ኣመሪካን መሻርኽታን፡ ረዲኤት ብኣየር ብቐጥታ ናብ ትግራይ ክበጽሕ ዝኽእለሉ መገዲ ዘትዮም።

ድሕሪ ላዕለዋይ ሚኒስቴራዊ ኣኼባ ልኡኻት ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ሓልፊት ኣህጉራዊ ተራድኦ ኣመሪካ (USAID) ሳማንታ ፖወር ብዛዕባ ኩነታት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝሃበቶ መግለጺ።

News

Source: SAMANTHA POWER (SM)

ትማሊ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፈልትማን ሳማንታ ፓወርን ዝተረኽብዎ ምስ ልኡኻት ሓያለ ሃገራት ኣውሮጳ ላዕለዋይ ሚኒስቴራዊ ዋዕላ ብዛዕባ ኩነታት ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ህጹጽ ኣኼባ ጌሮም ኔሮም። ብዛዕባ - ኣብዚ እዋን እዚ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ዓለም ሓደ ካብቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘጋጥሞም ዘሎ ኩነታት ዘትዮም። እዚ ላዕለዋይ ልኡኽ ናይ G7 ሃገራትን ካልኦት ዓበይቲ ለገስቲ ሃገራትን ግብረ-መልሲ ንምሃብ ካብ ካናዳ ፡ ዴንማርክ ፡ ኤውሮጳዊ ኅብረት ፡ ፊንላንድ ፡ ፈረንሳ ፡ ኣየርላንድ ፡ ኢጣልያ ፡ ጃፓን ፡ ኔዘርላንድስ ፡ ኖርወይ ፡ ሽወደን ፡ ከምኡ "ውን ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጹ ላዕለዎት ተወከልቲ ዝተረኽብዎም ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ፡ እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ኵነታት ኣብ ባይታ እናገደደ ምኻዱ ፡ ከምኡውን ንድሕንነት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘለዎም ስግኣት ኣስሚሮምሉ።

"ንልዕሊ ዓሰርተው ሓደ ወርሒ ዝቐጸለ ውግእ ፡ ካብ ሽዱሽተ ኽሳዕ ሸውዓተ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ከቢድ ጸገም ውሕስነት ምግቢ ኣጋጠሞዎም ኣሎ።" ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ሰባት ካብ መንበሪኦም ወጺኦም ክሳብ 900,000 ዝበጽሑ ሰባት ኣብ ትግራይ ናይ ዓጸቦ ኩነታት የጋጥሞም ኣሎ ፡ ፡ ኣብዚ ሰባት ብዙሕ መዓልታት ብዘይ መግቢ ይኸዱን ኣቝጽልቲ ምብላዕ ጀሚሮምን ኣለው ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዓበየት ለጋሲ ሰብኣዊ ሓገዛት እያ ፡ እዚ ቅልውላው ካብ ዝጅምር ልዕሊ 663 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሂባ ፡ ብተወሳኺ ሎሚ ልዕሊ 26 ሚልዮን ዶላር ኣብዚ ሕጂ እዋን ተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝውዕል ከምትሕግዝ ኣፍሊጣ ኣላ ። "ኣሜሪካ በዚ ግጭት ንዝተጎድኡ ኢትዮጵያዊያን ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ምሃብ ኣየቋረጸትን።" ብምባል ሳማንታ ፓወር ድሕርቲ ኣኼባ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ገሊጻ።

ተሳተፍቲ ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንሰብኣውያን ገበርቲ ሰናይን ኣህጉራውያን ለገስቲ ሃገራትን ዘጋጥሞም ዘሎ እተሓላለኸ ፀገማት ዝኸውን ፍታሕ ናይ ምርካብ ህጹጽነት ከም ዘድሊ ድሕሪ ምስምማዖም ፡ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ምስፍሕፋሕ እቲ ግጭት ፡ ነቲ ብድሆታት ንምስጋር ፡ ኣሜሪካን መሻርኽታን እተፈላለየ ሜላታት ክሓስባ ከም ዘለወን ዘጕልሕ ምዃኑ ኣሚኖም ። ብህጹጽ ዘድሊ ዕላማታት ንምውቃዕ: ማለት ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም እገዳታት ክለዓልን ኣብ መንጎ ኩሎም ወገናት ተዂሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ክግበርን ዝተወሃሃደ ስጉምቲ የድሊ ። ለገስቲ ነቲ ሎሚ ምስ ዋና ፀሓፊ ኣመሪካ ቶኒ ብሊንከን ዝተራኸበ ላዕለዋይ ተወካሊ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ዝገበርዎ ጻዕርታት ደገፎም ገሊጾም። ተሳተፍቲ ፡ ንኣገዳስነት ናይቲ ዝመጽእ 18 ጥቅምቲ ዝካየድ ኣኼባ ባይቶ ጉዳያት ወጻኢ ኤውሮጳዊ ኅብረት ፡ ኣባል ሃገራት ኤውሮፓዊ ኅብረት ብዝበለጸ ንምትዕርራይ ፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ደው ኢሉ ናይ ቶኽሲ ስምምዕ ክግበርን ፖለቲካዊ ፍታሕ ክርከበሉ ዝኽእል ተመያይጦም ።

ሳማንታ ፓወር ኣብ መግለጺኣ "ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ለገስቲ መሻርኽትናን ነቲ ኣብ ልዕሊ ገበርቲ ሰናይ ዝግበር ዘሎ ምፍርራሕን ዝርጋሐ ግጉይ ሓበሬታን ብምዅናን: ሰላማውያን ሰባት ኣብ ምድሪ የሕልፍዎ ኣለዉ ቀጻሊ ስቓይ ከብቅዕን ረዲኤት ክበጽሖምን ይደልዩ ኣለዉ" ኢላ።

እቶም ለገስቲ ትካላትን ሃገራትን ብተወሳኺ ፡ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ናይ መራኸቢታት ፡ ባንክን ካልኦት ኣገደስቲ ኣገልግሎታትን ከም ብሓድሽ ክኽፈት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቲቶም። ናይ መጓዓዝያ ኮሪደራት ክኽፈትን ናይ ኣየር ርክባት ምሉእ ብምሉእ ናብ ትግራይ ከም ዝምለስ ክግበር ጸዊዖም። ነቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ እተዓጽወ ነዳዲ: መድሃኒት: ከምኡውን ሕክምናዊ ረድኤት ናብቲ ዞባ ንምእታው ብዙሕ ጻዕሪ ክግበር ዘጠቓልል ጻዊዒትውን ቀሪቡ ኣሎ። ኣብዚ መዳይ እዚ ቅልጡፍ ለውጢ እንተ ዘይተገይሩ: ሰብኣውያን ውድባት መደባተን ንድሕሪት ክመልሳ ወይ ደው ከብላ ይግደዳ ኣለዋ: ሆስፒታላትን ማእከላት ጥዕናን ድማ ካብ ሕክምናዊ ረድኤት ወጻኢ ይኾና ኣለዋ ። ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን መሻርኽታን ፡ እቲ ብሰንኪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተጌሩ ዘሎ ምዕጋት ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምምላእ ዝግበር ጻዕሪ ብ ኣየር ረድኤት ብቐጥታ ናብቲ ዞባ ከም ዝበጽሕ ድልየት ከምዘሎ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ ኣሎ።

ተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምስጓጕ ናይ ው.ሕ.ሃ. ሰበ-ስልጣን ካብታ ሃገር ኰኒኖምዎ ፡ እቲ ውሳነ እንደገና ኽዕረ ከም ዘለዎ ተሰማሚዖም ። እዚ ተግባር እዚ ነቲ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ኣብኡ ዝምርኰሱ ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብ ዝግበር ኣህጉራዊ ጻዕሪ ዘዳኽም እዩ ። ለገስቲ ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዘድልዮም ነገራትን ኣብ ስርዓታት ሰብኣውነትን ኣድልዎን ገለልትነትን ናጽነትን እተመርኰሰ ከም ዝዀነ ፡ እዚ ከኣ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሰብኣዊ ማሕበረሰብን ኣብ ኢትዮጵያ ህይወት ዘድሕን ረድኤት ንእተጸገሙ ሰባት ንምድሓን ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ከም ዝድግፍዎ ዘመልክት መሰረታዊ ስርዓታት ምዃኑ ኣጕልሑ።

ኣብ መወዳእታ እቶም ተሳተፍቲ ብዛዕባ ኣገዳስነት ተሓታትነት ናይቶም ግዳያት እቲ ግጭትን ተኽእሎ ናይቲ ምግሃስ ሓባራዊ ጸብጻብ ናይ ቤት ጽሕፈት ናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝጽበን ፡ ነቶም ግፍዒ ዝፈጸሙ ፡ እንተላይ ነቲ ብሰፊሑ ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽን ህልቂትን ብኸመይ ደው ከም ዝብልን ከምተመያየጡ፡ መግለጺ ናይ ሓላፊት ኣህጉራዊ ተራድኦ ኣመሪካ ሳማንታ ፖወር ዘርዚሩ።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ኣመሪካን መሻርኽታን፡ ረዲኤት ብኣየር ብቐጥታ ናብ ትግራይ ክበጽሕ ዝኽእለሉ መገዲ ዘትዮም። | SBS Tigrinya