ኣብ ሞውሪታንያ፡ ኢትዮጵያ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ደቡብ ሱዳንን ዚምባብወን እቲ ዕቤት ቅልጡፍ ኔሩ ክብል ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዞባዊ ቤት ጽሕፈት ንኣፍሪቃ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ እዋናዊ ጸብጻብ ገሊጹ ክትብል መርበብ ሓበሬታ ኣንዳሉ ኣስፊራ።
ልዕሊ 200,000 መልከፍቲታት ኮቪድ-19 ኣብ ኣፍሪቃ ተረጋጊጾም ኣለው፡ ልዕሊ 5,600 ከኣ ዝሞቱ። ዋላ’ኳ ኣፍሪቃ ካብ’ቲ ዓለማዊ ሰኸም ሓደ ንእሽቶ ክፋል ተቕውም እንተኾነት፡ ብመሰረት WHO እቶም ቁጽርታት ብዝተቐላጠፈ ናህሪ ይዓብዩ’ለው።
“10 ካብ’ተን 54 ሃገራት ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ነቲ ምውሳኽ ቁጽሪ ይደፍእ’ኦ ኣለዋ፡ ከባቢ 80% ካብ’ዚ ኩሉ መልከፍትታት ከኣ የቑማ። ልዕሊ 70% ካብ’ቶም ዝሞቱ ዘለው ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት ጥራይ’ዮም፡ ኣልጀርያ፡ ግብጺ፡ ናይጀርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ሱዳንን፡” ኢሉ እዚ ወኪል ጥዕና ውድብ ሕቡራት ሃገራት።
እቲ ጸብጻብ ከም ዝበሎ፡ “ማላዊን ናሚብያን ዜጋታተን ካብ ዝተተንከፋ ጎረባብቲ ሃገራት ምምላሶም ኣብ ዝቐጸልሉ ኣብ መወሸቢ ከባቢታት ተለልዮም ዝተፈልጡ እኩባት ዝተለኽቡ ሰባት/መልከፍትታት ረኺበን ኣለዋ።”
ሰለስተ ሓደስቲ ሃገራት፡ ኬፕ ቨርደ፡ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ምስ’ተን ሰራሕተኛታት ጥዕና ከምዝተለኽፍወን ዝሕብራ ሃገራት ዝርዝር ተጸምቢረን ኣለዋ።
WHO ሰራሕተኛታት ጥዕና ብኮቪድ-19 ኣዝዮም ዝተሃስዩ እዮም፡ እቲ ለበዳ ካብ ዝጀመረሉ 4,962 ሰራሕተኛታት ጥዕና ኣብ 36 ሃገራት ተለኺፎም ኣለው።
ደቡብ ኣፍሪቃ 2,084 ሰራሕተኛታት ጥዕና ዝተለኽፉዋ እታ ኣዝያ ዝተሃስየት እያ። እቲ ጸብጻብ ሰይሸልስን ኢኳቶርያል ጊኒን ኣብ ዝሓለፉ 63ን 19ን መዓልታተን ሓደስቲ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ከምዘይረኸባ ሓቢረን።
“ታንዛንያ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ኣብ’ዚ ናትና መዝገብ ዝኣተወ ዝተረጋገጸ ሓድሽ ዝተለኽፈ ሰብ የብላን፡ እንተኾነ ግን ከምዝተለኽፉ ዝተረጋገጹ ዜሮ ምዃኖም ዝሕብር ጸብጻብ የብልናን፡” ክብል እቲ ጸብጻብ ወሲኹ።
ኤርትራ ድሕሪ 44 ተኸታተልቲ መዓልታት ዜሮ ዝተለኽፉ ሰባት ምርካባ፡ ክልተ ሓደስቲ ዝተለኽፉ ከምዝረኸበት ኣፍሊጣ። WHO ከምዝሓበሮ እዚኦም ኣብ ግዜ ገምራዊ መርመራታት፡ ቅምሶ ደም ተወሲድሎም ዝተመርመሩ መጻምድቲ’ዮም።
“ንግዚኡ ኣፍሪቃ ክሳብ ሕጂ ካብ መላእ ዓለም ንኡስ መጠን’ያ ተቕውም፡” ትብል ኣብ WHO ዞባዊት ዳይረክተር ንኣፍሪቃ ዶክተር ማትሺዲሾ ሞወቲ።
“እንተኾነ ግን እቲ መጠን ምስፍሕፋሕ ይቕልጥፍ’ዩ ዘሎ። ቅልጡፍን ኣቐዲምካን ዝተወስደ ስጉምቲ ብሃገራት ኣፍሪቃ እቶም ቁጽርታት ትሑታት ክጸንሑ ሓጊዞም’ዮም፡ ግን ኮቪድ-19 ንመሳለጥያታት ጥዕና ከየጨናንቖም ደው ንምባል ዘየቋርጽ ትኩርነት ከድልይ’ዩ፡” ኢላ።
ብኻልእ ወገን ኡጋንዳ ካብ ኤርትራ፡ ታንዛንያ፡ ኬንያን ቡሩንዲን ዝኾኑ 30 መራሕቲ ዓበይቲ መካይን ተመርሚሮም ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኽፉ ድሕሪ ምርግጋጻ ነናብ መበቆል ሃገሮም ከምዘረከበቶም ኣፍሊጣ ክብል ጋዜጣ ሞኒተር ኣብ ገጹ ኣስፊሩ።

