ካይሮ ፡ ቱርኪ ንኢትዮጵያ ድሮን ክትሸጠላ ዝገበረቶ ስምምዕ ክድስክል ሓቲታ።

ኣብዚ መዳይ እዚ ዝዀነ ይኹን ስምምዕ ፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ካይሮን ኣንካራን ዝግበር ዘሎ ንክልተኣዊ ርክባት ንምምሕያሽ ዝግበር ዘሎ ዝርርብ ክቐርብ ከም ዘለዎ እዩ ዝገልጽ ።

News

Source: Getty Images

ቱርኪ ናብ ኢትዮጵያ ድሮን ብምሻጥ ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ቱርክን ግብጽን ዘሎ ወጥሪ ዘጋድድ ብምዃኑ፡ ዝዀነ ይኹን ናይ ድሮን መሸጣ ናብ ኢትዮጵያ ደው ክብል፡ ካይሮ ንኣመሪካን ንገለ ሃገራት ኤውሮጳን ክሕግዛኣ ሓቲታ ክብል ሮይተርስ ጸብጺቡ ።

ቱርኪ ምስ ሞሮኮን ኢትዮጵያን ብምስምማዕ ፡ ናብተን ሃገራት እትልእኮ ኣጽዋር ከም ዘስፋሕፈሐት ፡ምንጭታት ገሊጾም ።

ሮይተርስ ንሓደ ሳልሳይ ግብጻዊ ምንጪ ብምጥቃስ ከም ዝጸብጸቦ ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ዝዀነ ይኹን ስምምዕ ፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ካይሮን ኣንካራን ዝግበር ዘሎ ንክልተኣዊ ርክባት ንምምሕያሽ ዝግበር ዘሎ ዝርርብ ክቐርብ ከም ዘለዎ እዩ ዝገልጽ ።

ሚኒስተር መስኖን ሃብቲ ማይን ግብጺ መሓመድ ዓብደል-ብሰኑይ ኣብ ዝገበሮ ጻዊዒት ፡ ብዛዕባ ሕግታት ምምላእን ምስራሕን ዓቢዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዝምልከት ዘተ ፡ ኣህጉራውያን ተዓዘብቲ ኣብ ዘለዉሉ እዋን ፡ ንምዝርራብ ውሱን ግዜ ክፍለ ጸዊዑ ።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ፡ ንግብጺ ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብዛዕባ 'ቲ ምስሕሓብ ዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ ፡ እቲ ዘተ ክቕጽል ኣተባቢዑ ፡ ኣብ ትሕቲ ፕረዚደንት ሕብረት ኣፍሪቃ ፡ ብዛዕባ ናይቲ ግድብ ምምላእን ምስራሕን ዝምልከት ቀያዲ ሕጋዊ ስምምዕ ክግበር ወሲኑ እዩ።

ግብጽን ሱዳንን ብሕጊ ቀያዲ ዝኾነ ስምምዕ ክገብራ ከምዝደልያ ክገልጻ እንከለዋ ፣ ኢትዮጵያ ድማ ዝኾነ ዓይነት ናይ ርክብ ስራሕ ኣማኻሪ ክኸውን ኣለዎ ትብል ።

ግብጽን ሱዳንን ነቲ ግድብ ኣገዳሲ ቀረብ ማይ ከም ስግኣት ክቘጽራኦ እንከለዋ ፡ ኢትዮጵያ ድማ ንምዕባለን ምህብታም ሓይሊ ኤለትሪክ ከም ኣገዳሲትትወስዶ ።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service