Latest

እዋናዊ ሓበሬታ ኮቪድ-19: ATAGI ምሉእ ጥዕና ንዘለዎም ደቂ 12-15 ዕድመ መደንፍዒ ክታበት ኣየድልዮምን'ዩ ይብል

እዚ ናይ ነሓሰ ሓሙሽተ እዋናዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ኣብ ኣውስትራልያ እዩ።

 ኮቪድ-19

ATAGI ድርብ ክታበት ኮቪድ-19 እንተወሲዶም ኣብ ክሊ ዕድመ 12-15 ዝርከቡ ምሉእ ጥዕና ዘለዎም ዕሸል መንእሰያት ኣዝዮም ይሓሙ ምዃኖም ዘረጋግጽ እኹል ዘይኮነ መርትዖ'ዩ ዘሎ ይብል። Source: AAP / JAMES ROSS

Key Points
  • Five million eligible Australians are yet to take their booster dose
  • TGA updates the list of RATs that detect new COVID variants
  • Health Minister is yet to receive advice on ending COVID-19 isolation
ዓርቢ ኣውስትራልያ ብውሑዱ 82 ሰባት ብኮቪድ-19 ከምዝሞቱ ጸብጺባ፣ 34 ኣብ ቪክቶርያ፣ 29 ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስን ሸሞንተ ኣብ ኲንስላንድን ወሲኽካ።

እዋናዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ተርእዮታት ሓደስት መልከፍታት ኮቪድ-19፣ ሆስፒታል ዝኣትዉን ዝሞቱን ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ'ዚ ታሕቲ ክትረኽብዎ ትኽእሉ።
ኣውስትራልያዊ ቴክኒካዊ ኣማኻሪ ጉጅለ ኣብ ክታበት (ኣታጊ ተባሂሉ ብኣህጽሮት ዝጽዋዕ፣ The Australian Technical Advisory Group on Immunisation (ATAGI) ንኹሎም ኣብ ክልል ዕድመ 12-15 ዝርከቡ ዕሸል መንእሰያት መደንፍዒ ክታበት ክወስዱ ከምዘይመክር ደጊሙ ገሊጹ።

እቲ ጉጅለ ኣብ'ዚ ክልል ዕድመ ዝርከቡ ምሉእ ጥዕና ዘለዎም ሰባት ክልተ እብረ ክታበታት ኮቪድ-19 ዝወሰዱ እንተኾይኖም ከቢድ ሕማም ክሓሙ ይኽእሉ ዝብል ዘይእኹል መረጋገጺ ጥራይ'ዩ ዘሎ ኢሉ።

እንተኾነ ግን፣ ነቶም ኣዝዩ ተኣፋፊ ዓቕሚ ምክልኻል ሕማም ሰብነት ዘለዎምን ዓቢይ ወይ ዝተሓላለኸ ሓገዛት ጥዕና ዘድልዮ ስንክልና ዘለዎም ህጻናትን ግን መደንፍዒ ክታበት ተዳልይሎም ኣሎ።

ሚኒስተር ጥዕና ማርክ ባትለር እቶም ሓቀኛ መልከፍታት ኮሮናቫይረስ ዕጽፊ ናይ'ቶም ዝሕበሩ ወይ ዝጽብጸቡ ቁጽርታት ክኾኑ ይኽእሉ ክብል ንኤቢሲ ሬድዮ ሓቢሩ።

እቲ ሚኒስተር ጥዕና ብዛዕባ'ቲ ትሑት ኮይኑ ዘሎ ቁጽሪ ሳልሳይ ክታበት ዝወስዱ ሰባት (ቀዳማይ መደንፍዒ ክታበት) ሻቕሎት ከምዘለዎ ገሊጹ።

ንሱ ሓሙሽተ ሚልዮን ክወስዱ ዝግበኦም ሰባት ገና ሳልሳይ እብረ ክታበት ንምውሳድ እጅገኦም ኣይሰብሰቡን ኢሉ፣ ካልኣይ እብረ ክታበቶም ካብ ዝወስዱ ልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኮይኑ'ሎ ኢሉ።

ሚስተር ባትለር እቲ ቫይረስ ኣይክጠፍእን'ዩ ድሕሪ ምባል ካብ ዋና ሓላፊ ጥዕና ወይ ካልኦት ክኢላታት ናይ ውሸባ ግዜ ከብቅዕ ወይ ክቕንስ ኣብ ዝብል ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ምኽሪ ወይ መምርሒ ኣይተቐበልኩን ኢሉ።

ኣማሓዳር ሕክምናዊ ኣቑሑ (The Therapeutic Goods Administration) ዝርዝር ኣስማት ናይ'ቶም መለክዒታት ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ዘማልኡን ሓደስቲ ንኡሳን-ዓሌታት ከለልዩ ዝኽእሉ መመርመሪ መሳርሒታት ራት (RAT) ኣሐዲስዎ'ሎ።

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ መልከፍታት 6,600 ድሕሪ ምብጽሖም ንማንኪፖክስ ( monkeypox (MPX)) ህጹጽ ህዝባዊ ኩነታት ጥዕና ብምባል ኣዊጃቶ'ላ።

ኣውስትራልያ፡ ብሓሙስ ዝተመልሰ ገያሻይ ቀዳማይ መልከፍታ ምዃኑ ግዝእት ወስተርን ኣውስትራልያ ድሕሪ ምሕባራ፡ ብውሑዱ 58 መልከፍታት MPX ረኺባ'ላ።

ኩሎም ታዝመንያውያን (Tasmanians) ካብ ሕጂ ክሳብ 31 ነሓሰ ኣብ ዘሎ ግዜ ናይ ፍሉ ክትባቶም ብነጻ ክረኽቡ ይኽእሉ'ዮም።


መርመራ ኮቪድ-19 ዝካየደሉ ክሊኒክ ክትረኽቡ

መርመራ ኮቪድ RAT ኣካይድኩም ምልካፍኩም እንተተረጋጊጹ ኣብ'ዚ መዝግብዎ

ንኮቪድ-19 ዝምልከት ኩሉ ሓበሬታ ብቋንቋኹም ኣብ'ዚ መበገሲ ገጽ ኣለኩም፥ SBS Coronavirus portal

Share

Published

By SBS Tigrinya
Presented by SBS Tigrinya
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service