- ኣብ ሲድኒ ዘሎ ዕጽዋ፡ ክሳዕ 28 ነሓሰ ተናዊሑ ።ቪክቶርያ ንሓደ ምንጩ ዘይተፈልጠ መልከፍቲ ተጽንዕ።ኣብ ደቡብ ኣውስትራሊያ ሓዱሽ መልከፍቲ የለን ።ኲንስላንድ ድርብ ናይ ኮቪድ-19 ስግኣት ኣለዋ ።
ኒው ሳውዝ ወልስ
ኒው ሳውዝ ዌልስ ፡ ካብ ከባቢ እተረኽቡ 177 ሓደስቲ መልከፍቲን ሓደ ሞትን መዝጊባ ኣላ ። እንተ ወሓደ 46 ሰባት ኣብቲ ማሕበረሰብ ምስ መልከፍቶም ዝጸንሑ ነይሮም ።
እዚ ሕጂ ዘሎ ዕጽዋ ክሳብ ቀዳም 28 ነሓሰ ብኣርባዕተ ሰሙናት ተናዊሑ ። ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ኣብ ሲድኒ - ካምፕበልታውን ፡ ፓራማታን ጆርጅ ሪቨርን ዝርከብ ካልእ ሰለስተ ዞባዊ ምምሕዳር ኣ ኣገደስቲ ሰራሕተኛታት ጥራይ እዮም ክወጹ ዝፍቀደሎም ።
ኣብ ፌርፊልድ ናይ ጥዕናን ናይ ዓበይቲ ክንክን ፡ ኣብ ካንተርበሪ-ባንክታውን ኩሎም ኣድለይቲ ሰራሕተኛታት ኣብ ሰሰለስተ መዓልቲ መርመራ ክገብሩ ይግደዱ ። ኣብ መላእ እ ሲድኒ ካብ ገዛ ኣብ ውሽጢ 10 ኪ.ሜ. ጥራይ ንዕዳጋን ምውስዋስ ኣካላትን ምውጻእ ይፍቀድ።
ነዚ ተቐይሩ ዘሎ ሕግታት ኣብዚ ርኸብ፡
ቪክቶሪያ
እታ ግዝኣት ትሽዓተ ሓደስቲ መልከፍቲ ተመዝጊቦም ኣለዉ ፡ ሸሞንተ ካብዚኣቶም ድማ ኣብዚ ግዜ እዚ ምስቶም እተለለዩ መልከፍቲ ምትእስሳር ኣለዎም ። ሓደ መልከፍቲ ገና ኣብ መርመራ ኣሎ ።
ብዙሕ ቀይድታት ኣብ ቦትኡ ክጸንሕ እዩ ፡ እዚ "ውን ማስኬራ ካብ ገዛኻ ወጻኢ ይኹን ካብ ግዳም ምኽዳን የጠቓልል ።
ኣብዚ lሓድሽ ሓበሬታ ብዛዕባ ቀይዲታት ኮቪድ-19 ኣብዚ ርኸብ።
ኣብዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ
- ናይ ኲንስላንድ ሓላፊት ጥዕና ዶክተር ጀነት ያንግ ካብቶም ኣብ ሓንቲ ዓባይ ተሰካሚት ማኪና ዝነበሩ 21 ሰራሕተኛታት እቶም 19 ን ኮቪድ-19 እወታዊ ዉጽ ኢት መርመራ ተረኺብዎም። ሓደ ካብኦም ኣብ ዉሽጢ ማሕበረሰብ ብሪዝቤን ንሽዱሽተ መዓልቲታት ተለኺፉ ከሎ ጸኒሑ ከምዝኽእል ገሊጻ።ደቡብ ኣውስትራሊያ ንኻል ኣይ መዓልቲ መልከፍቲ ኣየመዝገበትን።
ቤላ ቤሎ ብዛዕባ ኮቪድ-19:
ጥዑያት መንእሰያት ብኮቪድ-19 ኣይጥቅዑን ። ንዝኣረጉ ወይ ንዝሓመሙ ሰባት ጥራይ እዩ ዝጎድእን ዝቐትልን ።
ሓቅታት ኮቪድ-19:
እቲ ቫይረስ ንኣረጋውያን ሰባትን ነቶም መሰረታዊ ፀገማት ዘለዎምን ብዝያዳ ዝጸልዎም እኳ እንተዀነ: ንገለ ጥዑያት መንእሰያት እውን ይሃስዮምን ይቐትሎምን እዩ ።
ውሸባ ፡ መገሻ ፡ መርመራ ክሊኒካት ከምኡ 'ውን ክፍሊትን
ናይ ውሸባን መመርመሪን ብቕዓታት ብናይ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶርይ መንግስታት ይመሓደርን ይትግበርን:
NSW Travel & transport and Quarantine
VIC Travel permit, Overseas travellers and Quarantine
ACT Transport and Quarantine
NT Travel and Quarantine
QLD Travel and Quarantine
SA Travel and Quarantine
TAS Travel and Quarantine
WA Travel and Quarantine
ናብ ወፃእ ሃገር ክትጉዓዝ እንተደሊኻ ፤ ካብ መስመር ወፃእ ንዝኾነ ክፍሊት ኣብ መስመር መመልከቲ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ ። ናይ ኣህጉራዊ በረራታት ግዝያዊ ስጉምትታት ኣሎ እዚ ድማ እቲ መንግስቲ በብእዋኑ ዝግምግሞን ዘመሓይሾን እዩ። ካብ ኣውስትራሊያ ንኽትወጽእ ብዛዕባ ዘሎ ቅድመ ኵነታት ዝበለጸ መረዳእታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ Smart Traveller .
- ዜናን ሓበሬታ ብልዕሊ 60 ቋንቋታት sbs.com.au/coronavirus
- ኣብ ግዝ ኣትኩም ብዛዕባ ዘሎ ኣድለይቲ ሓበሬታ : NSW, Victoria, Queensland, Western Australia, South Australia, Northern Territory, ACT, Tasmania.
- Cብዛዕባ ክታበት ኮቪድ-19 ብቛንቋኹም ኣብዚ ብምጥዋቕ ሓበሬታ ርኸቡ።
ብ ናይ NSW ሕብረ ብዙህ ባህሊታት ኣገልግሎት ሓበሬታ ጥዕና ዝተቶርጎመ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ርኸቡ:
COVID-19 Vaccination Glossary
Appointment Reminder Tool.
ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣታት ዘለዉ መመርመሪ ከባቢታት:
ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝ ኣት ብዛዕባ ዝወሃብ ደገፍ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ መላግቦ ርኸቡ:

