- ዳቦ ኣብ ዞባ NSW ኣብ ዕጽዋ ትኣቱ
- ኣብ ቪክቶሪያ ሓሙሽተ መልከፍቲ መርመራ ይካየደሎም ኣሎ
ከይርንስ ከም'ቲ ዝተመደበ ካብ ዕጽዋ ትወጽእ
ቪክቶሪያ
ቪክቶርያ ካብ ኣብ ዉሽጢ ማሕበረሰብ እተረኽበ 20 ሓደስቲ መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ፣ ካብ'ዚኣቶም እቶም ሓሙሽተ ምስ'ቲ ኣቐዲሙ ዝፍለጥ ለብዒ ዘይተኣሳሰሩ እዮም። ሽዱሽተ ኣብ'ቲ ማሕበረሰብ እቲ መልከፍቲ እናሃለዎም ዝጸንሑ እዮም።
ፕሪምየር ዳንኤል ኣንድሪውስ እቲ ኣብ መልበርን ዘሎ ዕጽዋ እንተ ወሓደ ክሳዕ ሓሙስ 19 ነሓሰ ከም ዝጸንሕ ገሊጹ ኣሎ።
ዝርዝር ነቑጣታት ክታበት ኣብ'ዚ ርኸቡ list of vaccination centres.
ኒው ሳውዝ ወልስ (NSW)
NSW ካብ ኣብ ዉሽጢ ማሕበረሰብ 344 ሓደስቲ መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ፡ ካብ'ዚኦም እንተወሓደ 65 ኣብ ማሕበረሰብ በቲ ሕማም ተለኺፎም ከለዉ ዝጸንሑዮም። ክልተ ዘይተኸትቡ ሰባት ብሰንኪ ኮቪድ-19 ሞይቶም፣ ሓደ ኣብ 90ታት ዝዕድሚኡን ሓደ ኣብ 30ታት ዝዕድሚኡ መሰረታዊ ናይ ጥዕና ጸገም ዝነበሮን።
ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዝርከብ ዞባዊ ከባቢ ምምሕዳር ዳቦ፡ ኣብ'ቲ ዞባ ክልተ ኣወንታዊ መልከፍቲ ምስ ተመዝገበ፡ ሎሚ ካብ ሰዓት 1:00 ድ.ቀ. ጀሚሩ ንሓደ ሰሙን ዝጸንሕ ዕጽዋ ክኣቱ እዩ።
ዋና ሓላፊት ሓለዋ ጥዕና ዶክተር ኬሪ ቻንት ከም ዝሓበረቶ ኣብ ጽዑቕ ክንክን ካብ ዝርከቡ 62 ሰባት እቶም 57 ዘይተኸትቡ ክኾኑ ከለው እቶም ሓሙሽተ ግን ሓደ እብረ (ዶዝ) ናይ'ቲ ክታበት ዝረኸቡ'ዮም።
ዝርዝር ነቑጣታት ክታበት ኣብ'ዚ ርኸቡ list of vaccination clinics.
ኲንስላንድ
ኲንስላንድ ምስ'ቶም ዘለው ኣቐዲሞም ዝተለለዩ ሰለስት መልከፍታት ምትእስሳር ዘለዎም ኣርባዕተ ሓደስቲ መልከፍታት መዝጊባ ኣላ።
ኣብ ኬይርንስን ያራባን ንሰለስተ መዓልቲ ዝጸንሐ ዕጽዋ ሎሚ ሰዓት 4 ድ.ቐ ክዛዘም እዩ፡ ገለ ቀይድታት ግን ኣብ ቦትኦም ክጸንሑ'ዮም።
ዋና ሓላፊት ጥዕና ዶክተር ጀነት ያንግ ሕዱር ሕማም ንዘለዎም ኣብ ክሊ ዕድመ 12-15 ዝርከቡ ቆልዑ ንክታበት ክምዝገቡ ትምሕጸን ።
ከመይ ጌርኩም ንኽታበት ቆጸራ ክትሕዙ ትምዝገቡ ኣብ'ዚ (book your vaccination appointment) ርኸቡ።
ውሸባ፡ መገሻ፡ መርመራ ክሊኒካት ከምኡ'ውን ክፍሊታት ሓገዝ ብምኽንያት ለበዳን
ናይ ውሸባን መመርመሪን ብቕዓታት ብናይ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶርይ መንግስታት ይመሓደርን ይትግበርን:
NSW Travel & transport and Quarantine
VIC Travel permit, Overseas travellers and Quarantine
ACT Transport and Quarantine
NT Travel and Quarantine
QLD Travel and Quarantine
SA Travel and Quarantine
TAS Travel and Quarantine
WA Travel and Quarantine
ናብ ወፃእ ሃገር ክትጉዓዝ እንተደሊኻ ፤ ካብ መስመር ወፃእ ንዝኾነ ክፍሊት ኣብ መስመር መመልከቲ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ ። ናይ ኣህጉራዊ በረራታት ግዝያዊ ስጉምትታት ኣሎ እዚ ድማ እቲ መንግስቲ በብእዋኑ ዝግምግሞን ዘመሓይሾን እዩ። ካብ ኣውስትራሊያ ንኽትወጽእ ብዛዕባ ዘሎ ቅድመ ኵነታት ዝበለጸ መረዳእታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ Smart Traveller .
- ዜናን ሓበሬታ ብልዕሊ 60 ቋንቋታት sbs.com.au/coronavirus
- ኣብ ግዝ ኣትኩም ብዛዕባ ዘሎ ኣድለይቲ ሓበሬታ : NSW, Victoria, Queensland, Western Australia, South Australia, Northern Territory, ACT, Tasmania.
- Cብዛዕባ ክታበት ኮቪድ-19 ብቛንቋኹም ኣብዚ ብምጥዋቕ ሓበሬታ ርኸቡ።
ብ ናይ NSW ሕብረ ብዙህ ባህሊታት ኣገልግሎት ሓበሬታ ጥዕና ዝተቶርጎመ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ርኸቡ:
COVID-19 Vaccination Glossary
Appointment Reminder Tool.
ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣታት ዘለዉ መመርመሪ ከባቢታት:
ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣት ብዛዕባ ዝወሃብ ደገፍ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ መላግቦ ርኸቡ:

