ቻይናዊ ኣምባሳደር ኣብ እስራኤል፡ ኣብ ጥቓ ተል ኣቪቭ ዝርከብ ገዛኡ ሞይቱ ተረኺቡ።

ኣምባሳደር ዱ ዊ ሎሚ ኣብ ጥቓ ተል ኣቪቭ ዝርከብ ገዛኡ ሞይቱ ከምዝተረኸበ ናይ እስራኤል ፖሊስ ገሊጹ።

Du Wei, then Chinese Ambassador to Ukraine, at the Chinese embassy in Kiev, Ukraine, 30 August 2019

Du Wei, then Chinese Ambassador to Ukraine, at the Chinese embassy in Kiev, Ukraine, 30 August 2019 Source: EPA

ኣብ መፋርቕ ለካቲት ናብ እስራኤል ዝኸደ ናይ ቻይና ኣምባሳደር ኣብ እስራኤል ዱ ዊ ኣብ ሰሜናዊ ከተማ ተል ኣቪቭ ዝርከብ ገዛኡ ሞይቱ ከምዝጸንሐ ወሃብ ቃል ፖሊስ ሚኪ ሮሰንፈልድ ን AFP  ገሊጹ።

በዓልቲ ቤቱ  ንሚስተር ዱን ወዱን ኣብ እስራኤል ምስ ኡ ኣይነበሩን።

ብዛዕባዚ ጉዳይ መልሲ ዝህበሉ እቲ ሓበሬታ ምስተማልአ ምዃኑ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ገሊጹ ኣሎ።

ሚስተር ዱ ኣቐዲሙ ኣብ ዩክሬን ናይ እስራኤል ኣምባሳደር ኮይኑ ኣገልጊሉ ኔሩ እዩ።

ሚስተር ዱ ናብ እስራኤል ክ ኣቱ ከሎ ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ን 14 መዓልታት ተወሺቡ ከምዝነበረውን ተገሊጹ ኣሎ።

ቻይና ምስ እስራኤል ብዘለዋ ጥቡቕ ዝምድና ብፍላይ ኣብ ጽላት ተክኖሎጂ ብዙሕ ብምውፋራ፡ ዘይተሓጎሰት ዋሺንግተን እቲ ቻይና ትገብሮ ብፍላይ ኣብ ስትራየጂካዊ ጽላታት ክግደብ ን እስራኤል ከተጠንቅቓ ጸኒሓ እያ።

ወሃቢ ቃል ኤምባሲ ቻይና ዋንግ ዮንግጁን ምስ ጀሩሳሌም ፖስት ኣብዝሃቦ ርእይቶ ግና እቲ ናይ ቺኖ-እስራኤል ዝምድና ሓባራዊ ረብሓ እዩ ብምባል ነቲ ናይ ኣመሪካ ጥርዓን ነጺግዎ እዩ።

 


1 min read

Published

Source: AFP, SBS




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now