ጻዕዳ ሽጉርቲ ንኮቪድ ክፍውስ ይኽእል ድዩ? ብዛዕባ'ዚ ክትፈልጥዎ ዘለኩም ነገራት ኣብዚ ኣሎ፡

ሓደ ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ኩባንያ ፡ ጻዕዳ ሽጉርቲ ከም ፈውሲ ኮቪድ-19 ገይሩ የዋዓውዖ ኣሎ ። እዚ ግን ክሳብ ክንደይ ሓቂ ኣለዎ ?

A graphic showing a hand holding a test tube in front of cloves of garlic.

Scientists and medical experts have raised concerns about a study claiming garlic is 99 per cent effective in fighting COVID-19. Source: SBS

ኣብ ኣውስትራሊያ ዝፈረየ ጻዕዳ ሽጉርቲ "ኮቪድ-19ን ሓፈሻዊ ጉንፋዕን ንዘስዕቡ ቫይረሳት ብ99.9 ሚኢታዊ ኣድማዕነት የርኢ" እዚ ቅድሚ ሰሙን ኣብ ኣውስትራሊያ ዝተባህለ እዩ ።
እንተዀነ ግን: ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠትን ክኢላታት ሕክምናን ንኣድማዕነት ናይቲ ስነ-ፍልጠት ብድሕሪ እዚ ስክፍታታት ኣሕዲሮም ኣለዉ ።
እዚ መጽናዕቲ ዛጊት ኣይሕተሓትመን ዘሎ ፣ እቲ ዝተገብረ ምርምር ብ ትካል ኣውስትራሊያ ጻዕዳ ሽጉርቲ ዜፍርን ዝሸይጥን እዩ ።
ኰይኑ ግና ፡ እቲ ዉጽ ኢት ናይቲ መጽናዕቲ ብጸረ ክታበትን ህላወ ኮቪድ ብዝጠራጠሩ ሰባትዩ ዝራባሕ ዘሎ ።

ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ኣዳም ዲን ካብ ዩኒቨርሲቲ ሲድኒ ፡ "እዚ መጽናዕቲ እዚ ፡ ኣብ ቪትሮ ዝግበር መጽናዕቲ እዩ ፣ ኣብ ናይ ሓቂ ዓለም ኣብ ዘለዉ ሰባት ኣይተገብረን ዘሎ ፣ ኣብ ቱቦታት መርመራ እዩ ዝግበር ዘሎ" በለ ።

ወሃብ ቃል ትካል ዶሆርቲ ን SBS ኒውስ ከምዝሓበሮ እቲ ዝገበሮ መጽናዕቲ ምስ ናይ ኣውስትራሊያ ፍርያት ጻዕዳ ሽጉርቲ ብዝተገብረ ውዕል እዩ ።
"እቲ መጽናዕቲ ሓደ ዓይነት ጻዕዳ ሽጉርቲ ኣብ ልዕሊ ኢንፍሉወንዛ A ከምኡ 'ውን SARS-CoV-2 [ኮቪድ-19 ዘስዕብ ቫይረስ] ብቪትሮ ጥራይ ኣድማዕነት ከም ዘለዎ ዘርኢ እዩ" ይብል እቲ ወሃቢ ቃል ።
"እዚ ርኽበታት እዚ ናይ ሕክምና ክንክን ኣየርእን እዩ ። እዚ ርኽበታት እዚ ካብ ናይ ላባራቶሪ ቱቦታት ናብ ሰባት ዝትርጐም እንተ ኰይኑ ንምፍላጥ ፡ በበይኑ ዓይነት ክሊኒካዊ ፈተናታት ክግበር ኣለዎ "በለ ።

እቲ ምርምር ኣብ ኢንተርነት ብሰፊሑ ተኻፊሉ እዩ ፣ ብብዝሒ ድማ በቶም ኮቪድ-19 ከም ዘሎ ዝጠራጠሩ ሰባት እዩ ዝባዛሕ ዘሎ ።
Craig Kelly twitter
A tweet from United Australia Party politician Craig Kelly referencing the garlic study. Source: Twitter
ኣባል ሊበራልን ዩናይትድ ኣውስትራሊያ ሰልፊን ዝነበረ ኣባል ፓርላማ ክሬግ ኬሊ ብተደጋጋሚ ናይ ጸረ-ቫክስ ዝርርብ ኣብ ኢንተርነት ምዝርራብን ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምስ ተቓወምቲ ጸረ-ክታብ ኣብ ምልውዋጥን ልሙድ እዩ ።

ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ፡ "ጻዕዳ ሽጉርቲ ከሎ ፡ ሎሚ ዓለምና ብኣማእታት ቢልዮናት ዶላራት ዝግመት ኣብ ዘይጠቅም ነገራት (ናይ ክታበት ኢሞጂ) ኣባኺኖም ፡ ብሰንኪ ዕጽዋ ትሪልዮናት ዶላራት ዝግመት ኃብቲ ድማ ብምጥፋኡ ፡ ኣዝዩ ሕማቕ እዩ ዝስምዓ" በለ ።
Bernardi twitter
Corey Bernardi also weighed in. Source: Twitter
ቀደም ኣብ ኣውስትራልያ ዝነብር ዝነበረ ኮሪ በርናርዲ ዝስሙ ፖለቲከኛ ፡ ብዛዕባ ዛንታ ጻዕዳ ሽጉርቲ ዝገልጽ ዜና እውን ጽሒፉ እዩ ።
Avi Yemini
Avi Yemini also commented. Source: Twitter

ጻዕዳ ሽጉርቲ ግን ንኮቪድ ክፍውስ ይኽእል ድዩ?

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲላዴ ላዕለዋይ መምህር ስነ-መድሃኒት ዶክተር ኢያን ሙስግራቭ "ክሳዕ እቲ ክሊኒካዊ መርመራታት እንገብረሉ ግዜ: ብዛዕባ ኣድማዕነት ናይዚ መድሃኒት ንኮቪድ-19 ይትረፍ: ንሳዕቤን ናይቲ ኣብ ኢንፍሉዌንዛ ዘሎ ነገራት እውን ሕቶ ክቐርብ ኣይክእልን እዩ" በለ ።
"ነቲ ካብ ጻዕዳ ሽጉርቲ ዝርከብ ንጡፍ ክፋላት ዝውሕጦን ዝመሓላለፎን ነገራት ፡ ደረጃታት እቲ ውሁድ ኣብ ኣካላትና ውፅኢታዊ ዝዀነ ደረጃታት ኣይበጽሕን ይኸውን ማለት እዩ ።

"ጻዕዳ ሽጉርቲ ዘርእዮ ክሊኒካዊ ፈተናታት ፡ ንምልክታት ሕማም ኮቪድ እቲ ጻዕዳ ሽጉርቲ ኽንክዮ ከም ዝኽእል ዝሕብር እኳ እንተ ኰነ ፡ ኣብ ሰዓልን ጉንፋዕን ግን ፈውሲ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ።"


Share

Published

By Madeleine Wedesweiler
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service