እዋናዊ ሓበሬታ ኮቪድ-19: መልበርን ካፕ 10,000 ሰባት ክዕዘብዎ እዮም, NSW ጽባሕ ካብ ቀይዲ ትኽፈት

እዚ ናይ 10 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ኣውስትራሊያ እዋናዊ ሓበሬታ ኮሮና ቫይረስ እዩ፣

Wafanyakazi waandaa viti nje ya mgahawa mtupu, kwa kufunguliwa tena ndani ya jengo la QVB mjini Sydney.

Wafanyakazi waandaa viti nje ya mgahawa mtupu, kwa kufunguliwa tena ndani ya jengo la QVB mjini Sydney. Source: AAP/Dan Himbrechts

  • ዋንጫ መልበርን ፡ 10,000 ምሉእ ብምሉእ ክታበታት ዝተኸትቡ ተዓዘብቲ ከም ኣካል ፈተና ቪክቶርያ ጌርካ ተዓዘብቲ ከተኣናግድ'ዩ።

  • መንግስቲ ንጽባሕ ካብ ቀይዲ ክኸፍት ኣብ ዝዳለወሉ እዋን ፡ ካብ ህዝቢ NSW 90 ሚእታዊት ቀዳማይ እብረ ክታበት ተኸቲቡ።

  • ሓደ ናይ ቪክቶሪያ ብመንገዲ ኣየር ቪርጂን በረራ ምስገበረ ኣብ ሰለስተ ክፍለ ግዝኣታት ናይ ጥዕና ሰበስልጣን ኣሰኪፍዎም ኣሎ።



ቪክቶሪያ

ቪክቶሪያ 1,890 ሓደስቲ መልከፍቲ ኮቪድ-19ን ሓሙሽተ ሞትን መዝጊባ ኣላ ። ካብቶም ኣብዚ እዋን ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ዘለዉ 602 ሕሙማት ፡ እቶም ትሕቲ 7 ሚእታዊት ጥራይ እዮም ምሉእ ብምሉእ ክታበት ዝተኸትቡ እዮም ።

ኣብ መላእ እታ ግዝኣት ክካየድ ዝጸንሐ ኣሰካፊ ጻዕርታት ኣብ ኣወንታዊ መልከፍትን መባእታዊ ርክባትን ጎዲሉ ኣሎ።

ፕሪሜር ዳንኤል ኣንድሪውስ ፡ ኣብ ዓውዲ ክታበት 80 ካብ ሚእቲ ምስተበጽሐ ፡ ቊጠባ እታ ግዝኣት ከመይ ኢሉ ከም ዝዓቢ ንምፍላጥ ፡ ተኸታታሊ ፍጻመታት ከም ዝካየድ ኣፍሊጡ እዩ ።

መልበርን ብ30 ጥቅምቲ ብ 'ሒደት ኣሽሓት ዓማዊል' ዝሳተፍዎ ሙዚቃዊ ምርኢት ከተአንግድ እያ ።

ዋንጫ መልበርን ፡ ብ2 ሕዳር እዩ ዝካየድ ፣ 10,000 ዝዀኑ ምሉእ ብምሉእ ክታበታት ዘለዎም ተዓዘብቲ ክሳተፍዎ እዮም ።

Find a vaccination centre near you.

New South Wales  

ኒው ሳውዝ ዌልስ 477 ዝተለኽፉ ሓደስቲ ሰባትን ሽዱሽተ ሞትን መዝጊባ ኣላ ።

እቲ ግዝኣት 90 ሚኢታዊ ናይ መጀመርያ ክታበት ንልዕሊ 16 ዓመት ንዝዕድሚኦም ነበርቲ ተኸቲቦም ኣለዉ።

72.8 ካብ 16 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሚኦም ሰባት ፡ ምሉእ ብምሉእ ክታበት ተኸቲቦም እዮም ።

ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ካልእ ከባቢታት ኣውስትራሊያ

  • ኲንስላንድ ፡ ዝተረኽበ ናይ ኮቪድ-19 መልከፍቲ የለን።

  • ኣብ ACT 30 ሓደሽቲ መልከፍቲ መዝጊቡ ኣሎ ፤ 16 ምስህሉውዝተተሓዙ እዮም እቶም ዝተረፉ ድማ ምርመራ ይግበረሎም ኣሎ ።

  • ኣብ ሰለስተ ክፍለ ግዝኣታት ናይ ቪክቶሪያ ናይ በረራ ተኣካቢ ካብ 4 ክሳብ 6 ጥቅምቲ ኣብ መልቦርንን ኣደላይድን ፡ ሲድኒን ኒውካስልን ኣብ ዝርከባ ናይ ቨርጂን በረራ በረራታት ድሕሪ ምክያዱ ሰበስልጣን ጥዕና ኣብ ትንቃቐ ይርከቡ ።


Share

Published

By SBS/ALC Content
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service