እዋናዊ ሓበሬታ ኮቪድ-19 ኣውስትራሊያ: ኣብ መልበርን ዘሎ ዕጽዋ ንተወሳኺ ሓደ ሰሙን ተናዊሑ

እዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ዘሎ ኩነታት ኮሮናቫይረስ ናይ 11 ነሓሰ 2021እዩ።

Health staff monitor people after receiving a COVID-19 vaccination at the Royal Exhibition Building in Melbourne,

Health staff monitor people after receiving a COVID-19 vaccination at the Royal Exhibition Building in Melbourne, Tuesday, August 10, 2021. Source: AAP Image/Daniel Pockett

  • ዳቦ ኣብ ዞባ NSW ኣብ ዕጽዋ ትኣቱ

  • ኣብ ቪክቶሪያ ሓሙሽተ መልከፍቲ መርመራ ይካየደሎም ኣሎ

ከይርንስ ከም'ቲ ዝተመደበ ካብ ዕጽዋ ትወጽእ

ቪክቶሪያ
ቪክቶርያ ካብ ኣብ ዉሽጢ ማሕበረሰብ እተረኽበ 20 ሓደስቲ መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ፣ ካብ'ዚኣቶም እቶም ሓሙሽተ ምስ'ቲ ኣቐዲሙ ዝፍለጥ ለብዒ ዘይተኣሳሰሩ እዮም። ሽዱሽተ ኣብ'ቲ ማሕበረሰብ እቲ መልከፍቲ እናሃለዎም ዝጸንሑ እዮም።

ፕሪምየር ዳንኤል ኣንድሪውስ እቲ ኣብ መልበርን ዘሎ ዕጽዋ እንተ ወሓደ ክሳዕ ሓሙስ 19 ነሓሰ ከም ዝጸንሕ ገሊጹ ኣሎ።

ዝርዝር ነቑጣታት ክታበት ኣብ'ዚ ርኸቡ list of vaccination centres.

ኒው ሳውዝ ወልስ (NSW)
NSW ካብ ኣብ ዉሽጢ ማሕበረሰብ 344 ሓደስቲ መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ፡ ካብ'ዚኦም እንተወሓደ 65 ኣብ ማሕበረሰብ በቲ ሕማም ተለኺፎም ከለዉ ዝጸንሑዮም። ክልተ ዘይተኸትቡ ሰባት ብሰንኪ ኮቪድ-19 ሞይቶም፣ ሓደ ኣብ 90ታት ዝዕድሚኡን ሓደ ኣብ 30ታት ዝዕድሚኡ መሰረታዊ ናይ ጥዕና ጸገም ዝነበሮን።

ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዝርከብ ዞባዊ ከባቢ ምምሕዳር ዳቦ፡ ኣብ'ቲ ዞባ ክልተ ኣወንታዊ መልከፍቲ ምስ ተመዝገበ፡ ሎሚ ካብ ሰዓት 1:00 ድ.ቀ. ጀሚሩ ንሓደ ሰሙን ዝጸንሕ ዕጽዋ ክኣቱ እዩ።

ዋና ሓላፊት ሓለዋ ጥዕና ዶክተር ኬሪ ቻንት ከም ዝሓበረቶ ኣብ ጽዑቕ ክንክን ካብ ዝርከቡ 62 ሰባት እቶም 57 ዘይተኸትቡ ክኾኑ ከለው እቶም ሓሙሽተ ግን ሓደ እብረ (ዶዝ) ናይ'ቲ ክታበት ዝረኸቡ'ዮም።

ዝርዝር ነቑጣታት ክታበት ኣብ'ዚ ርኸቡ list of vaccination clinics.

ኲንስላንድ
ኲንስላንድ ምስ'ቶም ዘለው ኣቐዲሞም ዝተለለዩ ሰለስት መልከፍታት ምትእስሳር ዘለዎም ኣርባዕተ ሓደስቲ መልከፍታት መዝጊባ ኣላ።

ኣብ ኬይርንስን ያራባን ንሰለስተ መዓልቲ ዝጸንሐ ዕጽዋ ሎሚ ሰዓት 4 ድ.ቐ ክዛዘም እዩ፡ ገለ ቀይድታት ግን ኣብ ቦትኦም ክጸንሑ'ዮም።

ዋና ሓላፊት ጥዕና ዶክተር ጀነት ያንግ ሕዱር ሕማም ንዘለዎም ኣብ ክሊ ዕድመ 12-15 ዝርከቡ ቆልዑ ንክታበት ክምዝገቡ ትምሕጸን ።

ከመይ ጌርኩም ንኽታበት ቆጸራ ክትሕዙ ትምዝገቡ ኣብ'ዚ (book your vaccination appointment) ርኸቡ።

ውሸባ፡ መገሻ፡ መርመራ ክሊኒካት ከምኡ'ውን ክፍሊታት ሓገዝ ብምኽንያት ለበዳን

ናይ ውሸባን መመርመሪን ብቕዓታት ብናይ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶርይ መንግስታት ይመሓደርን ይትግበርን:


ናብ ወፃእ ሃገር ክትጉዓዝ እንተደሊኻ ፤ ካብ መስመር ወፃእ ንዝኾነ ክፍሊት ኣብ መስመር መመልከቲ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ ።  ናይ ኣህጉራዊ በረራታት ግዝያዊ ስጉምትታት ኣሎ እዚ ድማ እቲ መንግስቲ በብእዋኑ ዝግምግሞን ዘመሓይሾን እዩ። ካብ ኣውስትራሊያ ንኽትወጽእ ብዛዕባ ዘሎ ቅድመ ኵነታት ዝበለጸ መረዳእታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ  Smart Traveller .


ብ ናይ NSW ሕብረ ብዙህ ባህሊታት ኣገልግሎት ሓበሬታ ጥዕና ዝተቶርጎመ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ርኸቡ:


ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣታት ዘለዉ መመርመሪ ከባቢታት:


NSW 
ACT 

ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣት ብዛዕባ ዝወሃብ ደገፍ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ መላግቦ ርኸቡ:

NSW 
ACT 
 


Share

Published

Updated

By SBS/ALC Content
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
እዋናዊ ሓበሬታ ኮቪድ-19 ኣውስትራሊያ: ኣብ መልበርን ዘሎ ዕጽዋ ንተወሳኺ ሓደ ሰሙን ተናዊሑ | SBS Tigrinya