኛ ምዃኑ ዘርኢ እዩ ።
Muslim worshippers gathered to take part in Eid prayers in Sylhet, Bangladesh. Source: Getty / Future Publishing
ብዘይካዚ ፡ እቲ መስዋእቲ ከም ሓደ ዓይነት ሰናይ ተግባር እዩ ዝቑጸር ።ኣብ ብዙሓት ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ዝዀና ብዙሓት ሃገራት ፡ እቲ ስጋ ብሓፈሻ ኣብ ሰለስተ ይኽፈል እዩ ፣ እዚ ከኣ ፡ እቲ ሓደ ክፋል ንስድራ ቤት ፡ እቲ ካላኣይ ክፋሉ ንቤተ ሰብን ንኣዝማዱን ፈተውትን ፡ እቲ ሓደ ድማ ንጽጉማት ይወሃብ።
ብዙሓት ሰባት ንብምሉኡ ቁርባን ንሱኡናት እዮም ዝውፍይዎ ፡ ንገዛእ ርእሶም ወይ ንስድራቤቶም ክምግቡ ድማ ስጋ ኣይረኽቡን እዮም ።
ኣብ ኣውስትራሊያን ምዕራባውያን ሃገራትን መስዋእቲ እንስሳ ብኸመይ እዩ ዝፍጸም?
ኣብ ኣውስትራልያን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ኣመንቲ ምስልምና ንእንስሳታት ባዕላቶም ኣይስውኡን እዮም ።
ኣብ ክንድኡ ፣ መብዛሕቱኡ ግዜ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ነቲ ቁርባን ዘቀላጥፋ ናይ ግብረ ሰናይ ትካላት ይኸፍሉ ። እቲ ብገንዘቦ ተዓዲጉ ኣብ ወጻኢ ዝዕደጉ እንስሳታት ምስ ተሰውኡ ፡ ስጋኦም ንድኻታትን ተነቀፍትን ሕብረተሰባት ይዕደል ።
ኩሎም ኣመንቲ እስልምና ድዮም ነዚ ዝገብሩ?
ኩሉ ሰብ ኣይኮነን ነቲ ቁርባን ክፍጽሞ ዘለዎ ።
ገለ እስላም ኣብ ሓደ ስድራ ቤት ሓደ ሙስሊም ጥራይ ነዚ ክገብር ከም ዘገድድ ይኣምኑ ። ገሊኦም ከኣ ገንዘብ ዘለዎ ዝዀነ ይኹን በጽሒ ከምኡ ክገብር ከም ዘለዎ ይኣምኑ ።