ቱርኪ ናብ ኢትዮጵያ ድሮን ብምሻጥ ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ቱርክን ግብጽን ዘሎ ወጥሪ ዘጋድድ ብምዃኑ፡ ዝዀነ ይኹን ናይ ድሮን መሸጣ ናብ ኢትዮጵያ ደው ክብል፡ ካይሮ ንኣመሪካን ንገለ ሃገራት ኤውሮጳን ክሕግዛኣ ሓቲታ ክብል ሮይተርስ ጸብጺቡ ።
ቱርኪ ምስ ሞሮኮን ኢትዮጵያን ብምስምማዕ ፡ ናብተን ሃገራት እትልእኮ ኣጽዋር ከም ዘስፋሕፈሐት ፡ምንጭታት ገሊጾም ።
ሮይተርስ ንሓደ ሳልሳይ ግብጻዊ ምንጪ ብምጥቃስ ከም ዝጸብጸቦ ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ዝዀነ ይኹን ስምምዕ ፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ካይሮን ኣንካራን ዝግበር ዘሎ ንክልተኣዊ ርክባት ንምምሕያሽ ዝግበር ዘሎ ዝርርብ ክቐርብ ከም ዘለዎ እዩ ዝገልጽ ።
ሚኒስተር መስኖን ሃብቲ ማይን ግብጺ መሓመድ ዓብደል-ብሰኑይ ኣብ ዝገበሮ ጻዊዒት ፡ ብዛዕባ ሕግታት ምምላእን ምስራሕን ዓቢዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዝምልከት ዘተ ፡ ኣህጉራውያን ተዓዘብቲ ኣብ ዘለዉሉ እዋን ፡ ንምዝርራብ ውሱን ግዜ ክፍለ ጸዊዑ ።
ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ፡ ንግብጺ ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብዛዕባ 'ቲ ምስሕሓብ ዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ ፡ እቲ ዘተ ክቕጽል ኣተባቢዑ ፡ ኣብ ትሕቲ ፕረዚደንት ሕብረት ኣፍሪቃ ፡ ብዛዕባ ናይቲ ግድብ ምምላእን ምስራሕን ዝምልከት ቀያዲ ሕጋዊ ስምምዕ ክግበር ወሲኑ እዩ።
ግብጽን ሱዳንን ብሕጊ ቀያዲ ዝኾነ ስምምዕ ክገብራ ከምዝደልያ ክገልጻ እንከለዋ ፣ ኢትዮጵያ ድማ ዝኾነ ዓይነት ናይ ርክብ ስራሕ ኣማኻሪ ክኸውን ኣለዎ ትብል ።
ግብጽን ሱዳንን ነቲ ግድብ ኣገዳሲ ቀረብ ማይ ከም ስግኣት ክቘጽራኦ እንከለዋ ፡ ኢትዮጵያ ድማ ንምዕባለን ምህብታም ሓይሊ ኤለትሪክ ከም ኣገዳሲትትወስዶ ።