'ሓደገኛ ምዕራግ ወጥሪ': እስራኤል ንወሽመጥ ቓዛ ክትቆጻጸር ምውሳና ከተልዕሎ ዓለማዊ ጻውዒት ሓይሉ ቐጺሉ።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ እስራኤል ኣብ ጋዛ ንእተካይዶ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከተጓህር ብዛዕባ እተካይዶ መደባት ህጹጽ ኣኼባ ክገብር እዩ ።

Israeli Prime Minister Benjamin Netanyahu speaks to reporters after meeting with Speaker of the House Mike Johnson, R-La., at the Capitol in Washington

There are 50 hostages still held in Gaza, of whom Israeli officials believe 20 are alive. Most of those freed so far emerged as a result of diplomatic negotiations. Source: AP / J. Scott Applewhite

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሃገራት ፡ ነቲ ግጭት ከጋድዶ ፡ ናብ ዝኸፍአ ምፍሳስ ደም ድማ ከምርሕ እዩ ብምባል፡ ነቲ እስራኤል ንከተማ ጋዛ ንምቍጽጻር ዘውጽኣቶ ውጥን ይኹንናኦ ኣለዋ ።

ካቢነ ጸጥታ እስራኤል ብዓርቢ ንጋዛ ናይ ምቍጽጻር መደብ ኣጽዲቑ ነታ ዓንያ ዘላ ወሽመጥ ወተሃደራዊ ስርሒት ከምዘስፍሕ ወሲኑ ኣሎ፡ ካብ መላእ ዓለም ሓያል ኲነኔ ገጢምዎ ኣሎ።
ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ብዛዕባ እቲ እስራኤል ነቲ ግጭት ንምጉህሃር ወጢናቶ ዘላ መደባት ዝምልከት ፡ ቀዳም ህጹጽ ኣኼባ ከም ዝገብር ኣፍሊጡ ኣሎ ።
እታ ቀንዲ መሻርኽቲ ኤውሮጳ ዝኾነት ጀርመን ፡ ናብ እስራኤል እትልእኮ ዝነበረት ወተሃደራዊ ናውቲ እስራኤል ኣብ ጋዛ ክትጥቀመሉ ትኽእል እያ ብምባል ደው ከም እተብሎ ኣፍሊጣ ።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ፡ መደብ እስራኤል "ሓደገኛ " ከም ዝዀነ ድሕሪ ምግላጹ ፡ ንተራ ፍልስጤማውያን ናብ ዝበኣሰ ኵነታት ዝወስድ እዩ ብምባኣል ስግኣቱ ገሊጹ ።
ይኹን እምበር ፡ ኣምባሳደር ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ እስራኤል ፡ ማይክ ሆካቢ ፡ ገሊአን ሃገራት ኣብ ክንዲ ኣብ ልዕሊ እቲ ብ2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘሰክሕ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ወተሃደራዊ ጉጅለ ሓማስ ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ጸቕጢ ዝገብራ ዘለዋ ይመስላ ከም ዘለዋ ገሊጹ እዩ ።

A map shows the Israeli militarised zone around Gaza.
Source: SBS


Share

Published

Source: Reuters, AFP, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service