SKIP TO MAIN CONTENT

'ኮሙዩኒዝም ወይ ኮመን ሰንስ' : ትራምፕ ድሕሪ ዓወት ማምዳኒ ዝበሎ፡

ብረቡዕ ኣድመጽቲ ኣብ ኒው ዮርክ ንዲሞክራሲያዊ ሶሻሊስታዊ ዞህራን ማምዳኒ ከንቲባኦም ንክኸውን ዓብላሊ ድምጺ ሂቦም ።

Donald Trump
Zohran Mamdani's mayoral race win came despite fierce attacks on his policies and Muslim heritage from business elites, conservative media commentators and Donald Trump himself. Source: AP / Jacquelyn Martin

2 min read

Published

Source: AFP



Skip to article content

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ: ኒው ዮርካውያን ንዲሞክራስያዊ ሶሻሊስታዊ ዞህራን ማምዳኒ ናይ ዝቕጽል ከንቲባኦም ገይሮም ድሕሪ ምምራጾም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ "ልኡላውነታ ተሓዲጋ" ክብል ገሊጹ ።

"ክንተሓሓዞ ኢና" እንታይ ማለቱ ምዃኑ ኸይገለጸ ዝተዛረበ ትራምፕ፡ እታ ዝዓበየት ከተማ እታ ሃገር ኮሚኒስታዊት ኮይና ክብል ገሊጹ ።

ትራምፕ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ እቲ ማምዳኒ ዝረኸቦ ዘእምን ዓወት ኣብ ሚያሚ ኣብ ዝሃቦ መደረ: "ከተማ ፍሎሪዳ ድሕሪ ሓጺር እዋን መዕቈቢ ናይቶም ካብ ኮምዩኒዝም ዝሃድሙ ሰብ ኒው ዮርክ ክትከውን እያ።" ክብል ትራምፕ ተዛሪቡ ።

"እቲ ንዅሎም ኣመሪካውያን ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ምርጫ ፡ 'ኣብ መንጎ ኮምዩኒዝምን ርትዓዊ ኣተሓሳስባን እዩ።" ብዝያዳ ንጹር ክኸውን ኣይክእልን እዩ "በለ ፣ ብኻልእ ወገን እቲ ምርጫ ፡ ኣብ መንጎ" ቊጠባዊ ቅልውላው "ን" ቊጠባዊ ተኣምር "ን ከም ዝኸውን ገሊጹ ።

እቲ እዋን መደረ ፡ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ዲሞክራትስ ካማላ ሃሪስ እተዓወተሉ ናይ መጀመርታ ዓመት እዩ ነይሩ ።

ትራምፕ ንሰማዕቱ ደገፍቱ ፡ "ቁጠባና ኣናጊፍና ፡ ሓርነትና ኣምጺእና ፡ ብሓባር ኴንና ድማ ኣብታ ቅድሚ 365 መዓልቲ ዝነበረት እተደንቕ ለይቲ ንሃገርና ኣድሒንናያ" በሎም ።

ጉዕዞ ዓወት ማምዳኒ ብሰንኪ እቲ ዝኽተሎ ፖሊሲታቱ ፡ ኣብ እምነት ምስልምና ዘውረሶ ውርሻን ካብ ናይ ንግዲ ክኢላታት ፡ ዓቃባውያን መዲያታትን ብትራምፕ ባዕሉን ብሓያል መጥቃዕቲ ዝተዓጀበ እዩ ነይሩ።

ናይ ማምዳኒ ምዕዋት ፡ ኣብ ቨርጂንያን ኒው ጀርሲስን ዝተገብረ ዉድድርን ዓወታት ሰልፊ ዲሞክራት ዝረኸቦ ካልእ ዓወታት እውን ፡ እታ ሃገር ኣብቲ ዝመጽእ ዓመት ዝግበር ናይ መፋርቕ ምርጫታት ፡ ኮንግረስ ፡ ፖለቲካዊ ስምዒታት እታ ሃገር ይቕየር ከምዘሎ ዘመልክት እዩ።


For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now