SKIP TO MAIN CONTENT

ሚ/ር ወጻኢ ቻይና ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ፈጺሙ፡ ቻይና ንኤርትራ ናይ 100 ሚልዮን ዩዋን ሓገዝ ከም እትህባ ኣፍሊጣ

News
Source: SM

1 min read

Published


Skip to article content

 

ናይ ቻይና ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሚ/ር ዋንግ ዪ፡ ኣብ ኣስመራ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብዝበጽሓሉ ሚ/ር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኤርትራ ተቐቢሎሞ።  ምስ ፕረዝደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ተራኺቡ። ንኽልቲኣተን ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ጉዳያት ብሰፊሕ ከምዝዘተዩ ድማ ካብ ኤርትራ ዝመጸ ሓበሬታ የመልክት።

ሚስተር ዋንግ ዪ፡ “ቻይና ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝግበር ዝኾነ ይኹን በይነኣዊ ስጉምቲ እገዳ ብመትከል ከም እትቃወሞ ብምንጻር፡ ኤርትራ ኣብ ዞባዊ ርግኣት ቐርኒ ኣፍሪቃ ንእትጻወቶ ዘላ ሃናጺ ተራ ኣሞጊሱ።” ክብል እቲ ዝመጸ ዜና ሓቢሩ።

 ቻይና ኣብ ዕብየት ቑጠባ ኤርትራ  ኣበርክቶ ከምትገብርን፡ ንኤርትራ ተወሳኺ 100 ሚልዮን ዩዋን ከም ትህብ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ስምምዕ ንኽልተኣዊ ዝምድናታት ብምዝርራብ፡ ስምምዓት ተፈሪሙ።

ሚስተር ዋንግ ዪ፡ ሎሚ ናብ ኤርትራ ዝገበሮ ወግዓዊ ዑደት ዛዚሙ ከምተፋነወ እቲ ዜና ይሕብር።


News
Source: Yemane Gebremeskel

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now