እዋናዊ ሓበሬታ ኮቪድ-19: ኣብ ሲድኒ ሃርበር ናይ ጃልባ ጉዕዞ ዝተራእየ ለበዳ ኦሚክሮን ስክፍታ ኣሕዲሩ።

እዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ 8 ታሕሳስ 2021 እዋናዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ እዩ።

Side view of Sydney Harbour bridge Opera House and city CBD at sunset.

面對加息大環境, 投資者應當如歌部署? Source: AAP

ብዓርቢ ምሸት ድሕሪ ሓሙሽተ ሰባት ብ ኮቪድ-19 ከምተለኽፉ ድሕሪ ምፍላጡ ሰበስልጣን ጥዕና ነቶም ኣብ ናይ ሲድኒ ሃርበር  መዛወሪት ጃልባ ዝነበሩ ከባቢ 140 ሰባት ረኺቦም ክምርምርዎም ይፍትኑ ኣለዉ። ክልተ ሰባት ካብቶም ዝተለኽፉ ኣዝዮ ተላባዕ ኦምክሮን ዘለዎም ክዀኑ ኣለዎም ።

ዉድብ ጥዕና ዓለም ከምዝብሎ እቲ ናይ ኦሚክሮን ዓሌት ቫይረስ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ኮቪድ-19 ብዙሕ ዝሓየለ ሕማም ከስዕብ ኣይክእልን እዩ ፡ ይኹን እምበር ሕጂ እውን ጥንቃቐ የድሊ እዩ ።

ናይ ኣውስትራሊያ ላዕለዋይ ናይ ክታበት ኣካል ማለት ATAGI ኣብዚ ሰሙን እዚ ውሳኔ ክወስድ ትጽቢት ይግበር እዚ ናይ ፋይዘር ክታበት ካብ ሓሙሽተ ክሳብ 11 ዓመት ንዝዕድሚኦም ህጻናት ንክኽተቡ ክውስንዩ ። እዚ ምስ ተፈቕደ ፡ ኣብዚ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ህጻናት ፡ ኣብ ሓድሽ ዓመት ናብ ቤት ትምህርቲ ቅድሚ ምምላሶም ፡ ክታበት ክወስዱ ትጽቢት ይግበር ።

ሓበሬታ ኮቪድ:

ቪክቶሪኣ 1,312 መልከፍቲን 5 ዝሞቱ

NSW 403 መልከፍቲ ሓደ ሞት

ኲንስላንድን ኖርዝ ተሪቶሪን ክልተ መልከፍቲ ACT 8 መልከፍቲ

ዉሸባን እገዳን ብደረጃ ግዝ ኣት ኣብዚ ታሕቲ ጠዊቕኩም ክትረኽቡ ኢኹም:

ናይ ጉዕዞ ኩነታት

ናይ ፋይናንስ ሓበሬታ

ግዝ ኣታት መጠን ክታበት  70 ን 80 ን ሚእታዊ ምሉእ ብምሉእ ምስተኸትቡ እቲ ሓገዝ ተቐይሩ እዩ:  Getting help during Covid-19 from Services Australia in language


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
እዋናዊ ሓበሬታ ኮቪድ-19: ኣብ ሲድኒ ሃርበር ናይ ጃልባ ጉዕዞ ዝተራእየ ለበዳ ኦሚክሮን ስክፍታ ኣሕዲሩ። | SBS Tigrinya