ኣብ ቀንዲ ናይ ዩክረይን ከተማ ዘሎ 'ዘሰክሕ' ኩነታት ስዒቡ ኣንጻር ሩስያ ሓድሽ ውጥን bbriTanya ከም ዝወጸ ተሓቢሩ.

ኣብ ሓንቲ ኣገዳሲት ከተማ ሰብኣዊ ኩነታት እናኸፍአ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ፡ መንግስቲ እንግሊዝ ፡ ሞስኮ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን እተካይዶ ዘላ ወራር ዘፍሽል ሓድሽ ውጥን ኣፍሊጣ ኣላ ።

SBS News in German

Source: AP, AAP / Evgeniy Maloletka

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ፡ ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ንምምካት ፡ ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ኵሉ ቝጠባዊ ቅልውላው ከስዕበላ ዝኽእል፡ ዘውጽኣቶ ሽዱሽተ ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ፡ ካልኦት መራሕቲ ክቕበልዎ ተማሕጺኑ ኣሎ ።

ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ለንደን ኣብ ዝግበር ኣኼባ፡መራሕቲ ካናዳ፡ ኔዘርላንድን ማእከላይ ኤውሮጳን ፡ ምኽንያት ብምግባር ሚስተር ጆንሰን ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ ወራር ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ከም ዝፈሸለን ክፈሽልን ከም እተራእየን ገሊጹ ።

ሚስተር ጆንሰን ኣብ መግለጺኡ ፡ "ነቲ ኣብ ሕጊ እተመስረተ ኣህጉራዊ ስርዓት ዘሎና ደገፍ ምግላጽ ጥራይ እኹል ኣይኰነን ፣ ነቲ ሕግታት ብወተሃደራዊ ሓይሊ እንደገና ክጸሓፍ ቀጻሊ ፈተነ ከይካየድ ክንከላኸሎ ኣሎና" በለ ።

ዕላማታት እቲ መደብ ክገልጽከሎ ፣ ንዩክረይን ንምሕጋዝ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ጥምረት ፡ ነቲ እትገብሮ ንርእሰ-ምክልኻል ምድጋፍን ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ቊጠባዊ ጸቕጢ ምትራር ።

ብዘይካዚ ፡ መንግስቲ ዩክረይን ምስ ምሉእ ተሳትፎኡ ፡ ኣብ ከባቢ ኤውሮጳ-ኣትላንቲክ ዘሎ ጸጥታ ክሕይል ፡ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት ሩስያ "ናብ ንቡር ምምላስ" ደው ክብል ፡ ሚስተር ጆንሰን ዲፕሎማስያዊ መገድታት ክዳሎ ጸዊዑ ።

ሚስተር ጆንሰን ብሰኑይ ምስ ቀዳማይ ሚንስትራት ካናዳን ኔዘርላንድስን ድሕሪ ምርኻቡ ፡ መራሕቲ ሪፓብሊክ ቸክ ፡ ሃንጋሪ ፡ ፖላንድን ስሎቫክያን ብሰንኪ እቲ ወራር ዘስዓቦ ዋሕዚ ስደተኛታት የአንግዱ ኣለዉ ።

ብሪጣንያ ፡ ሰኑይ ናብ ባይቶ ብዝለኣኽ ሓድሽ ሕጋዊ ስጒምቲ ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያውያን ነጋዶ እገዳ ብቕልጡፍ ጅግበር መዲባ ኣላ ።

 

'እቲ 'ዘስካሕክሕ' ኵነታት ካብ መዓልቲ ናብ እናገደደ እዩ ዝኸይድ ዘሎ'

ኣብ ደቡባዊ ዩክረይን ኣብ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ማሪዮፖል ዘሎ ሰብኣዊ ኵነታት "ዘስካሕክሕ" ስለ ዝዀነ ፡ ሰላማውያን ሰባት ካብቲ ቦታ ኺግዕዙ ኣገዳሲ እዩ ፣ ክብል ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ሓካይም ብዘይዶብ (MSF) ብቐዳም ኣጠንቂቑ ነይሩ ።

እታ ኣብ ጥቓ ዶብ ሩስያ እትርከብ ከተማ ፡ ብሓይልታት ሩስያ ተኸቢባ እያ ዘላ ፣ ሰላማውያን ሰባት ምእንቲ ክወጹ ድማ ፡ ኣብ ቀዳም ምቁራጽ ተዅሲ ክግበር ዝተፈተነ ፈሺሉ እዩ ።

"እዚ ሎሚ ክፍጠር ዝኽእል ዝነበረ ፡ ግን ከኣ ዘይተተግበረ ፡ ሰብኣዊ ኮሪደር ብሰንኪ ምፍሻል ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ፡ እዚ ድማ ነቶም ሲቪል ሰባት ፡ ኣንስትን ህጻናትን ካብዛ ከተማ ክወጹ ንምፍቃድ እዩ" ይብል ኣብ ዩክረይን ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣወሃሃዲ ፡ ላውረንት ሊጎዛት ፡ ንAFP ገሊጻ ።

ስምዒት ዕንወት

ሰርጌ ዝበሃል መስካሪ ንማዕከናት ዜና AFP ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ "ኣብ ኵላታ ምድሪ ሬሳታት መሊኡ ኣሎ" በለ ። "ኣብዚ ፋርማሲ ደልዮም እዮም ተሰሪዖ ነይሮም ፡ ኵላቶም ድማ ሞይቶም።"

ጋዜጠኛታት ኤኤፍፒ ፡ ሞስኮ ንሲቪላዊ ቦታታት ዒላማ ከም ዘይትገብር እኳ እንተ ገለጸት ፡ ፈቐዶኡ ዕንወት ከም ዘጋጠመ ከምዝረኣዩ ጸብጺቦም ኣለዉ ።

ዝምክት ዘሎ ሚስተር ዘለንስኪ ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ ሓይልታት ዩክረይን ኣብ ከባቢ እታ ዝዓበየት ከተማ ካርኪቭ ፡ መጥቃዕቲ ራሻ የፍሽሉ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምምልካት ፡ "እቶም ወረርቲ ብሕልሞም'ውን ዘይረኣይዎ ዕንወትዩ ዝወርዶም ዘሎ ፡" ክብል ኣረዲኡ ።

ኩለባ እውን ብተመሳሳሊ ፡ "ዩክረይን ትደሚ ኣላ ፣ ዩክረይን ግና ኣይወደቐትን ፣ ብክልቲኡ ኣእጋራ ኣብ ምድሪ ደው ኢላ ኣላ" ኢሉ ።

ሰራዊት ፑቲን ብ24 ለካቲት ካብ ዝወርር ጀሚሩ ፡ ሩስያ ንከተማታት ዩክረይን ኣጨኒቓተን እያ ፣ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ከኣ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከም እተቐትሉ ሓቢሮም እዮም ።

ይኹን እምበር ፡ ሞስኮ ነተን ኣብ ገማግም ደቡባዊ ጸሊም ባሕሪ ዩክረይን ዝርከባ በርድያንስክን ከርሰንን ዝብሃላ ክልተ ኣገደስቲ ከተማታት ጥራይ እያ ሒዛተን ።

"እቲ ኵነታት ኣዝዩ ሓደገኛን በብመዓልቱ እናኸፍአ ዝኸይድን እዩ" ድማ በለ ።

እታ ስትራተጅያዊት ከተማን ወደብ ዓዞዝ ባሕርን ሩስያ ንኽትሕዛ ከም ቀንዲ ረቛሒ እያ እትቝጸር ።

ሚስ ሊጎዛት ፡ "ሎሚ ማይ የለን ፣ ሰባት ኣብ ቀረብ ዝስተ ማይ ዓብዪ ፀገማት ኣለዎም ፣ እዚ ከኣ ኣተሓሳሳቢ ጕዳይ ይኸውን ኣሎ" በለት ።

"ኤለክትሪክ የለን ፡ መሞቒ የለን ። መግቢ ይጠፍእ ኣሎ ፡ ድኳናት ጥርሖ እዮም ዘለዉ ።"

"ካብ ከተማ ዝኣቱ ኰነ ዝወጽእ ነገር ዳርጋ ንሓያሎ መዓልትታት ኣይተራእየን ።"

ምትሓዝ ማሪዮል ማለት ግን ፡ ነቲ ዩክረይን ዝነበራ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ዚድርቶ እዩ ክኸውን ፡ ሓይልታት ሩስያ ድማ ምስቶም ኣብ ክረሚን ዶንባስን ዘለዉ ወተሃደራት ብመሬት ክራኸቡ ከም ዝኽእሉ ዝገብር እዩ።

ክሬምሊን ኣብ ቤላሩስ ሳልሳይ ዙር ዝርርብ ምስ ዩክረይን ትጽበ ከምዘላ ገሊጻ ።

እቲ ሓድሽ ዝርርብ ፡ ሰኑይ ከም ዝካየድ ፡ ብወገን ዩረይን ተገሊጹ ኣሎ ።

እቲ ውግእ ኣብ መላእ ዓለም ከቢድ ቊጠባዊ ጽልዋታት ኣሕዲሩ እዩ ፣ ኣይ.ኤም.ኤፍ ብቐዳም ኣብ ዘውጽኣቶ መጠንቀቕታ ድማ ፡ እቲ ውግእ "ዝኸፍአ ዕንወት" ከስዕብ ከም ዝኽእል ገለጹ።

ናይ ሩስያ ንግድን ምስ ሃገራት ምዕራብ ዘሎ ካልእ ርክባትን በብቕሩብ ክቑረጽ ጸኒሑ እዩ ።
ዝርዝር ናይተን ኣብ ሩስያ ዝንቀሳቐሳ ዘለዋ ዓበይቲ ኩባንያታት ናይብታኽ መስርሕ ብቐጻሊ እናዓበየ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ፡ ሕጂ ድማ ናይ ስጳኛ ዓርሞሸሽ ናይ ክዳን መሸጣ "ዛራ" ከምኡ ውን ናይ ፋሽን ሰንሰለት ወናኒ "ኢንዲተክስ" ስዒቦም ኣለዉ ።

ኣብ ዋሽንግተን ፡ ገሊኦም ሓገግቲ ኣካላት ፡ እቲ ምምሕዳር ዋጋ ነዳዲ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ'ኳ እንተፈለጡ ፡ ንፕረዚደንት ጆ ባይደን ፡ ነዳዲ ዘይቲ ሩስያ ከይትኣቱ ምእጋድ ዘጠቓልል ስጕምቲ ክወስድ ተማሕጺኖምዎ እዮም ።

ኣብ መንጎ ኔቶን ሩስያን ፡ ቀጥታዊ ግጭት እናወሰኸ ይኸይድ ስለ ዘሎ ኣመሪካን ሞስኮን ማለት ኣብ መንጎ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘለወን ክልቲኤን ሃገራት ፡ ነቲ "ብጌጋ ካብዝመጽእ" ዝመጽእ ሓደጋታት ንምንካይ ፡ ሓድሽ ቀጥታዊ መስመር ቴሌፎን ኣዳልየን ከም ዘለዋ ፡ ፔንታጎን ብዓርቢ ሓቢሩ እዩ ።

 


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ኣብ ቀንዲ ናይ ዩክረይን ከተማ ዘሎ 'ዘሰክሕ' ኩነታት ስዒቡ ኣንጻር ሩስያ ሓድሽ ውጥን bbriTanya ከም ዝወጸ ተሓቢሩ. | SBS Tigrinya