SKIP TO MAIN CONTENT

ኩነታት ለበዳ ኮረና ኣብ ኤርትራ

ካብ ወጻኢ ናብ ኤርትራ ኣትዮም ናብ ሕብረተሰብ ድሕሪ ምጽምባሮም፡ ምልክትታት ተራእይዎም ከምብሓድሽ ንኽውሸቡ ተጸዊዖም ኣለዉ። እዞም ሰባት ኣብ ህዝቢ ክሳብ ክንደይ ነቲ ቫይረስ ኣላቢዖም ከምዘለዉ ስለዘይፍለጥ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።

1 min read

Published


Skip to article content

ኩነታት ለበዳ ኮሮና ኣብ ኤርትራ ዛጊት በቲ ካብ መንግስቲ ክወሃብ ዝጸንሐ ተኸታታሊ ሓበሬታታት ኣብ ደሓንን ኣብ ዘየስግእ ኩነታት ከምዘሎ ክግለጽ'ኳ እንተጸንሐ ናይ ትማሊ 28 ሚያዝያ ሓበሬታ ግና ካብቶም ብመዕርፎ ነፈርቲ "ኣንሲምፕቶማቲክ" ተባሂሎም ዝሓለፉ ገለ ዜጋታት ምስ ሕብረተሰብ ተሓዊሶም ድሕሪ ምቕናይ ምልክታት ናይቲ ሕማም ከም ዘርኣዩን ናብ ውሸባ ከም ዝኣተዉን ተሓቢሩ።

 እቲ ሕጂ ኣሻቓሊ ኮይኑ ዘሎ ሕቶ እምበኣር እዞም ዝተጠቕሱ ሰባት ቅድሚ ተጸዊዖም ናብ ውሸባ ምእታዎም ስድራኦምን ጎረባብቶምን ወሲኽካ ክንደይ ዝኸውን ሰብ በኪሎም ይኾኑ? ዝብል ሕቶ እዩ። ካብ ብመንግስቲ ዝተዋህበ መግለጺ ምርግጋጹ ከም ዝከኣል ሕጂውን ንውሸባ ተጸዊዖም ዘለዉ እቶ ካብ መገሻ ዝተመለሱ ሰባት ጥራይ እዮም። እቶም ክብከሉ ተኽእሎ ዘለዎም ምስኦም ዝተራኸቡ ሰባት ግና ገና ነቲ ቫይረስ የላብዑ ከይህለዉ ዓቢ ሻቕሎት ተፈጢሩ ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ ዛጊት 12 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምተለኽፉ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

Covid-19 Eritrea
Source: Twitter YT

ብኻልእ ሸነል፡ ናይ ማይነፍሒ ተመሃሮ ዓርቢ ለይቲ ብታክስታት ነናብ ዓዶም ክኸዱ ሓዲሮም፡ ሎም መዓልቲ ከኣ ናይ ዓዲ ቀይሕ ኮሌጅ ተመሃሮ ነናብ ገዝኦም ክሓልፉ ኣርፊዶም ኣለዉ። እቲ ካብ ኤርትራ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ሰብ ብናይ ውልቂ መካይን ኣማኢት እናኸፈለ እዩ ኪንቀሳቐስ ቀንዩ፡ ኣብዚ እዋን  ኩለን ብዘይካ መንነቱ ብታሴራ ከረጋግጽ ዝኸኣለ ቤተሰብ ካልእ ዝጸዓነ በዓል መኪና  መኪናኡ ይህገር ኣሎ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now