ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሃገራት ፡ ነቲ ግጭት ከጋድዶ ፡ ናብ ዝኸፍአ ምፍሳስ ደም ድማ ከምርሕ እዩ ብምባል፡ ነቲ እስራኤል ንከተማ ጋዛ ንምቍጽጻር ዘውጽኣቶ ውጥን ይኹንናኦ ኣለዋ ።
ካቢነ ጸጥታ እስራኤል ብዓርቢ ንጋዛ ናይ ምቍጽጻር መደብ ኣጽዲቑ ነታ ዓንያ ዘላ ወሽመጥ ወተሃደራዊ ስርሒት ከምዘስፍሕ ወሲኑ ኣሎ፡ ካብ መላእ ዓለም ሓያል ኲነኔ ገጢምዎ ኣሎ።
ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ብዛዕባ እቲ እስራኤል ነቲ ግጭት ንምጉህሃር ወጢናቶ ዘላ መደባት ዝምልከት ፡ ቀዳም ህጹጽ ኣኼባ ከም ዝገብር ኣፍሊጡ ኣሎ ።
እታ ቀንዲ መሻርኽቲ ኤውሮጳ ዝኾነት ጀርመን ፡ ናብ እስራኤል እትልእኮ ዝነበረት ወተሃደራዊ ናውቲ እስራኤል ኣብ ጋዛ ክትጥቀመሉ ትኽእል እያ ብምባል ደው ከም እተብሎ ኣፍሊጣ ።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ፡ መደብ እስራኤል "ሓደገኛ " ከም ዝዀነ ድሕሪ ምግላጹ ፡ ንተራ ፍልስጤማውያን ናብ ዝበኣሰ ኵነታት ዝወስድ እዩ ብምባኣል ስግኣቱ ገሊጹ ።
ይኹን እምበር ፡ ኣምባሳደር ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ እስራኤል ፡ ማይክ ሆካቢ ፡ ገሊአን ሃገራት ኣብ ክንዲ ኣብ ልዕሊ እቲ ብ2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘሰክሕ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ወተሃደራዊ ጉጅለ ሓማስ ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ጸቕጢ ዝገብራ ዘለዋ ይመስላ ከም ዘለዋ ገሊጹ እዩ ።

Source: SBS