ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ፡ ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ንምምካት ፡ ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ኵሉ ቝጠባዊ ቅልውላው ከስዕበላ ዝኽእል፡ ዘውጽኣቶ ሽዱሽተ ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ፡ ካልኦት መራሕቲ ክቕበልዎ ተማሕጺኑ ኣሎ ።
ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ለንደን ኣብ ዝግበር ኣኼባ፡መራሕቲ ካናዳ፡ ኔዘርላንድን ማእከላይ ኤውሮጳን ፡ ምኽንያት ብምግባር ሚስተር ጆንሰን ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ ወራር ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ከም ዝፈሸለን ክፈሽልን ከም እተራእየን ገሊጹ ።
ሚስተር ጆንሰን ኣብ መግለጺኡ ፡ "ነቲ ኣብ ሕጊ እተመስረተ ኣህጉራዊ ስርዓት ዘሎና ደገፍ ምግላጽ ጥራይ እኹል ኣይኰነን ፣ ነቲ ሕግታት ብወተሃደራዊ ሓይሊ እንደገና ክጸሓፍ ቀጻሊ ፈተነ ከይካየድ ክንከላኸሎ ኣሎና" በለ ።
ዕላማታት እቲ መደብ ክገልጽከሎ ፣ ንዩክረይን ንምሕጋዝ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ጥምረት ፡ ነቲ እትገብሮ ንርእሰ-ምክልኻል ምድጋፍን ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ቊጠባዊ ጸቕጢ ምትራር ።
ብዘይካዚ ፡ መንግስቲ ዩክረይን ምስ ምሉእ ተሳትፎኡ ፡ ኣብ ከባቢ ኤውሮጳ-ኣትላንቲክ ዘሎ ጸጥታ ክሕይል ፡ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት ሩስያ "ናብ ንቡር ምምላስ" ደው ክብል ፡ ሚስተር ጆንሰን ዲፕሎማስያዊ መገድታት ክዳሎ ጸዊዑ ።
ሚስተር ጆንሰን ብሰኑይ ምስ ቀዳማይ ሚንስትራት ካናዳን ኔዘርላንድስን ድሕሪ ምርኻቡ ፡ መራሕቲ ሪፓብሊክ ቸክ ፡ ሃንጋሪ ፡ ፖላንድን ስሎቫክያን ብሰንኪ እቲ ወራር ዘስዓቦ ዋሕዚ ስደተኛታት የአንግዱ ኣለዉ ።
ብሪጣንያ ፡ ሰኑይ ናብ ባይቶ ብዝለኣኽ ሓድሽ ሕጋዊ ስጒምቲ ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያውያን ነጋዶ እገዳ ብቕልጡፍ ጅግበር መዲባ ኣላ ።
'እቲ 'ዘስካሕክሕ' ኵነታት ካብ መዓልቲ ናብ እናገደደ እዩ ዝኸይድ ዘሎ'
ኣብ ደቡባዊ ዩክረይን ኣብ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ማሪዮፖል ዘሎ ሰብኣዊ ኵነታት "ዘስካሕክሕ" ስለ ዝዀነ ፡ ሰላማውያን ሰባት ካብቲ ቦታ ኺግዕዙ ኣገዳሲ እዩ ፣ ክብል ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ሓካይም ብዘይዶብ (MSF) ብቐዳም ኣጠንቂቑ ነይሩ ።
እታ ኣብ ጥቓ ዶብ ሩስያ እትርከብ ከተማ ፡ ብሓይልታት ሩስያ ተኸቢባ እያ ዘላ ፣ ሰላማውያን ሰባት ምእንቲ ክወጹ ድማ ፡ ኣብ ቀዳም ምቁራጽ ተዅሲ ክግበር ዝተፈተነ ፈሺሉ እዩ ።
"እዚ ሎሚ ክፍጠር ዝኽእል ዝነበረ ፡ ግን ከኣ ዘይተተግበረ ፡ ሰብኣዊ ኮሪደር ብሰንኪ ምፍሻል ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ፡ እዚ ድማ ነቶም ሲቪል ሰባት ፡ ኣንስትን ህጻናትን ካብዛ ከተማ ክወጹ ንምፍቃድ እዩ" ይብል ኣብ ዩክረይን ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣወሃሃዲ ፡ ላውረንት ሊጎዛት ፡ ንAFP ገሊጻ ።
ስምዒት ዕንወት
ሰርጌ ዝበሃል መስካሪ ንማዕከናት ዜና AFP ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ "ኣብ ኵላታ ምድሪ ሬሳታት መሊኡ ኣሎ" በለ ። "ኣብዚ ፋርማሲ ደልዮም እዮም ተሰሪዖ ነይሮም ፡ ኵላቶም ድማ ሞይቶም።"
ጋዜጠኛታት ኤኤፍፒ ፡ ሞስኮ ንሲቪላዊ ቦታታት ዒላማ ከም ዘይትገብር እኳ እንተ ገለጸት ፡ ፈቐዶኡ ዕንወት ከም ዘጋጠመ ከምዝረኣዩ ጸብጺቦም ኣለዉ ።
ዝምክት ዘሎ ሚስተር ዘለንስኪ ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ ሓይልታት ዩክረይን ኣብ ከባቢ እታ ዝዓበየት ከተማ ካርኪቭ ፡ መጥቃዕቲ ራሻ የፍሽሉ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምምልካት ፡ "እቶም ወረርቲ ብሕልሞም'ውን ዘይረኣይዎ ዕንወትዩ ዝወርዶም ዘሎ ፡" ክብል ኣረዲኡ ።
ኩለባ እውን ብተመሳሳሊ ፡ "ዩክረይን ትደሚ ኣላ ፣ ዩክረይን ግና ኣይወደቐትን ፣ ብክልቲኡ ኣእጋራ ኣብ ምድሪ ደው ኢላ ኣላ" ኢሉ ።
ሰራዊት ፑቲን ብ24 ለካቲት ካብ ዝወርር ጀሚሩ ፡ ሩስያ ንከተማታት ዩክረይን ኣጨኒቓተን እያ ፣ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ከኣ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከም እተቐትሉ ሓቢሮም እዮም ።
ይኹን እምበር ፡ ሞስኮ ነተን ኣብ ገማግም ደቡባዊ ጸሊም ባሕሪ ዩክረይን ዝርከባ በርድያንስክን ከርሰንን ዝብሃላ ክልተ ኣገደስቲ ከተማታት ጥራይ እያ ሒዛተን ።
"እቲ ኵነታት ኣዝዩ ሓደገኛን በብመዓልቱ እናኸፍአ ዝኸይድን እዩ" ድማ በለ ።
እታ ስትራተጅያዊት ከተማን ወደብ ዓዞዝ ባሕርን ሩስያ ንኽትሕዛ ከም ቀንዲ ረቛሒ እያ እትቝጸር ።
ሚስ ሊጎዛት ፡ "ሎሚ ማይ የለን ፣ ሰባት ኣብ ቀረብ ዝስተ ማይ ዓብዪ ፀገማት ኣለዎም ፣ እዚ ከኣ ኣተሓሳሳቢ ጕዳይ ይኸውን ኣሎ" በለት ።
"ኤለክትሪክ የለን ፡ መሞቒ የለን ። መግቢ ይጠፍእ ኣሎ ፡ ድኳናት ጥርሖ እዮም ዘለዉ ።"
"ካብ ከተማ ዝኣቱ ኰነ ዝወጽእ ነገር ዳርጋ ንሓያሎ መዓልትታት ኣይተራእየን ።"
ምትሓዝ ማሪዮል ማለት ግን ፡ ነቲ ዩክረይን ዝነበራ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ዚድርቶ እዩ ክኸውን ፡ ሓይልታት ሩስያ ድማ ምስቶም ኣብ ክረሚን ዶንባስን ዘለዉ ወተሃደራት ብመሬት ክራኸቡ ከም ዝኽእሉ ዝገብር እዩ።
ክሬምሊን ኣብ ቤላሩስ ሳልሳይ ዙር ዝርርብ ምስ ዩክረይን ትጽበ ከምዘላ ገሊጻ ።
እቲ ሓድሽ ዝርርብ ፡ ሰኑይ ከም ዝካየድ ፡ ብወገን ዩረይን ተገሊጹ ኣሎ ።
እቲ ውግእ ኣብ መላእ ዓለም ከቢድ ቊጠባዊ ጽልዋታት ኣሕዲሩ እዩ ፣ ኣይ.ኤም.ኤፍ ብቐዳም ኣብ ዘውጽኣቶ መጠንቀቕታ ድማ ፡ እቲ ውግእ "ዝኸፍአ ዕንወት" ከስዕብ ከም ዝኽእል ገለጹ።
ናይ ሩስያ ንግድን ምስ ሃገራት ምዕራብ ዘሎ ካልእ ርክባትን በብቕሩብ ክቑረጽ ጸኒሑ እዩ ።
ዝርዝር ናይተን ኣብ ሩስያ ዝንቀሳቐሳ ዘለዋ ዓበይቲ ኩባንያታት ናይብታኽ መስርሕ ብቐጻሊ እናዓበየ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ፡ ሕጂ ድማ ናይ ስጳኛ ዓርሞሸሽ ናይ ክዳን መሸጣ "ዛራ" ከምኡ ውን ናይ ፋሽን ሰንሰለት ወናኒ "ኢንዲተክስ" ስዒቦም ኣለዉ ።
ኣብ ዋሽንግተን ፡ ገሊኦም ሓገግቲ ኣካላት ፡ እቲ ምምሕዳር ዋጋ ነዳዲ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ'ኳ እንተፈለጡ ፡ ንፕረዚደንት ጆ ባይደን ፡ ነዳዲ ዘይቲ ሩስያ ከይትኣቱ ምእጋድ ዘጠቓልል ስጕምቲ ክወስድ ተማሕጺኖምዎ እዮም ።
ኣብ መንጎ ኔቶን ሩስያን ፡ ቀጥታዊ ግጭት እናወሰኸ ይኸይድ ስለ ዘሎ ኣመሪካን ሞስኮን ማለት ኣብ መንጎ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘለወን ክልቲኤን ሃገራት ፡ ነቲ "ብጌጋ ካብዝመጽእ" ዝመጽእ ሓደጋታት ንምንካይ ፡ ሓድሽ ቀጥታዊ መስመር ቴሌፎን ኣዳልየን ከም ዘለዋ ፡ ፔንታጎን ብዓርቢ ሓቢሩ እዩ ።