'ፍጹም ክእመን ዘይከኣል'ዩ!' ኣብ ኣመሪካ ብኮሮና ቫይረስ ዝሞቱ ብዝሒ ልዕሊ 200,000 ሓሊፉ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ምስ ኮሮና ቫይረስ ዝተሓሓዝ ዝሞተ ብዝሒ ህዝቢ ልዕሊ 200,000 በጺሑ።

File photo

File photo Source: AAP

ኣመሪካዊያን ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ናይ ዝመጽእ 4 ዓመታት ፕረሲደንቶም ክከውንን ከይከውንን ድምጾም ዝህብሉ ሰሙናት ኣቚጺርሉ ዘሎ እዋን ኣብታ ሃገር ብኮሮና ቫይረስ ዝሞቱ ህዝቢ ናብ ኣዚዩ ክትሰምዖ ዘሰክፍ ኩነታት በጺሑ።

ብመሰረት ሓበሬታ Johns Hopkins University, ብኮሮና ቫይረስ 200,182 ኣመሪካዊያን ክሞቱ'ከለዉ፡ ልዕሊ 6.86 ሚልዮን በዚ ቫይረስ ተለኺፎም ኣለዉ።

"ኣብዚ ምውዳቕና ኣዚዩ ዘስካሕክሕ እዩ፡" ክትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ተመራማሪት ህዝባዊ ጥዕና ጀኒፈር ኑዞ ገሊጻ።

ኣብ ኣመሪካ ዝተራእየ ብዝሒ ሞት ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ካብ ዓለም እቲ ዝለዓለ'ዩ፡ ብድሕርዚ ብራዚል ብ 137,272 ህንዲ ብ88,935 ስዒበን ዘለዋ ሃገራት'የን።

ብሓፈሻ ኣብ ኣመሪካ ዝተራእየ ብዝሒ ሞት 4 ሚእታዊ ናይ ህዝቢ ዓለም፡ ከምኡ'ውን ዕስራ ምእታዊ ብኮሮና ቫይረስ ዝሞቱ ኮይኑ ኣሎ።

ተዓዘብቲ ትገልጽዎ ከምዘለዉ፡ ኩሉ ምልክታት፡ ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ ኣብ 3 ሕዳር ዝግበር ምርጫ ተፈቲኑ ክሓልፍ ኣይክእልን እዩ።

"ብሰንኪ ሓሶታትን ዓቕሚ ምስኣን ዶናልድ ትራምፕ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝኸበደ ሞት ኣመሪካዊያን ርኢና።"  ብምባል ናይ ደሞክራሲያዊያን ተወዳዳሪኡ ጆ ባይደን ብሰኑይ ገሊጹ።
ነዚ ክትሰምዖ ዘስካሕክሕ ብዝሒ ሞት ኣመሪካዊያን ኣመልኪታ ኣብ ኮንግረስ ላዕለወይቲ ኣፈኛ ደሞክራት ናንሲ ፐሎሲ እዚ ወሪዱ ዘሎ መዓት ብሰንኪ ዘይቅኑዕ ሓበሬታን ዕሽሽታን እንኮላ ነዚ ቀታሊ ቫይረስ ሽሽፍፋን ትራምፕ እዩ ኢላ።

ሚስተር ትራምፕ ብወገኑ፡ ንኽምረጽ ፖለቲካዊ መሳርሒ ብምግባር ክታበት ኮቪድ-19 ኣብዝቕሩብ ከምዝወሃብ ጉስጉስን ኣፍልጦ ይህብን ኣሎ።

"ክታበት ክንዕድል ኢና፡ ነዚ ቫይረስዚ ክንስዕሮ ኢና፡ ነዚ ለበዳ መወዳእታ ክንገብረሉ ኢና፡ ናብ ዘይውዳእ ብምጽግና፡ ምትሕብባርን ሰላምን ን ኣትወሉ እዋን ቀራባ እዩ።" ብምባል ትማሊ ዝተመልአ መልእኽቲ ኣብ መበል 75 ዋዕላ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪቡ።

'ዝበርዓነ ሃገራዊ ምላሽ'

ሚስተር ትራምፕ ኣቐዲሙ፡ ኣብ ናይ ዝመጽእ ዓመት ወርሒ ሚያዚያ ዝበዝሑ ኣመሪካዊያን ክኽተቡ ድላይ ዘለዎም ክኽተቡ እዮም ኢሉ ኔሩ።

እንተኾነ ብዙሓት ኪኢላታት ብክታበት ምጥላዕ ዘዋጽእ ስትራተጂ ከምዘይኮነ ኣጠንቂቖሞዮም።

ማስክ ክግበር እንተዘይተስገዲዱ፡ ርሕቀት ምግባር እንተዘይተለሚሱ፡ ብዝግባእ ነቶም ዝተለኽፉ ህድና እንተዘይተጌሩ፡ ብብዝሒ መረምራ እንተዘይተሰላሲሉ ኣብ ኣመሪካ ህይወት ናብ ንቡር ክሳብ ዝምለስ ተወሰኺ ናይ ዓሰርተታት ኣሻሓት ሰባት ህይወት ክቕዘፍ'ዩ።

"ኣብ ኣመሪካ ሎሚ ዓመት ኮቪድ ካብቶም ኣብ ቀዳሞት ሰለስተ ቀተልቲ ሕማማት ተሰሪዕም ኣለዉ።" ብምባል ቶም ፍረይደን ዳይረክተር ኣብ ዘመነ ምምሕዳር ባራክ ኦባማ ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት  (CDC) ብትዊተር መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
ጠንቂ ሞት ዝኾኑ ሕማማት ኣብ ኣመሪካ ንኮቪድ ዝቕድምዎ ሕማም ልቢን ካንሰርን ጥራይ ኮይኖም ኣለዉ።

"እዚ ዘሻቕል መጠን ሞት በዚ ቫይረስ መጺኡ ዘሎ፡ መግለጺ ናይ ዝፈሸለ ሃገራዊ ግብረ መልሲ እዩ፡ እንተኾነ ሕጂውን ነዚ ንምልዋጥ ግዚኡ ኣይሓለፎን ዘሎ" ክብል ዶክተር ፍረኡደን ገሊጹ።

ኣብ ኣመሪካ ስጉምቲታት ህዝባዊ ጥዕና ሕንፍሽፍሽ ዝበለ ኣቀባብላ እዩ ዘሎ።
Bike riders ride past a Mask Up Miami Beach, sign on Florida's famed Ocean Drive.
Bike riders ride past a Mask Up Miami Beach, sign on Florida's famed Ocean Drive. Source: AAP


Share

Published

Source: AFP, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
'ፍጹም ክእመን ዘይከኣል'ዩ!' ኣብ ኣመሪካ ብኮሮና ቫይረስ ዝሞቱ ብዝሒ ልዕሊ 200,000 ሓሊፉ። | SBS Tigrinya